ኤርትራዊት ስድራቤት ኣብ ላስቬጋስ ብዘጋጠመ ባርዕ ገዛ 4 ኣባላት ስኢና

ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ኣደን ህጻንን፡ካብ ሃልሃልታ ንምህዳም ካብ መስኮት ሳልሳይ ደርቢ ዘሊሎም ንስክላ ከምዝተረፉን ኣብዚ አዋንዚ ኣብ ትሕቲ ሕክምና ከምዘለውን ቢቢሲ ዘዘራረቦ መቕርብ ስድራ ግዳያት ገሊጹ።

“ምስ ግዳይ ንከባቢ ኣርባዕተ ዓመት ብሓደ ተቒሚጥና ኢና።እቶም ስድራ'ውን ከም ስድራይ እዮም ንዓይ። ኣዝዩ ጥቡቕ ቅርበት ኣሎና። ንዓይ ገበርቲ ጽቡቐይን ኣዝዮም ጥዑማትን ሕያዎትን ስድራ አዮም። ኣዝዩ ዘሕምም ክትምኖ ዘጸግምን እዩ፡” ይብል።

እቲ ስሙ ክዕቀብ ዝደለየ መቕርብ እቲ ፍጻመ ኣብ መላአ ቤተሰብ ከቢድ ስንባድ ፈጢሩ ከምዘሎ ብምግላጽ “ኣርባዕተ ትንፋስ ካብ ሓደ ገዛ ኣብ ሓደ ለይቲ ክትስእን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። በቃ ከምዚ ደቂስካስ ኦህህ ይሓልም እባ አየ ነይረ ክትብል ጥራይ ኢኻ ትምነ፡” ክብል ብመሪር ጓሂ ይግልጽ።

ወሲኹ፡ጠንቂ እቲ ባርዕ ብዝምልከት ዛጊት ዝዀነ ሓበሬታ'ኳ እንተዘየለ፡ ፖሊስ መርመራ የካይድ ምህላዉ እውን ጠቒሱ።

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ብወገኖም ጠንቂ እቲ ባርዕ ይምርመር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ጐረባብቲ ኣብ እዋን እቲ ባርዕ ፍንጀራ ከምዝሰምዑ ከምዝገለጹ ምሕባሮም ኤቢሲ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ጸብጺቡ።

ብዘይካ'ዚ እታ ኣደን ህጻንን ዘይተገልጸ መጕዳእቲ ኣጋጢምዎም ናብ ማእከል ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ላስ ቬጋስ ክውሰዱ እንከለዉ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ሓሙስ ቅድሚ ወጋሕታ ነቲ ሃልሃልታ ንምጥፋአ ከም ከምዝተረባረቡ ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ጆን ስቴንቤክ ንኤቢሲ ኒውስ ገሊጹ።

ኣስማት ናይቶም ዝሞቱን ዝተጐድኡን ካልእ ዝርዝራትን ንግዚኡ ተዓቂቡ ኣሎ።