ስድራቤት ግዳያት፤ ኣካየድቲን ነበርቲን እቲ መዓስከር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ቀዳም ምሸት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ሰኑይ ምሸት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም።
ተቐማጢ እቲ መዓስከር ዝነበረን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ስደተኛታት ዝነጥፍን ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓበሬታ ዝሃበ ኤርትራዊ ስደተኛ ዮሃንስ ኣማኑኤል፡ ብቐዳም ምሸት ከባቢ ሸሞንተን ፈረቓን ኣቢሎም ኣብቲ መዓስከር ዝኣተዉ ዕጡቓት ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ዝነበረ ግዜ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተዛሪቡ።
"ክዘምቱ ኢሎም ድሕሪ ምእታው ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ሓደ ቀሺ ዝርከብዎም ብጥይት ነቶም ካልኦት ድማ ብኻራሩ ወጊኦም ብጠቕላላ ሸሞንተ ሰባት ኣቝሲሎም ከይዶም" ይብል።
ሰኑይ ምሸት ከባቢ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ኣቢሉ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብቲ መዓስከር ዝኣተዉ ዕጡቓት፡ ሓደ ሰብ ብጥይት ቀቲሎም ሰለስተ ሰባት ኣቝሲሎም ከምዝኸዱ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብ ስድራቤት መዋቲ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ኣሩዳ ኣርዲ ዝተባህለ ተወላዲ ብሄረ ኩናማ "እቲ ዝሞተ ሓወቦይ እዩ። እቶም ዝተሃርሙ ድማ ሓወይን ዘማይን እዮም፤ እቲ ቤተሰብ ድማ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣሎ" ኢሉ።
ከም ቤተሰብ ኣብ ሓደ ከባቢ ተጠርኒፎም ከምዝነብሩ ዝገልጽ ኣሩዳ፡ እቶም ዝተሃርሙ’ውን ኣብ ከቢድ ኵነታት ቃንዛ ከምዝርከቡን ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ደባርቕ - ጐንደር ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎን የረድእ።
ዮሃንስ፡ ብዘይካ’ቶም ኣርባዕተ ግዳያት ሰኑይ ምሸት፡ በቲ ኵነታት ሰንቢዳ ኣውያት ዝፈነወት ኣደ ቘልዓ’ውን፡ ብበትሪ ሕሱም ከምዝሃረሙዋ ጠቒሱ።
"ካብቲ ሆስፒታል ናብ ከተማ ጐንደር ሪፈር ኢሎምና ነይሮም። ኣብ ፍርቂ መገዲ ምስ በጻሕና ግን ኣብቲ ከባቢ ኲናት ስለዘጋጠመ፡ ተመሊስና ኣብ ደባርቕ ብገንዘብና ወጻኢታት እናገበርና ኣሕዋትና ነሐክሞም ኣለና" ዝበለ ሓላፊ ክፍሊ ዕደላ እቲ መዓስከር ግርማይ ኣማረ እዩ።
ካብቶም ብጥይት ዝተሃርሙ፡ እቲ ሓደ ኣብ ከባቢ መቐመጫኡ ዝኣተወት ጥይት ገና ኣይወጸትን ስለዘላ፡ ብኸቢድ ይሳቐ ከምዘሎ ግርማይ የረድኣ።
ኣተሓሒዙ፡ “ምስቶም ዝተሃርሙ ንናብይ ዘለና ሰባት፡ ኣብዚ ሆስፒታል ምሳና ዝሰዓቡ፡ በዝን በትን ኰይኖም ኣጆኹም ዝብሉና ብዙሓት እዮም" ክብል ነቲ ዘለዎም ምትሕብባር የረድእ።
ንሱ፡ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ቀዳም ዘጋጠመ ኵነታት፡ እተን ብስደተኛታት ብባዕላቶም ዝካየዳ ጕጅለታት ሓለዋ፡ ነቲ ብዞናት ዝተኸፋፈለ መዓስከር ብዝከኣል መጠን ባዕላተን ከም ዝሕልዋ ብምግላጽ፡ እቶም ዕጡቓት ግን ብረታት ይዅን ካራሩ ኣጢቘም ደይ መደይ ኢሎም ስለዝመጹ፡ ከምቲ ሰኑይ ምሸት ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ከምዘውርዱሎም ኣረዲኡ።
ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ይዅን ኣብ መገዲ - ካብቲ መዓስከር ናብ ከተማ ዳባት ኣብ ዝወስድ መገዲ፡ ቀጻሊ ክትራን፡ መችወይቲ፡ ስርቂ፡ ዓመጽን ቅትለትን ከጋጥም ከም ዝጸንሐ ብተደጋጋሚ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
እቲ መዓስከርን ከባቢኡን ድማ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሓይልትታትን ሰራዊት መንግስቲን ዝተወልዐ ኲናት፡ ጸጥታ እቲ ከባቢ ከምዝላሕልሐን፡ ነቲ መዓስከር ዝግበር ሓለዋ ከምዘየለን እዮም ስደተኛታት ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ሓደ 50 ዓመት ዝድመኡ፡ ኣቦ 7 ቈልዑ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ካብቲ መዓስከር ተጨውዩ ድሕሪ ምውሳድ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ይዝከር።
ቅድሚኡ'ውን ወዲ 12 ዓመት ኣማን መሓመድ ዝተባህለ ስደተኛ ቈልዓ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብቲ ኣብቲ መዓስከር ዝርከብ ገዛኡ እናተመልሰ ኣብ መገዲ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውዩ መበጆ ከምዝተከፍለሉ ይዝከር።
ዮሃንስ "ንሓለዋ እቲ መዓስከር ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እቲ ስደተኛ ባዕሉ ብዞን፡ ብሎክ፡ ንኡስ ብሎክ፡ ኮሚኒቲ... እናበለ ብዘቘሞ መሓውር ጸጥታ እዩ ከባቢኡ ዝሕሉ" ብምባል፡ እቲ ካብ ሚሊሻ እቲ ከባቢ ሓለዋ ክግበር እዩ ዝተባህለ ግን ዛጊት ዝዀነ ዝተገብረ ከምዘየለ እዩ ኣተሓሒዙ ዘረድእ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ዮሃንስ፡ ሲቪል ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ኣትዮም ዝተፈላለየ ከም ድኳናት፡ ባራትን ካልእን ዝኣመሰሉ ትካላት ክገብሩ ይፍቀደሎም እዩ ድሕሪ ምባል፡ እዚ ድማ ናይ ገዛ’እ ርእሱ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።
“ገለ ካብኣቶም ንቲ ስደተኛ ኵነታቱ ክፈልጡ የኽእሎም፤ ቅድሚ ሕጂ ካብኣቶም ብስርቂ ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ነይሮም” ኢሉ።
እዚ ኰይኑ፡ እቲ ዝሞተ ሰብ ስነስርዓት ቀብሩ ንምፍጻም ኣብ ምድላው ከምዘለዉ ስድራቤት ይገልጹ።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ 24 ዓመታት ከምዝተቐመጠ ዝዛረብ ኣሩዳ፡ “ብንእሽተይ እየ መጺአ፡ ኣብዚ እየ ዓብየ” ብምባል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ሓድሕድ ድማ ንኵነታቶም ከምዝሓላለኾ ኣምሪሩ ይዛረብ።
እቶም ስደተኛታት፡ እቲ መ’ዓስከር ኣቀምምጣ’ኡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ክራማት ንኽትነብሮ ዘይምቹእ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ እዚ እናገነነ ዝመጽእ ዘሎ ኣተሓሳሳቢ ኵነታት ጸጥታ ዝተፈላለዩ ትካላትን መንግስታትን ቈላሕታ ክገብሩሉ ክምሕጸኑ ጸኒሖምን ኣለዉን።