ቢንያም ግርማይ፡ ንዝዓበየ ዓለማዊ ሽልማት ቅድድም ብሽክለታ 'ቬሎ ዲ ኦር' ተሓጽዩ

ኣብ 2024 ኣዝዩ ድሙቕ ዓወታት ብምምዝጋብ ሓደስቲ ክብረ ወሰናት ዘመዝገበ ቢንያም ግርማይ ዓስራይ ርእሱ ንሽልማት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ እዚ ዓመት ተሓጽዩ።ቢንያም ነዚ ሽልማት ክሕጸ ዝኸኣል ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ’ዩ። እቲ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር ዝበሃል ኰይኑ ዓመታዊ ንዝበለጸ ብቕዓት ዘርኣዩ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት’ዩ። ከምቲ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ማዕሪኡ ኣብ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት ከኣ እዚ ቢንያም ተሓጽዩሉ ዘሎ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር’ዩ።ምስ ቢንያም ንሽልማት ተሓጽዮም ዘለዉ፡ ኣብ 2023 ነዚ ሽልማት ዝተዓወተሉ ዴንማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ፡ ኣብ 2022 ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ዝነበረ ሬምኮ ኢቨነፖል፡ ኣብ 2021 ዕዉት እዚ ሽልማት ዝነበረ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻ፡ ኣብ 2020 ተዓዊቱ ዝነበረ ስሎቨንያዊ ፕሪሞ ሮግሊክ፡ ሆላንዳዊ ማትዮ ቫንደርፑል፡ ማርክ ሂርሲች፡ ቤን ኦኮነር፡ ማትዮ ጆርጎንሰንን ቲም መርለርን’ዮም።

ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር ኣብ 1992 ብፈረንሳዊት መጽሄት ቬሎ ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ዝበለጸ ብቕዓትን ዓወት ንዘመዝገበ ተቐዳዳማይ ዝወሃብ ዓቢይ ሽልማት’ዩ።

እዚ ሽልማት ካብ 1992 ክሳብ 2022 ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ክወሃብ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2022 ጀሚሩ ንደቂ ኣንስትዮ’ውን ክሽልም ጀሚሩ።

ኣመሪካዊ ላንስ ኣርምስትሮን ነዚ ሽልማት ሓሙሽተ ግዜ’ኳ ተዓዊትሉ እንተነበረ፡ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ይወስድ ከምዝነበረ ድሕሪ ምርግጋጹ ግን እቲ ሽልማትን ክብርን ተሓዲጉ’ዩ።

ስጳኛዊ ኣልቤርቶ ኮንታዶር ነዚ ሽልማት ኣርባዕተ ግዜ ብምዕዋት ልዕሊ ኵሎም ተጻወትቲ ጸብለል ኢሉ ዘሎ ተጻዋታይ ኰይኑ፡ እንግሊዛዊ ክሪስ ፍሩም ብሰለስተ ሽልማታት ይስዕቦ።

ካብ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብ 2022 ኔዘርላንዳዊት ቫን ቨሌተን ኣነሜክ በዅሪ ተሸላሚት እዚ ሽልማት ክትከውን እንከላ፡ ኣብ 2023 ከኣ ኔዘርላንዳዊት ቮለሪን ደሚ ተዓዋቲት እዚ ሽልማት ኰይና።

ቢንያም ዝጻወተላ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ኣብ ናይ ኤክስ ሕሳባ፡ ቢንያም ግርማይ ነዚ ሽልማት ምሕጻዩ እንቋዕ ሓጐሰካ ኢላቶ።

Skip Twitter post
ንትሕዝቶ Twitter ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Twitter ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Twitter ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of Twitter post

ቢንያም ግርማይ ኣብ 2024 ዝተጎናጸፎ ዓበይቲ ዓወታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ 2024 ብሓፈሻ ን71 መዓልታት ኣብ ውድድር ተጸሚዱ፡ 11 ሽሕን 773 ኪሎሜተር ብምዝዋር ንዕኡ፡ ንጋንትኡን ንሃገሩን 3352 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ’ዩ።

ቢንያም ግርማይ ዓመተ 2024 ንዝበዝሐ መዓልታት ኣብ ውድድር ዝተጸመደላ፡ ዝበዝሐ ኪሎሜተራት ዝዘወረላን ኣብ ዩሲኣይ ዝበዝሐ ነጥቢ ዘዋህለለላን ዓመት’ያ።

  • 1 ጥቅምቲ ኣብ ቤልጂም ቢንቸ ቺማይ ቢንቸ ካልኣይ
  • 13 መስከረም ኣብ ካናዳ ግራንድ ፕሪክስ ካልኣይ
  • 21 ሓምለ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ
  • 11 ሓምለ ኣብ መበል 12 መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ
  • 9 ሓምለ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ካልኣይ
  • 6 ሓምለ ኣብ ሻሙናይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ
  • 4 ሓምለ ኣብ ሻዱሻይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ካልኣይ
  • 1 ሓምለ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ
  • 2 ሰነ ኣብ ቤልጂም ብራስለስ ሳይክሊን ግላሲክ ካልኣይ
  • 29 ግንቦት ኣብ ቡልጂም ሩንድ ኡም ኮለን ቀዳማይ
  • 26 ግንቦት ኣብ ጀርመን ሩንድ ኡም ኮልን ካልኣይ
  • 25 ጥሪ ኣብ ኣውስትላያ ተዓዋቲ ሰርፍ ኮስት ክላሲክ
  • 19 ጥሪ ኣብ ዙር ሳንቶስ ሮር ዳውን ኣንደር ኣውስትላያ ካልኣይ
ቢንያም ግርማይ እቲ ቀዳማይ ዕዉት ቀጠልያ ክኸውን ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ'ዩ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ቢንያም ግርማይ እቲ ቀዳማይ ዕዉት ቀጠልያ ክኸውን ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ'ዩ

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሽልማት ዝተዓወትሉ

  • 2023፡ ዴኒማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ
  • 2022፡ ቤልጂማዊ ሬምኮ ኢቨነፖል
  • 2021፡ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻ
  • 2020፡ ስሎቨንያዊ ፕሪሞ ሮግሊክ
  • 2019፡ ፍረንሳዊ ጁልያን ኣላፍሊፕ
  • 2018፡ ስጳኛዊ ኣሌክሳንድሮ ቫልቫርደ
  • 2017፡ እንግሊዛዊ ክሪስ ፍሩም
  • 2016፡ ስሎቫክያዊ ፔተር ሳጋን
  • 2015፡ እንግሊዛዊ ክሪስ ፍሩም
  • 2014፡ ስጳኛዊ ኣልቤርቶ ኮንታዶር