ኤርትራ፡ መበል 6ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተመሪጾም

ሰለስተ ጳጳሳት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም ነይሮም።

"ብመሠረት መምርሒ ምርጫ ድማ 85 ብኣካል ኣብዚ ጉባኤ ዝተረኽቡ፡ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ድማ 9 መረጽቲ ብማንዛዊ ኣገባብ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ድምፆም ሂቦም" ይብል እቲ መግለጺ።

ነዚ መስርሕ ምርጫ ንምዕዛብ ብጳጳስ ኤለክሳንድርያ ፓትሪያሪክ መንበረ ማርቆስ ጳጳስ ቴዎድሮስ ካልኣይ ዝተወከሉ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ኣብቲ መስርሕ ተሳቲፎም ነይሮም።

ብጹእ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ምዃኖም ይፍለጥ።

"ምልኣት ገዳማተ ኤርትራ፡ ወከልቲ ጉባኤ ሊቃውንት፡ ወከልቲ መንፈሳውያንን ምምኅዳራውን ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፡ ወከልቲ ሃገረ ስብከታት ውሽጥን ወፃኢን፡ ወከልቲ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ወፃኢ፡ ወከልቲ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ኣምራጺ ኮሚቴን፡ ንኡሳት ኮሚቴታትን" ምልኣተ ጉባኤ ከምዘረጋገጹ እታ ቤተክርስትያን ሓቢራ'ላ።

እቶም ሓድሽ ፓትሪያርክ ኣብ ዝመጽእ 26 ጥሪ 2025 (18 ጥር 2017 ዓ.ም) ወግዓዊ ብዓለ ሽመትን ስርዓተ-ተቀብኦን ክግበረሎም'ዩ።

መበል ሓሙሻይ ፓትሪያርክ ዝነበሩ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ኣብ ፈለማ ታሕሳስ 2022 ኣብ መበል 96 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ይዝከር።

ጉዳይ ፓትሪያርክ ኣብታ ቤተክርስትያን ንዓመታት ጠንቂ ውሽጣዊን ደጋዊን ምስሕሓብ ኮይኑ ምጽንሑ

ኣብ ምርጫ ፓትሪያርክ ኤርትራ ዝተሳተፉ ጳጳሳት

ምንጪ ስእሊ,LSAN TEWAHDO

መበል 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ካብ 2006 ጀሚሮም ንዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምእታዎም መንበረ ፓትሪያርክ ንዓመታት ብዘይሰብ ተሪፉ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ሓምለ 2019፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ብወግዒ ካብ መዝነቶም ከም ዘወረዱን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝተወገዙን ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ሰዓብቲ ናይቶም ኣብ ለካቲት 2022 ዝዓረፉ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ወጻኢ ናቶም ኣብያተ-ክርስትያናት ብምፍላይ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ይፍለጥ።

ዝተፈላለዩ ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ብኣካል መጺኦም የፈራርሕዎም ከምዝነበሩ እቶም ሽመቶምን መዓርጎምን ዝተቐንጠጡ ፓትሪያርክ ብምስጢር ኣብ ዘውጽእዎ ቪድዮታት ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብታ ቤተክርስትያን ኢዱ ብምእታው ዝንቀፍ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ እቲ ክስታት ሓቂ ከምዘይኮነ'ዩ ክምጉት ዝስማዕ።