ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ዓወት ወ/ገብርኤል ኣብ ፋሽን ክዳውንቲ ኣመሪካ ስሙ ሕላገት ዝገድፍ ዘሎ መንእሰይ

ኣብ ኣዲስ ኣባበ ተወሊዱ ብንእሽቶኡ ናብ ኣመሪካ ዝመጽአ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ዓወት ወልደገብሪኤል፡ ኣብ ዓውዲ ፋሽን ኒውዮርክ ስሙ ዘድምቕ ዘሎ መንእሰይ’ዩ።

ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ 2020 ጀሚሩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓደ ካብቶም ጽቡቕ ውጽኢት ዘመዝገበ ትካላት ቅዲን ስፌትን ክዳን ዝኾነ 'ዓወት ኒውዮርክ' ዝብል ትካል ዝመርሕ ዘሎ ዓወት፡ ኣብኡ ብቖልዓኡ ብዘሕደረሉ ጦብላሕታ ኣብ ቅዲ ክዳን ከም ዝኣተወን ኣሰር ከም ዝሰዓበንይዛረብ። ንስራሓት ትካሉን ዛጊት ዝሓለፎም መስርሓትን ብዝምልከት ኣዘራሪብናዮ ኣለና።