ሎሚ ቱር ዲ ፍራንስ ካብ ኣውራሊክ ናብ ቬለኖቭ ሱር ሎት 203.6 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መበል 12 መድረኽ’ዩ ኣካይዱ።
እዛ መድረኽ እዚኣ እንትርፎ ሓሓሊፉ ፈኰስቲ ኩርባታት፡ ብምልእታ ጐልጎል ስለዝነበረት ብቕጽበታዊ ውድድር ክትውዳእ ከምእትኽል’ዩ ግምት ተዋሂብዋ ነይሩ።
ተቐዳደምቲ ኣብ መበል 110 ኪሎሜተር ነጥቢ እተውህብ መስመር ስለዝነበረቶም፡ እቶም ኣብ ቀጠልያ ማልያ ዝተሃላለኹ ዘለዉ ቢንያም ግርማይን ጃስፐር ፍሊፕሰንን ቅጽበታዊ ውድድር ከካይዱ ምዃኖም ዳርጋ ርዱእ’ዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣቐዲሞም ዝሃደሙ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ዓባይ ጕጅለ ከየርከበቶም ናብ 110 ኪሎሜተር ስለዝበጽሑ ነተን 20፡ 17፡ 15 ከምኡ ከኣ 13 ስለዝወሰድወን ንቢንያምን ንጋንታኡን ኣርባሒ’ዩ ነይሩ።
ዓባይ ጕጅለ ኣብ ዝገበረቶ ቅጽበታዊ ውድድር ብጋንታኡ ጽቡቕ ‘ሊድ ኣውት’ ዝተገበረሉ ቢንያም ንጃስፐር ፍሊፕሰን ብተሪር ‘ስካቶ’ ተሰፋ ኣቝሪጹ መበል ሓሙሻይ ብምውጻእ 11 ነጥቢ ክኸስብ እንከሎ ጃስፐር ንቢንያም ተኸቲሉ ሻድሻይ ኣትዩ 10 ነጥቢ ረኺቡ።
-
ኣብ መበል 110 ኪሎሜተር ከኣ ቢንያም ብሓፈሻ ነጥቢ ናብ 278 ብምብራኽ ነቲ ብ203 ዝስዕቦ ዘሎ ጃስፐር ፍሊፕሰን ብ75 ነጥቢ መርሕዎ ይርከብ።
ብድሕሪ እዚ ዓባይ ጕጅለ ምስቶም ኣብ ቅድሚኣ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ዝነበራ ፍልልይ ብምጽባብ ብጥርኑፍ ጕዕዞኣ ትቕጽል ነበረት።
ቢንያም ዘመዝግቦ ውጽኢት ብዘየገድስ ቀጠልያ ማልያ ምስኡ ከምእትሓድር ርዱእ ኰይኑ፡ ምስ ጃስፐር ፍሊፕሰን ዘለዎ ፍልልይ ክጸብብ ድዩ ክገፍሕ ግን ኣቲ ኣብ መወዳእታ ዝግበር ቅጽበታዊ ውድድር ዝምለሶ’ዩ ክኸውን።
ጸወታ ክዛዘም 35 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ዓባይ ጕጅለ ነቶም ኣብ ቅድሚኣ ዝነበሩ ወናኒ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ማልያ ጆናስ ኣብርሃምሰን ዝርከቦም ስለዝወሓጠቶም እንተርፎ ብድሕሪት ዘርጠብጠብ ዝብሉ ዝነበሩ ውሑዳት ተቐዳደምቲ ኵሎም ብሓባር ተጠርኒፎም ክጕዓዙ ጀመሩ።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ክተርፎ እንከሎ ኣብ ሰዓት ብማእከላይ ገምጋም 57 ኪሎሜተር ይጕዓዙ ነይሮም። ኣብ ቅድሚት ንዝነበረ ናህሪ ከኣ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ግዳይ ኰይኖም ኣብ ድሕሪት ካልእ ጕጅለ ፈጠሩ፤ ኵሎም እቶም ነዛ ውድድር ክዕወቱላ ዝግመቱ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ተቐዳደምትን ኣብ ብጫ ማልያ ዝወዳደሩ ተቐዳደምትን ግን ኵሎም ኣብ መራሒት ጕጅለ’ዮም ነይሮም።
ጸወታ ክዛዘም 12 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ተቐዳዳማይ ኣስታና ካዛኪስታን ሸተት ኢሉ ስለዝወደቐ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ንዕኡ ተኸቲሎም ወደቑ።
ሓደ ካብቶም ዝወደቑ ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ታደይ ፖጋቻ ብ2 ደቂቕን 15 ካልኢትን ጥራይ ድሒሩ ኣብ መበል ራብዓይ ተሰሪዑ ዝርከብ ካብ ጋንታ ሬድ ቡል፡ ስሎቬንያዊ ፕሪሞ ሮግሊክ ኰይኑ፡ ካብ መውደቕቱ ተንሲኡ ነታ ልዕሊ 1 ደቒቕን 20 ካልኢትን ማሕዲጋትሉ ዝነበረት ዓባይ ጕጅለ ንምርካብ ክሕንበብ ጀመረ።
ጸወታ ክዛዘም ሓሙሽተ ኪሎሜተር ይተርፎ፤ ዓባይ ጕጅለ’ውን እናተሸራረፈት ውሑዳት ተቐዳደምቲ ሒዛ ተረፈት፤ ቢንያም ከኣ ኣብ ማእከሎም።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገረ ቅጽበታዊ ውድድር እቲ ታሪኽ ዝሰርሕ ዘሎ ቢንያም ግርማይ ብሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ንዅሎም ብምርታዕ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ቫን ኣርት ካልኣይ፡ ፓስካል ሳልሳይ፡ እቲ ኣብ ነጥቢ መተሃላልኽቲ ቢንያም ጃስፐር ፍሊፕሰን መጀመርታ ሻድሻይ ወጺኡ'ኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን ናብ ራብዓይ ጀረጃ ደይቡ።በዚ መሰረት ፍሊፕሰን ካብ ቢንያም ብ107 ነጥቢ ድሒሩ ብ221 ኣብ ካልኣይ ተቐሚጡ'ሎ።
ቢንያም ኣብ ቀጠልያ ማልያ፡ ሎሚ ኣብ ማእከል 11 ነጥቢ ኣብ መወዳእታ ከኣ 50 ነጥቢ ብምርካብ ጠቕላላ ነጥቡ ናብ 328 ክብ ብምባል መሪሕነቱ ኣደልዲሉ፤ ንጃስፐር ፍሊፕሰን ከኣ ብ111 ነጥቢ ብሊጽዎ'ሎ።
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ’ዩ፤ ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነ ግን ሰለስተ ግዜ - ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ኣብ ሻሙናይ መድረኽን መበል 12 መድረኽን።
ከምኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ብነጥቢ ንዝመርሑ ተቐዳደምቲ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያ ቅድሚ እዚ ዓመት ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተወኒና ኣይትፈጥን’ያ። እዚ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ሓድሽ ታሪኽ'ዩ።
ዙር ፈረንሳ ክሳብ ሕጂ 12 መድረኻት’ዩ ኣካይዱ ዘሎ፡ ካብተን ንተቐዳደምቲ ቅጽበታዊ ውድድር ዝመቻኣ ሸውዓተ መድረኻት ከኣ ቢንያም ግርማይ ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ፡ ክልተ ግዜ ካልኣይ፡ ክልተ ግዜ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ’ዩ 267 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ንቀጠልያ ማልያ ወኒንዋ ዘሎ።
ቢንያም፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሓንቲ መድረኽ፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብሓፈሻ ኣብ ግራንድ ቱር ኣርባዕተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ በጺሕዎ ዘይፈልጥ ብራኸ ደይቡ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ሮበርት ሃንት ዝተበሃለ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ 1999 ከምኡ ከኣ ኣብ 2001 ኣብ ቮልታ ስጳኛ፡ ኣብ 2007 ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ ነይሩ’ዩ።ቢንያም ነዚ ክብረ ወሰን ብምስባር’ዩ ታሪኽ ኣጽሒፉ ዘሎ።