ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ምጅማሩ ለውጢ ይህልዎ ዶ?

እቲ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ እቲ ብመሰረት ዓንቀጽ 243[d] ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን እታ ሃገር ኣብ ሰበስልጣን ዝዀኑ ዜጋታት ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ ገደብ ቪዛ ግን ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ኣቐሚጡ እዩ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ተፈቒዱ ዘሎ ቪዛ እዞም ዝስዕቡ ማለት፡ ካብ ዳይረክተር ጀነራል ንላዕሊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኰይኖም ሃገራዊ ሓላፍነት ዝሓዙ፣ ከምኡ’ውን መጻምዲ እዞም ዝተመልከቱ ሰበስልጣን መንግስትን ውድብን ትሕቲ 21 ዝዕድመኦም ደቈምን ገና እጉዳት እዮም ዘለዉ።

ካብዚኦም ወጻኢ ኤርትራዊያን ይዅኑ ነበርቲ ኤርትራ ዝዀኑ ካልኦት ዜጋታት ንቪዛ ከመልክቱን ኣገልግሎት ክረኽቡን ከምዝኽእሉ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ንኤርትራውያንን ቀወምቲ ነበርቲ ኤርትራን ዝዀኑ ዜጋታት ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ቪዛ፡ ብ 13 መስከረም 2017 ደው ከምዘበለ ይዝከር።

ዓመታዊ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብትምህርቲ፡ ብምብጻሕ ቤተሰብ፡ ብሕክምና፡ ብምትእኽኻብ ስድራቤት፡ ብስፖርት፡ ብስነጥበብ፡ ውልቃዊ ዋኒናትን ካልእን ንቪዛ ኣሜሪካ ሕቶ ከምዘቕርቡ እዩ ዝፍለጥ።

እንተዀነ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፓስፖርትን መውጽኢ [ኤግዚት] ቪዛ ንምርካብ ዝሕተት ረቛሒታትን ነዊሕ መስርሕን ከምዘለዎ ኰይኑ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ኣገልግሎቱ ድሕሪ ምቍራጹ ብፍላይ፡ ኵሎም ሓተትቲ ቪዛ ኣሜሪካ ኤርትራዊያን ጉዳዮም ንምስላጥ ናብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ክጓዓዙንን ብዙሕ ወጻኢታት ክገብሩን ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።

ቢቢሲ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ነቲ ነቶም ነዚ መስርሕ ዝሓለፉ ኤርትራዊያን ሓተትቲ ቪዛ ኣሜሪካ ኵነታቶምን ተመኵሮኦምን መበገሲ ብምግባር፡ እዚ ሕጂ ዝተገብረ ለውጢ ክፈጥሮ ዝኽእል ተስፋታት እንታይ ከምዝመስል ዳህሲስዎ ኣሎ።

በዚ ድማ ንሰለስተ ኤርትራውያን - ሓደ ናብ ኣሜሪካ ብትምህርቲ ክኸይድ ዝተፈቐደሉ፡ ሓንቲ በዓል ቤታ ኣሜሪካዊ ኰይኑ ብምጥርናፍ ስድራ ዕድላት ዝረኸበትን፡ ካልእ ከኣ ምስ ስድራኡ ዲቪ በጺሕዎ ቪዛ ንምርካብ ውልቀ ተመኵሮኦምን ርእይቶኦምን ተወኪስዎም ኣሎ።

 

ቪዛ ኣሜሪካ ንምርካብ ክሕለፍ ዝጸንሐ መስርሕ

ሰረት (ስሙ ዝተቐየረ) ካብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ፡ ተማሂሩ ከም ሰብ ነብሱ ዝፈለጠላን ሃገሩ ኤርትራ፡ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዕድል ድሕሪ ምርካቡ እዩ ብ2018 ወጺኡ።

እዚ ነቲ ብትምህርቲ ኣብ ዓቢ ደረጃ ክበጽሕ ራእይ ዝነበሮ መንእሰይ ሰረት ዓቢ ሓጐስ’ኳ እንተነበረ፡ ኤምባሲ ኣሜርካ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ቪዛ ኣቋሪጹ ብምንባሩ ግን ነቲ ዝረኸቦ ዕድል ከየምልጦ ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ተሰዲዱ መስርሕ ቪዛ ክከታተልን ከሳልጥን ግድን ነይሩ።

ንጉሰ ዝተበሃለ ካልእ ኤርትራዊ ንጡፍ ተጠቃሚ ኢንተርነት ኰይኑ፡ ኣብተን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ኢንተርነት ‘ካፈታት’ ዓመት ዓመት ሰብ ብውዕዉዕ መንፈስ ናብ ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ክመልእ እንከሎ፡ ንሰብ ኣብ ምምላእ እናሓገዘ ንነብሱ ግን ክመልእ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ነይሩ።

ኣብ 2017 ግን ንዕኡ ንበዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ‘ዘይፍትን’ ብምባል መሊኡ፡ ዕድሉ ጸቢቑ ኸኣ በጺሕዎም። ናብቲ ሎተሪ ቪዛ ዝሃበቶ ኣሜሪካ ግን በየን ይኺድ? እታ ቀዳመይቲ ኣብ ርእሱ ዝመጸአት፡ ናብ ሱዳን ከይዱ፡ ኣብኡ ፓስፖርት ኣውጺኡ ምስ ስድራኡ ናብ ኣሜሪካ ምዃድ’ዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ 2018 ከኣ ስድራኡ ጠርኒፉ ብስግረ ዶብ ዘይተኣደነ ገንዘብ ከፊሉ ናብ ሱዳን ኣትዩ።

ሰላም ምስቲ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ዝነበሮ ብቤተሰብ ዝተላለየቶ ኤርትራዊ ኣብ ኣስመራ’ዩም ተመርዕዮም። ኣብ እዋን ሕጽነቶም ድቂ ስለዝሓዘት ከኣ ኣብ 10 ወርሒ መርዓኦም ወዲ ተገላጊላ፡ ወዳ ከይደንጐየ ብመንገዲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዜግነት ተዋሂብዎ፤ ኣደኡ ሒዛቶ ክትወጽእ እንተዀይና ግን ግድን ካብ ኤርትራ ወጺኣ ቪዛ ክትሓትት ነይሩዋ። ሰላም ናብ ኬንያ ከይዳ ቪዛ ክትሓትት ከኣ ግድን ስለዝነበረ፡ ኣብ መጀመርታ 2020 ወዳ ሒዛ ናብ ኬንያ ኣትያ።

ኣብ ኣሜሪካ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ ሰረት፡ ፈለማ ናብ ዩጋንዳ’ዩ ኣምሪሑ፡ ኣብ ዩጋንዳ ምስ በጽሐ እቲ ኣብታ ሃገር ብኤርትራውያን ዝሕተት ዝነበረ ቪዛ መብዛሕትኡ ይንጸግ ብምንባሩ፡ ኣብ ሩዋንዳ ይሓይሽ ዝብል ምኽሪ ምስ ረኸበ ናብ ሩዋንዳ ኣምሪሑ።

ሩዋንዳ ንፈለማ ግዚኡ ዝኸዳ ሃገር ከም ምዃና መጠን ርእሱ ዝኸአለ ብድሆ ከምዝዀነ የዘንቱ። ናብኡ ንምብጻሕ ዘድሊ ገንዘባዊ ወጻኢታት፡ ብተወሳኺ ክሳብ ናይ ቪዛ ቃለ መጠይቕ ቈጸራ ዝሕዝን ዛዚሙ ዝምለስን ንዕለታዊ መነባበሪኡን መደቀሲኡን ዝሕተት ወጻኢታትን ቀሊል ከም ዘይነበረ ይገልጽ።

እዚ ኵሉ ሓሊፉ ዘቕረቦ ሕቶ ቪዛ በቲ ሩዋንዳ ዘሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ተነጽገ። እቲ ምኽንያት፡ “ዝዀነ ይዅን ሰብ ናይታ ዝገሸላን ቈጸራ ሒዙ ቃለ-መሕተት [ኢንተርቪው] ዝገብረላን ዘሎ ሃገር መንበሪ ፍቓድ ክህልዎ ኣለዎ፤ እንተዘይኰይኑ ኣብ ሃገሩ ኰይኑ ቪዛ ክሓትት እዮም ዝነግሩኻ፣ ስለዚ ኣብ ሃገርካ እቲ መስርሕ ዘይምህላዉ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክትስደድን ሕቶ ቪዛኻ ክንጸግን እውን ምኽንያት እዩ ዝኸውን” ይብል ሰረት ።

እቲ ምስ ስድራኡ ሎተሪ ቪዛ [ዲቪ] ዝበጽሖ ንጉሰ ናብ ሱዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ንዕኡ፡ ንበዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ፖስፖርት ኣብ ዝሓተተሉ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ብድሆታት’ዩ ገጢምዎ።

“እትው ምስ በልና ቀልጢፈ እንታይ እንታይ ከምዘድልየኒ ክሓታትት ግዜ ወሲደ፤ ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ ከኣ እቲ ንኣልበሽር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ዕግርግር ተላዒሉ፣ እቲ ኤምባሲ ብሰንኪ እቲ ዕግርግር ካብ ዝሰርሓሉ ዝዕጸወሉ’ዩ ዝበዝሕ ነይሩ፤ እቶም ወከልቲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከኣ ፖስፖርት ከይሓዝኩ ዝዀነ ነገር ከምዘይገብሩለይ’ዮም ነጊሮምኒ” ብምባል ምስ ስድራኡ ኣብ መዋጥር ከምዝኣተዉ ይሕብር።

ኣብ መጀመርታ 2020 ወዳ ሒዛ ናብ ኬንያ ዝኣተወት ሰላም፡ ቀልጢፉ ክሰልጠኒ’ዩ ብምባል ኣብ ሓደ ‘ጌስት ሃውስ’ያ” ኣዕሪፋ።

ሎሚዶ ጽባሕ ይሰልጠኒ እናበለት እንከላ ከኣ ኣብ ሚያዝያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኵሉ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር በረራታት ደው ስለዝበለ ሓዲግ ደው በለት።

“እዚ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ ኤምባሲ ኣገልግሎት ቪዛ ይህብ ስለዘይነበረ’ዩ ኣጋጢሙ፤ ቪዛ መጺኡኒ እንከሎ ብሰንኪ በረራ ዘይምንባሩ ዓመት ዝኸውን ተጸብየ’የ ናብ በዓል ቤተይ ክኸይድ ክኢለ” ብምባል ዝሓለፈቶ ተዕልል።

ኣብ ኤርትራ እንከለኻ ኣገልግሎት ምርካብ

ቪዛ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

“ኣብ ዓድና እቲ ቪዛ ክውሃበና እንተዝኽእል ነይሩ፡ እዚ ናብዚ ንምምጻእ ዝኸፈልክዎ ገንዘብ፡ ኣብኡ [ኬንያ] ንኽጸንሕ ዘውጻእክዎ ናይ መግቢ፡ ክራይ ገዛን ካልእን ጸብጺብካ ኣሽሓት ዶላራት ኣይምተኸሰረን ነይሩ” ብምባል ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ክህብ ምጅማሩ፡ ብዙሕ ከልበትበትን ኣትሪፉ ብዙሕ ወጻኢታት ከድሕን ከም ዝኽእል ተስፋኣ ትገልጽ።

ንጉሰ ብወገኑ፡ “ኣነን ስድራይን ዋላ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ቪዛ ክህብ እንተዝኽእል ነይሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፖስፖርት ክህበና ስለዘይክእል እቲ ብስግረ ዶብ ምውጻእ ኣይምተረፈናን” ይብል።

ኣስዒቡ፡ “ክንደይ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ፓስፖርት ክውሃቦን ካብ ዓዲ ክወጽእን ዝኽእል እንተኢልና፡ እቶም ኣረጋውያን ጥራይ’ዮም ክዀኑ ዝኽእሉ፤ ስለዚ እቲ ኤምባሲ ቪዛ ክህብ ምጅማሩ ኣብ ባይታ ዝህልዎ ለውጢ ውሱን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን” ብምባል፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንኣሜሪካ ክኸዱ ዝደልዩ መንእሰያት ግን፡ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝሕተት ቅጥዒታትን ደረታታን ገና ኣብ ቦትኡ ብምህላዉ፡ ለውጢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ንበይኑ ምሉእ ፍታሕ ከምዘይኰነ ንጉሰ ርእይቶኡ የቐምጥ።

ሰረት፡ ሕቶ ቪዛኡ ምስ ተነጸገ ኣብ ሃገሩ ኤርትራ እቲ ናይ ቪዛ ሕቶኡ ዘቕርብሉ መስርሕ ብምቍራጹ ናብ ሩዋንዳ ክጓዓዝ ከምዝተገደደ ነታ ናይ ቪዛ ‘ኦፊሰር’ ከረድኣ እኳ እንተፈተነ፡ ንሳ ግን ምስ ምሉእ ኣፍልጦኣ ሕጊ ጥሒሳ እትገብሮ ነገር ብዘይምህላዉ ንካልእ እዋን ክፍትን ሓቢራ ኣፋንያቶ።

ብተወሳኺ እቲ ግዜ ገደብ ‘ኢንተርቪው’ ፍሉጥ ብዘይምዃኑ ሓደ ሓደ እዋን ካብ 3 ኣዋርሕ ክሳብ 8 ኣዋርሕ ዝኸይድ ግዜ ከም ዘሎን እዚ ድማ ነቲ ገያሺ፡ ግዳይ ዝተፈላለየ ፋይናንስያዊን ስነኣእምሮኣውን ጸቕጢ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ሓዲግዎ ዝመጸእ ናብራን ስራሕን ላንጋላንጋ ከምዝተረፈ ይገልጽ።

“ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛታት ምሃብ ምጅማሩ፡ ብመንጽር እቶም ኣብ ዝተፈላልየ ጐረባብቲ ሃገራት ብምኻድ ዝፍትኑ ዝኸስርዎን ዘጋጠሞም ስነአእምሮኣዊ፡ ሞራላዊን ፋይናንስያውን ቅልውላዋት ምስ እንርእዮ፡ ነዞም ኣብ ውሽጢ ዓዶም ኰይኖም ቪዛ ዝሓቱ ዘለዉ ሰባት ዝሓሸ ቪዛ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎም” እብል።

ሰረት ወሲኹ፡ “ነቲ ኢንተርቪው ኣብ ሃገሮም ኰይኖም ስለገብርዎ መንበሪ ፍቓድ ኣምጹኡ ዝበሃል የለን። ብዓቢኡ ግን ምናልባት እንድሕር ዘይሰሊጥዎም እውን ካብ ስድራቤቶምን ስርሖምን ዝተፈላለየ ዋኒናቶምን ከይተፈላለዩ ስሩዕን ንቡርን ሂወቶም ክቕጽሉ ዘኽእል እዩ።” ብምባል ኣብዚ ግዜ ኤምባሲ ኣሜርካ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ስሩዕ መስርሕ ኣገልግሎት ቪዛታት ምጅማሩ፡ ብዙሕ ሸነካዊ ክሳራታት ናይቲ ህዝቢ ኣብ ምጉዳል ዓቢ እጃም ከምዘለዎ ከም ዝኣምን ይገልጽ።

ንጉሰ ድሕሪ ክንደይ ምምልላስ ኣብ መወዳእታ 2019 ፖስፖርት ኤርትራ’ኳ እነተተውሃቦ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኤምባሲ ኣሜሪካ ቪዛ ምሃብ ስለዘቋረጸ ኣብ ዩጋንዳ ወይ ኬንያ እንተፈተንኩም ይሓይሽ ተባሂሉ፤ ካብኡ ድማ ራብዓይ ርእሱ፡ ንደቡብ ሱዳን ኣቋሪጹ ብዘይውሑስን ዘይሕጋውን መንገደ ዩጋንዳ በጽሐ።

“ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝበጻሕናሉ፡ ካብቲ ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ክንበጽሖ ዝግብኣና ግዜ ኣዋርሕ ኣሕሊፍና ዝለዝነበርና፡ ክቕበሉና ኣይክኣሉን ኣብ ዩጋንዳ ስደተኛታት ኴንና ኣብ ሓደ እንዳ ቀምቃማይ ከም ሰራሕተኛ ኰይነ ስድራይ ይኣሊ ኣለኹ” ይብል።