ታሪኽ 17 ሰነ 1876፡ ቅንጸላ ሚስዮናውያን ኣብ ዓዲ ቖንጺ

ደግያት ሃይሉ ተወልደመድህን (በዓል ጸዓዘጋ) ብደገፍ ሃጸይ ቴዎድሮስ ተመዚዞም ገዛኢ መረብ-ምላሽ (ሓማሴን/ሰራየ) ክዀኑ ተሾሙ። ደግያት ሃይሉ ድማ ብግዲኦም ንራእሲ ወልደሚካኤል ዝበዝሐ ክፋል ሓማሴን ንከማሓድሩ መዘዝዎም።

ስለዚ ብዓንቶብኡ ኣብ ሞንጎኦም ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ኣብ ሓድሕዶም ዝርአ ዝነበረ ህልኽን ውድድርን ካብ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነቐለ እዩ ነይሩ።

ንሓዲኦም ኣውሪዶም ነቲ ሓደ ብምሻም ኣብ ርክባቶም ዉጥረት ይፈጥሩሎም ነበሩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ገዛእቲ ግብጻውያን ብሻርነት ነቲ ግጭት ኢዶም የእትዉሉ ነበሩ።

ብ1868፡ ሸሞንተ ዓመት ቅድሚ ዉግእ ጉራዕ፡ ደግያት ሃይሉ ብ1868 ብትእዛዝ ካሳ መርጫ ( ንጉስ ዮውሃንስ 4ይ ቅድሚ ምዃኖም) ምስ ተኣስሩ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (በዓል ሃዘጋ) ገዛኢ ሓማሴን ንክኾኑ ተሾሙ።

ደግያት ሃይሉ ደጋፊ ሃጸይ ቴዎድሮስ ከም ዝነበሩ ይዝንተወሎም’ዩ።

ንሶም ብ1858 (ዓሰርተ ዓመታት ቅድሚ ምእሳሮም ማለት’ዩ) ንሃጸይ ቴዎድሮስ ወኪሎም ኣንጻር ደግያት ኣገው ንጉሰ (ካልእ መጸውዒኦም፡ ደግያት ንጉሰ ወልደሚካኤል) ኣብ መሬት ሓማሴን ከም ዝተዋግኡ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

ደግያት ኣገው ንጉሰ ናይ ቀረባ ዘመድ ደግያት ዉበ ሃይለማርያም ዝነበሩ ዀይኖም፡ ንስልጣን ሃጸይ ቴዎድሮስ ዝቃጸጹ ዝነበሩ ሹመኛ እዮም ነይሮም።

ኣብ ኣጋ ምውዳቕ ሃጸይ ቴዎድሮስ፡ ደግያት ሃይሉ መርገጺኦም ለወጡ። ሓገዝ ንክረኽቡ ጸግዒ ግብጻውያን ሓዙ። ጸኒሖም ከኣ ምስ’ቲ ዝኣሰሮም በዓል ስልጣን - ካሳ መርጫ (ድሒሮም ንጉስ ዮውሃንስ) - ጸግዒ ሓዙ።

ደግያት ሃይሉ ንሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሮም ምስ ተፈትሑ ንጉስ ዮውሃንስ ከም ብሓድሽ ንራእሲ ወልደሚካኤል ኣልዮም ንደግያት ሃይሉ ናብ ስልጣኖም መለስዎም። ሽዑ እቲ ኣብ ሞንጎ’ቶም ተቐናቐንቲ ስልጣን ዝነበረ ምትፍናን መሊሱ ተወዓወዐ።

ሚስዮናውያን ኣብ ዘመን ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን

ደግያት ሃይሉ ኣብ ልዕሊ ሚስዮናውያን ዝነበሮም ኣመላኽታ ድሓን ከምዝነበረ ይንገር።

እቶም ሚስዮናውያን በቲ እወታዊ ኣመላኽታ ደግያት ሃይሉ ተስፋ ረኺቦም ኣብ ከበሳ መደበራት ክተኽሉ ጀመሩ። ሓደ ካብ’ቶም ወንጌል ኣብ ምዝርጋሕ ተጊሆም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሚስዮናዊ ፐር ኤሪክ ላገር ይበሃሉ።

ፐር ኤሪክ ላገር ሓኪም ስለ ዝነበሩ፡ ከምኡ’ውን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ፅቡቕ ምርድዳእ ይገብሩ ስለዝነበሩ፡ ኣብ ከበሳ ወንጌል ንክምህሩ ተፈቕደሎም።

ወንጌላዊ ላገር ብመንፈሳዊ ስርሖም ዋላ’ኳ ይሰጕሙ እቲ ኣብ ሞንጎ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ዝነበረ ምፍሕፋሕ ከም ዘይደቀሰ ይርድኦም ነበረ።

እቲ ግዝያት ራእሲ ወልደሚካኤል ስልጣኖም ስለ ዝተሓድጉ ንደግያት ሃይሉ ከጥቅዑ ዝሸባሸብሉን ዝተበገሱሉን እዋን ነይሩ።

ሚስዮናዊ ላገርን መሳርሕቶም ቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይን በቲ ዝነበረ ኵነታት ኣይቀሰኑን፣ ነቲ ዘይቅዱው ኵነታት ጸዓዘጋን ሃዘጋን ብቐረባ ንክዕዘቡ ናብ ጎዶቦ ዓዲ - ኣብ ዓዲ ቆንጺ - ገጾም ተንቀሳቐሱ።

ቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይ (1846-1876)፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ መስረትቲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ’ዮም።

ንሶም ኣብ ሰላሳ ዕድሚኦም ካብ’ዛ ዓለም ብሃንደበት ይፈለዩ’ምበር ማዕረ ቀሺ ዘራጽዮን ሙሰ (1850-1940)፡ ቀሺ ሰሎሙን ዓጽቁ (1948-1926) - እቶም ቀንዲ ዓንድታት ማሕበረ-ሰብ ከኒሻ - እዮም ዝረኣዩ ዝነበሩ፣ ኣብ ዝርጋሐ ወንጌል ከኣ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ወንጌላዊ ነበሩ።

ጸዓዘጋን ሃዘጋን ብ1876

ፐር ኤሪክ ላገር፡ ኣብ ዓዲ ቆንጺ (ኤርትራ) ዝተቐትሉ ሚስዮናዊ

ምንጪ ስእሊ,SEM (EFS) UPPSALA

መግለጺ ስእሊ,ፐር ኤሪክ ላገር፡ ኣብ ዓዲ ቆንጺ (ኤርትራ) ዝተቐትሉ ሚስዮናዊ

ቁሩብ ንድሕሪት ክንምለስ፡ ሚስዮናውያን ኣብ እምኩሉ (ጥቓ ባጽዕ) መደበር ኣብ ዝተኸልሉ እዋን (1866) ምስ ቨርነር ሙንሲንገር ዝተባህለ ስዊዘርላንድ ዝመወለዱ፡ ብ1871-1875 ከኣ ብግብጻውያን ተቘጺሩ ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዜመሓድር ዝነበረ በዓል ስልጣን፡ ተሓባቢሮም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይዝንቱ።

ሙንሲንገር ንሚስዮናውያን ኣብ ከብሳ ወንጌል ክዝርግሑ ፍቓድ ምስ ሃቡዎም ኣብ ጸዓዘጋ ድልዱል መደበር ተኸሉ። ብዙሓት ከኣ ካብ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ናብ ሚስዮን ዝኣተውሉ ዘመን ነበረ። ኣይጸንሑን፡ ሚስዮናውያን ኣብ በለዛን ገለብን ተወሰኽቲ መደበራት ተኸሉ። በቲ ምስፍሕፋሕ’ቲ ድማ’ዮም ሚስዮናውያንን ኣቕሽቲ ደብረ-ቢዘንን ዝገራጨዉ ዝነበሩ።

ሙንሲገር፡ ተዓሲቡ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ንድልየት ግብጺ ከቐድም ናይ ግድን ነበረ። ግብጻውያን ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ግዝኣት ክተኽሉ ድልየት ስለ ዝነበሮም ንኢትዮጵያ ክወሩ መደብ ነበሮም። ሙንሲንገር ከኣ ኣብቲ መደብ ነበረ። ግብጻውያን ንመደቦም ከተግብሩ ኸኣ ክሳብ መረብ፡ ጥቓ ዓድዋ ደፍኡ።

ዝዝከር’ዩ ሃጸይ ዮውሃንስ ንግብጻውያን ስሞም ነበሩ። ብዕለት 16 ሕዳር 1975 ኣብ ጉንደት ንወትሃደራዊ ወፍሪ ሙንሲንገር ከም ዝሰዓሩዎ፣ ብመጋቢት 1876 ድማ ኣብ ጉራዕ ሓይልታት ሃጸይ ዮውሃንስ ንወትሃደራት ግብጺ ደጊሞም ደምሰሱዎም። ግብጻውያን ኣብ ጉራዕ ምስ ተሳዕሩ ጸብለልትነት ሃጸይ ዮውሃንስ ክርአ ጀመረ።

ግብጻውያን ኣብ ጉራዕ ምስ ተሳዕሩ ኣብ ምውጽኦም ንመሬት ቦጎስ ጥራይ ዘይኰነስ ዝነበርም ኣጽዋር’ውን ኣብ ኢድ ራእሲ ወልደሚካኤል ኣረኪቦም ከዱ።

እቲ ዛንታ ቁሩብ ከነሕጽሮ፡ ድሕሪ ዉግእ ጉራዕ ኵነታት ሚስዮን ክልወጥ ጀመረ።

ሃጸይ ዮውሃንስ መትከላት ክርስትና (ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን) ኣቐዲሞም ይገዝኡ ስለ ዝነበሩ ‘መነኵሳት ኤርትራ ኣንጻር ሚስዮናውያን ክጕስጕሱ ዕድል ረኸቡ’ ይብል ጉስታቭ ኣረን - ብዛዕባ ታሪኽ ሚስዮን ኣብ ዞባና ዝጸሓፈ ተመራማሪ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ባእሲ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ምስ ስርሓት ሚስዮን ኣተኣሳሲሩ ኣብታ ‘ፈወንቲ ወንጌል’ ዘርእስታ መጽሓፉ (Evangelical Pioneers in Ethiopia) ዘርዚሩ ኣቕሪቡዎ’ዩ።

እቲ ጐስጓስ ኣንጻር ሚስዮናውያን እናወሰኸ ብምኻዱ ኣብ ልዕሊ ወንጌላውያን ስክፍታ ኣሕደረ።

ሚስዮናዊ ላገር ከኣ ኣቤቱታኦም ኣብ ደግያት ሃይሉ ንከቕርቡ ምስ በዓልቲ ቤቶም ኰይኖም ንጸዓዘጋ ተጓዕዙ። ደግያት ሃይሉ ኸኣ ብጽቡቕ ተቐበሉዎም ይበሃል።

ንጉስ ዮውሃንስ ንደግያት ሃይሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ኣብ ቦትኦም (ጸዓዘጋ) መሊሶሞም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ደግያት ሃይሉ ንሚስዮናውያን ይከላኸሉሎም፡ ንምንቅስቓስ-መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓማሴን ድማ ዳርጋ ይምዉልዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሓት በቲ ዝነበረ ኵነታት ተጻጊሞም ዝነበሩ ምእመናን ንጸዓዘጋ ብምኻድ ነቲ ዕድል ክጥቀምሉ ጀመሩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ቃልሶም ኩሉ ጊዜ ኣንጻር ደግያት ሃይሉ ዘድሃበ ስለ ዝነበረ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኣቶም ዝነበረ ጕዳይ ፈለኽ ይብል ከም ዝነበረ ኣብ ግምት ምእታዉ የድሊ።

ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ብ1876 ራእሲ ወልደሚካኤል ወትሃደራቶም ንሓማሴን ገጾም ብምምራሕ ንደግያት ሃይሉ ክገጥሙዎም ንወኪዱባ ተጓዕዙ።

ዉግእ ወኪዱባ (1876)

ብመፋርቕ ሓምለ 1876 ወንጌላዊ ላገር ንበዓልቲ ቤቶም ኣብ በለዛ ገዲፎም ንቀሺ ሓይልኣብ ክረኽቡ ንጸዓዘጋ ተበገሱ። ንጽባሒቱ ግንባር-ቀደም ራእሲ ወልደሚካኤል ብኣጻድፍ ወሪዶም ንቤት-መኻእ ገጾም ብምኻድ ንጸዓዘጋ ዜምርሑ መንገድታት ዓጸዉዎ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ጕዳይ ጥዕና ከም ዘይነበሮ ተረዲኦም ተረበሹ። ጸሓፊ ጉስታቭ ኣረን ከም ዘዘንትዎ፡ ወንጌላዊ ላገር ክዓርቕ ፈቲኑ ኣይኰነሉን። ደግያት ሃይሉ ብተብተብ ንወትሃደራቶም ንወኪዱባ ገጾም ንክኸቱ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ።

ወንጌላዊ ላገር ምስ ቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይ ኰይኖም ነቲ ዝራጸም ዝነበረ ኵነታት ጸዓዘጋን ሃዘጋን ክዕዘቡ ጀመሩ፣ ወትሃደራት ራእሲ ወልደሚካኤል ከኣ ይደፍኡ ከም ዝነበሩ ተገንዘቡ።

ወትሃደራት ደግያት ሃይሉ ንወትሃደራት ራእሲ ወልዲሚካኤል ኣይከኣልዎምን፣ ደግያት ሃይሉ ብጥይት ተሃሪሞም ወደቑ። ኣብቲ ዉግእ ከኣ መኰነን፡ ወዶም ንራእሲ ወልዲሚካኤል፡ ተወጊኡ ሞተ። ሽዑ ራእሲ ወልደሚካኤል ነዲሮም ብሕነፍዳ ኵሎም ኣወዳት ጸዓዘጋ ክቕተሉ ከምዝኣዘዙ ጽሑፋት ታሪኽ ይሕብሩ።

ሽዑ ሓይልታት ደግያት ሃይሉ ብብዝሒ ወትሃደራት ወልደሚካኤል ተዓብሊሎም ተሳዕሩ፣ ብዙሕ ደም ከኣ ፈሰሰ። እቲ ዉግእ ደው ምስ በለ ማዕረ 1500 ሰባት ሬሳኦም ኣብ ጐላጕል ወዲቑ ተረኽበ። በዓል ከንቲባ ዘሙይ በዓል ጸዓዘጋ፡ ደብተራ ወልደስላሴ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ዓበይቲ ዓዲ ተቐቲሎም ዝተረኽቡሉ ህሞት ነበረ። ሬሳ ሊቀ-ካህናት ገብረመድህን’ውን ምስኦም ወዲቑ ተረኽበ።

ሓይልታት ደግያት ሃይሉ ካብ ጸዓዘጋ ስሒቦም ክወጹ ምስ ጀመሩ ወንጌላዊ ላገር ምስ ቀሺ ሓይልኣብ ኰይኖም፡ ሳልሳዮም ድማ መምህር ሃብተጊዮርጊስ ትርፈ መፈጸምታ ናይቲ ዉግእ ንክርእዩ ተኸቲሎሞም ክሳብ ዓዲ ቆንጺ ወረዱ ይበሃል።

እቲ ኵነታት ምስ ጸንከረ ሰለስቲኦም ኣብ ዓዲ ቆንጺ ዝርከብ ቤት-ክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ከኣ ንክዕቈቡ ተገደዱ።

ሽዑ’ዩ “ወዲ ተስፋይ እቲ ንእሽቶ፣ ሰብ ክሃድም ቤተ ክርስትያን ኣቶ” ዝተባህለ። እቲ ሕጨጫ ንቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይ ዝምልከት ነበረ። ቀሺ ሓይለኣብ፡ ከም ወንጌላዊ መጠን፡ ‘ኣማልኽቲ ኣየድሕኑን’ዮም፡ እየሱስ እምበር’ እናበሉ ይምህሩ ስለ ዝነበሩ ኣብ ቤት-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ክዕቈቡ ንእምነቶም ዝጻረር ግብሪ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖም።

ብዙሓት ወትሃደራት ሃዘጋ ነቶም ሰለስተ ‘መናፍቓት’ (ከሓድቲ እምነት) ኣብ ቤት ኣምላኽ ስለ ዝተዓቝቡ ዕሽሽ በሉዎም።

ጉብሳ ወልደገብሪኤል ዝተባህሉ፡ ካብ ጻዕዳ-ክርስትያን ነዲሮም ዝመጹ ተዋጋኣይ ራእሲ ወልደሚካኤል ንሰለስቲኦም ወንጌላውያን ካብቲ ቤተክርስትያን ገዲዶም ኣውጽእዎም፣ “ሕጂ’ምበኣር ንቅዱስ ሚካኤል ኢድ ክትነስኡ መጺእኩም” ኢሎም ከኣ ሓጨጩሎም። ሚኪኤል ኣይድሕንን’ዩ ትብሉ’ንዶ ኣይነበርኩምን?’ ቀሺ ሓይልኣብ ከይፈርሁ ‘እሞ ሕጂ ንርኢ” በሉ ይበሃል።

ቀሺ ሓይልኣብ ኣይደሓኑን፣ ጉብስ ብዜስካሕክሕ ኣገባብ ብሴፉ ንቀሺ ሓይልኣብ ቆራረጾም። ወንጌላዊ ላገር ከኣ ተምበርኪኾም እናጸለዩ ጉብሳ ክሳዶም ቆረጾ።

መምህር ሃብተጊዮርጊስ ትርፈ ግን ብማህረምቲ ጥይት ሓለፈሎም። ጉብሳን ጕጅልኦምን ካብቲ ቤት ኣምላኽ ምስ ወጹ ሓብቶም ኣድሓንኦም፣ ኵነታት ምስ ሃድአ ኣብ ዓይለት ከይዶም ኣገልግሎት ሕክምና ረኸቡ፣ ነቲ ዛንታ ከዘንትዉ ኸኣ በቕዑ ይበሃል።

ራእሲ ወልደሚካኤል ንቕትለት ወንጌላዊ ላገር ኣይሕተተሉን’የ በሉ። ምስ ወትሃደራት ንጉስ ዮውሃንስ ምእንቲ ከይገጥሙ ኸኣ ተኣልዮም ንቦጎስ ተመልሱ።

እቶም ብእምነቶም በጃ ዝሓለፉ ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተቐትልሉ መዓልቲ 17 ሰነ 1876 ነበረ። እቶም ዝተረፉ ምእመናን ካብቲ ዞባ ብምውጻኣ ናብ ፈቐድኡ ዝነበሩ መደበራት ሚስዮን ክዕቘቡ ኸኣ ተገደዱ።