ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ

እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡ ኣብ ከም ኲናት ትግራይ፡ ቓዛ፡ ዩክረይንን ካልእ ቦታታትን ሰፊሕ ሞት፡ ምፍንቓልን ዝተፈላለየ ሽግራትን ዘስዓበ ኲናትን ሓደጋታትን፡ ንስለ ሰብኣውነት ክብሉ ፍትሒ ክረጋገጽ ደው ምባሎም ናይ ቀረባ ዝክሪ እዩ።

ኣብቲ ልዕሊ ስለስተ ሚእቲ ኤርትራውያን ዝተቐዝፉሉ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱዛ ድማ ዓሚቝ ሓዘኖም ብምግላጽ ዘርኣይዎ ምድንጋጽን በቲ ኵነታት ምስቍርቋሮምን ብዙሓት ኤርትራውያን ወትሩ ይዝክርዎም።

03 ጥቅምቲ 2013፡ 350 ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ንኢጣልያ ዝተበገሰት ጀልባ፡ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፔዱዛ ጥሒላ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ከኣ ኤርትራውያን ነዛ ዕለት ብሓዘን ይዝክርዋ።

እቲ ዘስካሕክሕ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎ መቕዘፍቲ ኣማኢት ሰባት ግን ንስድራ ቤት መወትን ኤርትራውያንን ጥራሕ ኣይኮነን ኣንቢዑ። ነቲ ዜና ዝሰምዐን ነቶም ዳሕራይ ካብ ባሕሪ ተዘቚቘም ዝወጽኡ ሬሳታትን ዝረአየ ሰብኣዊ ፍጡር እውን ሕሱም ነቢዑ እዩ።

ሽዑ፡ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ ሕንቕንቕ እናበሉ፡ "መንፈስ ሕውነት ረሲዕና ከይንኸውን እፈርሕ ኣለኹ። በዞም ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣሕዋትና ከነስተንትን፤ ኣብ ሓደሕድና ፍቕርን ሕውነትን ምድንጋጽን ሓልዮትን ከህልወና ይግባእ" ዝብልዎ ዘረባ ድማ ማዕረ-ማዕረኡ እዩ ዝዝከር።

ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ነቲ ጥፍኣት ተተቐባቢለን ምስ ኣቃልሓኦ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ንኤርትራ ፈጺሞም ዘይፈልጡዋ ዝነበሩ ከይተረፈ፡ እታ ሃገርን ድሕረ-ባይታኣን ጠንቂ ሰደት መንእሰያታን እውን ተቓልሐ።

ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ኣብ ላምፔዱዛ ንዝኽሪ ግዳያት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ቅዳሴን ምድርባይ ዕምባባ ናብ ባሕሪን፡ "ነዞም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባትስ መን በኸየሎም?" ክብሉ ሓቲቶም።

"ነተን ዕሸላተን ዝመጻ መንእሰያት ኣደታት? ነቶም ስድራኦም ክድግፉ ዝነቐሉ ደቂ ተባዕትዮ? ከመይ ኣቢልካ ከም እትበኽየሎም ዝረሰዐ ሕብረተሰብ ኢና።"

እቲ ኣብ ላምፔዱዛ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ንጸገም ስደተኛታት ንምጕላሕ ጥራይ ዘይኮነስ "ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኣሰር ተስፋ ንምትብባዕ" ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ "ናይ ምጉዓዝ ግዴታ ከም ዝሓድረኒ" ኢሎም።

ነቲ ዝተመርጹሉ ኣጋጣሚ ዝዝክር፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፍ ኤርትራዊ ኣብርሃም ተስፋይ፡ ኣብ 2013 ተመሪጾም ንፈለማ ግዜ መደረ ከስምዑ እንከለዉ፡ በቲ ትሕትናኦምን ትሑት ሰብ ኴንካ ምቕራብን እዩ ልቢ ኵልና ተኸፊቱ ክብል ይገልጽ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ንፈለማ ግዜ ዑደት ዘካየዱላ ድማ ላምፔዱዛ ምዃና ዝጠቅስ ኣብርሃም፡ በቲ ዘርኣይዎ ምድናጋጽ በቲ ንስደተኛታት ዘለዎም ምድንጋጽ፡ ዝተጠቕሙሉ ነገራት፡ ዝረገጽዎ ቦታታት ክሳብ ሎሚ ከም ሙዝየም ኰይኑ ይብጻሕ ከም ዘሎ ይገልጽ።

ንህዝቢ ላምፔዱዛ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ድማ፡ "ንስኻትኩም መድሕንን ተስፋ ብዙሓት ኢኹም፡ እቲ እትገብርዎ ዘለኹም ቀጽልዎ፡" ብምባል ንህዝቢ'ታ፡ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ቀዲሞም ዝረግጹዋ ኢጣልያዊት ደሴት ሞራል ከምዝሃቡ ይዝክር።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝገብርዎ መደረታት፡ "ነዕቍቦም! ነዕቍቦም..." ትብል ቃል ይደጋግሙ ምንባሮም ኣብርሃም ጠቒሱ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ዝተኻደ ስነስርዓት ዝኽሪ ቅድሚ ምብጋሶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ነይሮም።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ,Tareke Birhane

ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፈ ታረቀ ብርሃነ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣቡነ ፍራንሲስ ብዝገበሩልና ዕድመ መሰረት እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉን ስድራቤትን ኴንና ረኺብናዮም፡ ብምባል "ኣብቲ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ርክብ፡" ሓዘኖም ብምግላጽ፡ እቲ ሬሳታት መርመራ ዲኤንኤ ክግበረሉ፡ እታ ዕለት ድማ ዓመት ዓመት ክትዝከር ብዝገበርዎ ስምዕታ፡ ብወግዒ ብፓርላማ ኢጣልያ ከምዝጸደቐን፡ ብኸምኡ ድማ ዓመታዊ ከም፡ ብኤርትራውያን ኢጣልያውያንን ካልኦት ሰብኣዊ ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ከም እትዝከር ገሊጹ።

ነቲ ፍልይት መዓልቲ ርክብ ምስ ኣቡነ ፍራንቸስኮ እንክዝክር ታረቀ፡ "ሓቂ ይሓይሽ ሽዑ ማለት ኣብታ ቀዳመይቲ ዓመት መዓልቲ ዝኽሪ ክንረኽቦም እንከለና፡ ብዙሓት ካባና ክሳብ ክንድኡ ኣብ መድረኽ ዓለም ጽልዋ ዘለዎም ኣይመሰለናን ነይሩ፤ እንተዀነ፡ እቲ ርክብና ብኡ ንብኡ ብዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ምስተቓልሐን ሰፊሕ ሸፈነ ምስተዋህቦን እዩ ተረዲኡና፡" ይብል።

ኣብቲ ርክብ ንገለ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉን ስድራቤታትን ብፍሉይ ኣዘራሪቦም ብምባል፡ ኣብቲ ንፍርቂ ሰዓት ተመዲቡ ንስለስተ ሰዓት ዝቐጸለ ፍሉይ ርክብ ኣቡነ ፍራንሲስ ከምዘጸናንዕዎም ይገልጽ።

"ካብተን ኣብታ ጃልባ ዝነበራ ደቀንስትዮ፡ ሓንቲ ብህይወት ዝተረፈት ብፍላይ ኣዘራሪቦምዋን ኣጸናኒዖምዋን፡" ይብል ታረቀ።

ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ምስ ስደተኛታት ፍሉይ ምድንጋጽ ከምዝነበሮም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ታረቀ፡ ገለ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዕቃበታት እናገበራ ከይተረፈ ብዘይምሕላል ንስደተኛታት ዘይቅየር መርገጽ ከምዝነበሮም ብምግላጽ፡ እዚ ድማ ካብ መንግስታት ወቐሳ ይቐርበሎም ከምዝነበረ'ውን የተንብህ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ,Abraham

ታረቀ ከም ሓደ ውልቀ-ሰብ ንሱ ብፍሉይ ብዛዕባ እዞም ኣቦ ዘለዎ ጦብላሕታ ከካፍል እንከሎ፤ "ሓደ መዓልቲ ኣብ ግዜ በዓል ፋሲካ፡ ሃንደበት ናብ ሓደ ኣብ ከባቢ ሮማ ዝርከብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ዝነበርዎ" መዓስከር ከምዝመጹዎም ይዝክር።

ኣብቲ መዓስከር፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ፡ ጋና፡ ሰኔጋልን ካልእ፡ ካብ ኵሉ ሃይማኖታት ዝዀኑ ስደተኛታት ነይሮም ይብል እሞ፡ ነቶም ስደተኛታት ሓቝፎም ንገሊኦም እግሮም ሓጺቦም ንዅሉ ድማ "ንስድራቤትኩም ሰላም ክትብልዎም!" እናበሉ ኣብ ፖስታ ዝተዓሸገ ህያባት ከምዝሃቡዎ የዘንቱ።

"ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቶም ኣሰንዮሞም ዝመጹ ሰባት ከምዝወጽኡ ብምግባር ንበይኖም እዮም ነይሮም፡" ይብል እሞ፡ "ምስ ከዱ ነቲ ፖስታታት ምስ ከፈትናዮ፡ 50 ኤውሮ - ንዓዲ ንመደወሊ ተሌፎን" ሓሲቦም ዝሃቡና እዩ ነይሩ ክብል ጦብላሕታኡ የካፍል።

"እቶም ተስፋኹም ክስረቕ የብሉን!" እናበሉ ዘተባብዑን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘርኣይዎ ዘይሕለል ምድንጋጽን ሓልዮትን፡ ነቲ ንሱ ዝገብሮ ንጥፈታት ድርኺት ከምዝፈጠረሉ፡ ኣብርሃም ይዛረብ።

እምበኣር፡ እቶም ምስ ስደተኛታትን ውጹዓትን ከምዚ ዝበለ ፍቕሪን ሓልዮትን ምድንጋጽን ዝነበሮም መራሒ ሃይማኖት እያ ዓለም ከሲራ ዘላ፡ ብምባል ሓዘኑ ይገልጽ።

ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሎሚ ሓመድ ኣዳም ዝለበሱ ኰይኖም፡ ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሰበስልጣን መራሕቲ ሃይማኖትን ውልቀሰባትን ሰባት ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም ይዅን ኣቐዲሙ ኣብ ዝቐነየ ወግዒታት ጸሎትን ምፍናው ሬሳ ክሳተፉ ቀንዮም ኣለዉ።

ሕጂ ድማ፡ ነቶም ተስፋ ውጹዓት ዝነበሩ ኣቦ ዝትክእ ጳጳስ ይመጽእ ዶ ይኸውን ዝብል ድማ ብዙሓት ዝጽበይዎ ጉዳይ ኰይኑ'ሎ።