እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ሓደተቐቲሉ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ

ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ መንጎ ክልት ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓደ ድማ ብከቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብቲ ሰንበት፣ 07 ሓምለ 2024፡ ምሸት፣ ብጠራሙዝ፣ ካራሩ፣ ኣባትርን ኣእማንን ዝተኻየደ ባእሰን ዕግርግርን ብፈኵስ ዝቖሰሉ ሓያሎ ከዘለዉ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ፖሊስ እስራኤል ዛጊት ሸሞንተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ዋይኔት ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ጠቒሱ።

እቲ ባእስን ዕግርግርን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ደምበ ተቓውሞን ‘ዩ ተኻይዱ።

ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ዝነብሩ ክልቲኦም ወገናት ኤርትራውያን፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ እናገነነ ብዝመጽዓአ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓያሎ ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ኮይኖም ኣለዉ።