ሞሳድ ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ 'ምስጢራዊ' ስርሒት

ግን ብኸመይ'ዩ ተፈጺሙ?

ኣብ 1977 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ርእሲ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደገኛ ጥሜት፡ ኲናት'ውን ብዙሓት ሰባት ኣመዛቢሉ'ዩ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲቶም።

ኣብቲ እዋን ነይሩ ካብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ናብ ሱዳን ዝኣተዉ። እዞም ቤተ-እስራኤላውያን ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ንምብጻሕ ንሰሙናት ብእግሮም ተጓዒዞም።

ናብታ ናይ ተስፋ ምድሪ ዝብልዋ እስራኤል ንምብጻሕ፡ ገለ ንብረቶም ተሰኪሞም ኣማኢት ኪሎሜተራት ብእግሮም ክጓዓዙ ተገዲዶም። ጥራይ እግሮም ዝጓዓዙ ዝተገደዱ'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን ።

ኣብቲ ጉዕዞ ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይግመት።

ኣብቲ መዕቆቢ ድማ እኹል መግብን መድሓኒትን ኣይነበረን።

እቶም ኣይሁድ ኢትዮጵያውያን ንኣዋርሕ ኣብ መዕቆቢ ምስፀንሑ "ስርሒት ሙሴ" [ኦፕሬሽን ሙሴ] ተወጢኑ፤ ሓደ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቤት እስራኤላውያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ዝተወስዱሉ ወፍርታት ተኻይዱ።

እቶም ቤተ-እስራኤላውያን ናብ ሱዳን ምስ ኣተዉ፡ ምስ ትካል ጸጥታ እስራኤል ሞሳድ ብምርኻብ ሓደ ውጥን ይሕንጸጽ።

ማእኸል ናይቲ ውጥን ድማ ኣሮስ እዩ ነይሩ። ኣሮስ - ኣብ በረኻ ሱዳን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ውቁብ መዘናግዒ ቦታ እዩ።

ኮርፖሬሽን ቱሪስት ሱዳን ዝሕበነሉ መዘናግዒ ቦታ ኮይኑ፡ ነቲ ቦታ እናካረየ ብዙሕ ገንዘብ ይረኽበሉ ነይሩ።

እስራኤላዊ ትካል ስለያ ሞሳድ ነቲ ቦታ ብምጥቃም ነይሩ "ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ምድሓን" ዝብል ዕላማኡ ዘፈጸመ።

ነዚ መዘናግዒ ቦታ ተጠቒሙ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ናብ እስራኤል ከእቱ ክኢሉ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ራፊ በርግ'ውን ነዚ ዘገርም ልኡኽቶ ስለያ እተዘንቱ "ሬድ ሲ ስፓይስ" ዝብል ርእሲ ዘለዋ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ።

ብተወሳኺ ብኦንላይን ፊልምታትን ካልኦት መዘናግዒ መደባትን ዘቕርብ ኔትፍሊክስ "ዘ ሬድ ሲ ዳይቪንግ ሪዞርት" እትብል ፊልም ዘርጊሑ።

ቤተ-እስራኤላውያን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ሞሳድ ንቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ እስራኤል ንምስግጋር ዝፈጸሞ ሓደገኛን ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፈሎን ስርሒት እተዘንቱ ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝተመርኮሰት ፊልም እያ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ መብዛሕትኦም መንእሰያትን ቆልዑን ነይሮም።

ብወፍሪ ሙሴ ናብ እስራኤል ምስ ኣተወ ከኣ ብዙሓት ንደቆም እስራኤል፣ ኣብርሃም፣ ሙሴ፣ ማዛል ዝብል ኣስማት ኣውጺኦምሎም።

ኣብዚ እዋን ኣብ ከም በዓል ነታንያ፣ ፔታህ ቲክቫ፣ ኣሽከሎን፣ ሃደራን ዝኣመሰላ ከተማታት ብቐንዱ ይነብሩ። ንኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ዘእተወ ወፍሪ ሙሴ ኣብዚ ሰሙን 40 ዓመት መሊእዎ ኣሎ።

እዚ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ንምውጻእ ዝተኻየደ ወፍሪ 40 ዓመት ምምልኡ ዝጽምብል ስነ-ስርዓት ኣብ ኢየሩሳሌም ተኻይዱ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁን ሚኒስተር ስደተኛታት ኦፊር ሶፈርን ድማ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኮይኖም ተረኺቦም።

ሚኒስተር ስደተኛታት ኦፊር ሶፈር ነቲ ወፍሪ ብምንኣድ፡ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ሞሳድ፣ ትካላት ኣይሁድ፣ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ ዕውትነቱ ልዑል ተራ ከምዝተጻወቱ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብወገኑ፡ መበል 40 ዓመት ወፍሪ ሙሴ፡ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ሓማስ ዝጸንሐ ኣቬራ መንግስቱ [ኢትዮጵያዊ-እስራኤላዊ] ኣብ ዝተፈትሐሉ ጽባሕ ይኽበር ምህላዉ ኣመልኪቱ።

"ምስጋና ንሓይልታትን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ንኣቬራ መንግስቱ ሓዊሱ ብዙሓት ተዓጊቶም ዝጸንሑ ኣፍቲሕና ኣለና" ኢሉ።

ሚኒስተር ስደተኛታት ከምዝሓበሮ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ (ኣብ ኲናት ቓዛ ዝተሳተፉ ሓዊሱ) 33 ቤተ-እስራኤላውያን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ገሊጹ።

ንእስራኤል ኣብ ምክልኻል ኣብ ዓውደ ውግእ ንዝፈጸምዎ ጅግንነታዊ ተግባራት ከኣ ኔታንያሁ ንኢዱ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ መንግስቲ ኣይሁድ ዘለዎም ተሳትፎ ንክብርኽ ከምኡ'ውን ዓሌታውነትን ኣድልዎን ከምዝቃለስ'ውን ቃል ኣትዩ።

ኣይሁድ ኢትዮጵያውያን ብጀልባ እናተጓዓዙ

ኣብ ጉዳይ ቤተ-እስራኤላውያን ዝቐርቡ ሓሳባት

ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ቤተ-እስራኤላውያን ክልተ ሓሳባት ይቐርቡ። እቲ ሓደ፡ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ክትበጽሖ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዳ ንሚኒሊክ ከም ዝወለደት ይሕብር። ግን ድማ እዚ ካብ ኣፈ ታሪኽ ዝሓልፍ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለዉ።

ቤተ-እስራኤላውያን ዝኣመኑሉን ኣብ መጽሓፍ ተመዝጊቡ ዘሎን ከኣ ምስቲ ኣብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ምስ ዘጋጠመ ምፍራስ ካልኣይ ቤተመቅደስ ተኣሳሲሩ ዝነበረ ፍልሰት ኣይሁዳውያን ዝተሓሓዝ'ዩ።

ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ነገደ እስራኤል ዝበሃሉ ዓሌታታት፡ ኣባላት ናይቲ 'ዳን' ዝተባህለ ነገድ ናብ ግብጺ ተሰዲቶም፤ ካብ ግብጺ ድማ ንፈለግ ኒል ብምስዓብ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ሰፊሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነብሩሉ እዋን ከኣ ፈላሻ ወይ ካይላ ዝብል ስም ተዋሂብዎም። እቲ ፈላሻ ዝብል ቃል ካብ 'ሊፍሎሽ' ዝብል ናይ እብራይስጢ ቃል ዝመጸ ኮይኑ ቀዋሚ ቦታ ዘይብሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝዘውር ዝብል ትርጉሙ ከምዘለዎ ዝዛረቡ ኣካላት ኣለዉ።

ካይላ እውን ካብቲ 'ክሂላ' ዝብል ናይ እብራይስጢ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ኣብ ሓደ ዘሎ፤ ብማሕበር ዝኸይድ ዝብል እንትኸውን፤ ንዘመናት ግን ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከም ጸርፊ ይውሰድ ነይሩ።

ጉዕዞ ህዝቢ ኣይሁድ ናብ እስራኤል ድሕሪ ምምስራት ሃገረ እስራኤል ዝጀመረ እኳ እንተኾነ፡ ነዊሕ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ መጽናዕቲ ብምክያድ ዝተረኸበ ውጽኢት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይሁድ ከምዝርከቡ ካብኣቶም ኣስታት 50 መንእሰያት ናብ ኤውሮጳ ከም ዝተወሰዱ የመልክት።

ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ደርጊ፡ ኣብ 1991 [ግእዝ] ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ስርሒት ሰሎሞን (ኦፕሬሽን ሰሎሞን) ልዕሊ 14,600 ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ 36 ሰዓታት ናብ እስራኤል ተወሲዶም።

ብድሕሪ'ዚ ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝተወሰዱሎም ከም 'ክንፈ ዮና'ን 'ሸዓሪት ይሁዲ ኢትዮጵያ'ን ዝኣመሰሉ ነኣሽቱ ስርሒታት ተኻይዶም ነይሮም።

ካብኡ ንደሓር ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን ተመዝጊቦም ናብ እስራኤል ክገሹ ዝጽበዩ ኣሽሓት ኣይሁዳውያን ኣለዉ።

ናይ ቀረባ እዋን ስታቲስቲክስ እስራኤል ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣስታት 150 ሽሕ ቤተ-እስራኤላውያን ኣብታ ሃገር ብቐዋምነት ይነብሩ ኣለዉ።