ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ 18 ኣዘርባዣናውያን ዝርከብዎም 24 ባሕረኛታት'ውን ክሳብ ሎሚ ምስተን መራኽብ ተታሒዞም ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብመሰረት እቲ ሎሚ ዓርቢ ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቶም ባሕረኛታት ኣብ ወደብ ዓሰብ እዮም ተታሒዞም ዘለዉ።
ሰብመዚ ኣዘርባዣን፡ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ምስ ወከልቲ ኤርትራ ኣብ ሩስያን ቱርክን ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።
ብወገን ኤርትራ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ብወግዒ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
'ዲፕሎማስያዊ ጸገማት'
ወናኒ ናይተን መራኽብ ዝኾነ ትካል 'ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ-ቪ (CMS B.V): እተን መራኽብ ምስ ባሕረኛታተን ንምፍታሕ ብመንገዲ ጠበቓታትን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣንን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይላዘብ ከምዘሎ ይገልጽ።
እቲ ኩባንያ ነቲ ምስ መንግስቲ ኣዘርባዣን ጥቡቕ ቅርበት ዘለዎ ትካል ፕረስ ከምዝሓበሮ፡ ሰብመዚ ኤርትራ ነተን መራኽብ ክፍትሽወን ግዜ ከምዝወሰዱ ይጠቅስ።
ብወገኑ፡ "ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍን ነቲ መርመራ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምውዳእ" ምስ ዝምልከቶም "ትካላት መንግስቲ ኤርትራ" ርክባት የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
"ከም ውጽኢት ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት፡ እተን መራኽብ ናብ ሰፊሕ [መዐሸጊ] ቦታ ዘለዎ ወደብ ከምዝመጻ ተገይሩ"።
"ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብዝበጽሓና ሓበሬታ መሰረት፡ እተን መራኽብ ቀልጢፈን ንክልቀቓ ዘድሊ ናይ ሰነድ መስርሕ ዳርጋ ተወዲኡ'ዩ" ኢሉ።
ስለምንታይ እቲ መርመራ ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደ ከብርህ እንከሎ ድማ "ብመሰረት ውሽጣዊ ሕጊ እታ ሃገር" ከምዚ ዝበለ መስርሕ መርመራ ሰለስተ ወርሒ ክወስድ ንቡር ምዃኑ ሰብመዚ ኤርትራ ከምዝገለጽሉ ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ'ሎ።
ነቲ ጉዳይ ንምክትታል መዝነት ዝተዋህቦ ወኪል ኣብ ኤርትራ ከምዘለዎ እቲ ትካል ገሊጹ ክብል'ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጸብጺቡ'ሎ።
እቲ ጸብጻብ ዝጠቐሶ ምክትል ዳይረክተር እቲ ኩባንያ ምስ ስድራቤታት ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ነቲ ምድንጓያት ዝሓላለኸ ተወሳኺ ዲፕሎማስያዊ ምኽንያት ከምዘሎ ገሊጹ።
"ምስ ኤርትራ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ጸገም ኮይኑ'ሎ። ስለዚ ድማ ኣድላዪ ቪዛ ክወሃብ ኣይተኻእለን፡ ዝቐረበ ሕቶ'ውን [ብኤርትራ] ተነጺጉ'ዩ" ከምዝበለ እቲ ማዕከን ዜና ይሕብር።
ስድራቤት እቶም ባሕረኛታት እንታይ ይብሉ?
ትጽቢት ዝነውሖም ኣባላት ስድራቤት ናይቶም ባሕረኛታት ግን እኹል ሓበሬታ ከምዘይረኸቡ'ዮም ዘማርሩ።
ወላዲ ናይ ሓደ ካብቶም ተታሒዞም ዘለዉ ኣባላት ዝኾነ ኣምራህ ሩስታሞቭ ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ወዱ ማሕሙድ ሩስታሞቭን እቶም ካልኦት ብጾቱን ሓበሬታ ንምጥላል ምስ ሰብመዚ እቲ ኩባንያን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣንን ከምዝተራኸቡ ይጠቅስ።
"ዝረኸብናሉ ውጽኢት ግን የብልናን። መንግስትና ምስ ደቅና ከራኽበና ኢና ንሓትት" ይብል እቲ ዝተሻቐለ ኣቦ።
ኣምራህ ሩስታሞቭ ምስ ካልኦት ኣብ ሻቕሎት ዝርከቡ ቤተሰብ ብምዃን'ዮም ኣብ ፊት እቲ ኣብ ርእሰከተማ ባኩ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ኩባንያ -ሲ-ኤም-ኤስ ተቓውምኦም ኣስሚዖም።
"ኣብቲ ኣብ ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ዘካየድናዮ ተቓውሞ፡ ንመራኽቦም ኣብ ዝደለይዎ ከውጽእወን ይኽእሉ'ዮም፡ ናቶም ጉዳይ'ዩ ኢልናዮም" ብምባል ንኣባላተን ተቐላጢፎም ከምዝወጽኡ ክገብሩ ተማሕጺኑ።
"ቅድሚ ክልተ ሰሙን እቲ ኩባንያ፡ ዘድሊ ሰነዳት ክወስዱ ምዃኖምን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ከውጽእዎም ምዃኖምን ገሊጹ ነይሩ። መዓስ ንዝብል ግን፡ ንጹር ዕለት ዝህብ የለን" ይብል እቲ ወላዲ።
ሲ-ኤም-ሲ ከምዝበሎ፡ እቶም ባሕረኛታት ናብ ዓሰብ ምስተወስዱ ካብ መራኽቦም ወሪዶም ክንቀሳቐሱ "ዕድል ተዋሂብዎም" ነይሩ።
"ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ዋላ'ኳ ጉዳይ ርክብ ክሳብ ሕጂ እንተዘይተፈትሐ" ጠበቓታት እቲ ኩባንያ ንኩነታቶም መዓልታዊ ይከታተልዎ ከምዘለዉ ግን ሓቢሩ'ሎ።
"ዘድልዮም ነገራት፡ ብፍላይ እኹል ቀረብ መግቢ ኣብ ግዚኡ ክረኽቡ ይሕግዝዎምም ኣለዉ" ኢሉ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ወከልቲ ስድራቤታት ምስቲ ኣብ ባኩ ዝርከብ ምክትል ዳይረክተር እቲ ኩባንያ ኣብዝተራኸብሉ "ንምፍትሖም ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ" ገሊጽሎም ነይሩ።
ትረንድ ዝተባህለ ምስ መንግስቲ ኣዘርባዣን ቅርበት ዘለዎ ካልእ ማዕከን ዜና ብወገኑ ከምዝሓበሮ፡ ካብቶም 24 ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ ባሕረኛታት 18 ዜጋታት ኣዘርባዣን ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ 6 ካልኦት "ወጻእተኛታት" እዮም።
እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብመትረብ ስዊጽ ሓሊፈን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝጓዓዛሉ ዝነበራ እዋን ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን ብ7 ሕዳር 2024 ከምዝተታሕዛ ይፍለጥ።