ኣብዚ ሎም ዘበን ኣብ ካምቦድያ ዝተኻየደ ውድድር “ሚስ ፕላነት 2024” ድማ ንሃገራ ወኪላ ምስ ልዕሊ 100 ወይዘራዝር ተወዳዲራ።
“ቈልዓ ከለኹ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣብ ዝነበርናሉ፡ሓንቲ ምህርቲ ሳይኮሎጂ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዝነበርና ብዙሕ እዋን ትከታተለና፡ ሓገዛት ትገብረልና፡ ተጻውተና ብምንባራ ኣዝየ እየ ዝፈትዋ ነይረ። ካብኡ ዝተበገሰ ድማ ምስ ዓበኹ ከምኣ ክኸውንን ኣብ ስደተኛታት ህጻናት ኣተኲረ ክሰርሕ ይምነ ብምንባረይ ሕልመይ ሰሚሩ ኣብዚ እዋን ተምሃሪት 3ይ ዓመት ሳይኮሎጂ እየ፡” ብምባል ዕላላ ትጅምር ኤልዳና።
ነቶም በቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ህይወት መዓስከር ስደተኛታት ተመኵሮ ዝሓልፉ ህጻናት ድማ ስነፍልጠታዊ ኵለዳያዊ ሓገዝ ንምብርካት፡ ትምህርታ ክሕግዛ ተኣማሚና ብኣተኵሮ ከምትከታተሎ ትጠቅስ።
ኢልዳና፡ ሓንቲ ንወለዳ'ኳ እንተዀነት ኣብ እንዳ ኣቦሓጐኣ ብቤተሰብ ተኸቢባ ስለዝዓበየት ፍቕሪ ስድራ ዘስተማቐረትሉ ጥዑም ግዜ ቍልዕነት ከምዘሕለፈት ትዝክር።
ኣብ ዓዲ ቀይሕ ተወሊዳ ዝዓበየት ኤልዳና፡ ጓል 9 ዓመት እንከላ እያ ምስ ወላዲታ ናብ ስደት ኣምሪሓ። ኣብታ ብዂናት ትሕመስ ዘላ ሱዳን፡ ኣብ መዓስከር ሸገራይብ ዝጸንሓቶ ዓመታትን ዝሓለፈቶ ፈታኒ ናብራ ስደት፡ ኣብዚ ዓለማዊ ውድድር ከም ዕላማ ሒዛ ከተቕርቦ ድርኺት ከምዝዀና ትገልጽ።
ኢልዳና ካብ ተመኵሮኣ ነቒላ፡ ንዅሎም ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ሕጻናትን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዘኽታማት ትሕቲ ዓድመን፡ ንዋታውን ትምህርታውን ሓገዝ ከተበርክት ትደሊ።
ኣብ ውድድር ቍንጅና ንኽትሳተፍ ካብ ዝደረኻ ረቛሒታት ካልእ'ውን፡ እቶ ንምልምል ቍመናኣ ዝረኣዩ "ሞዴል እንተትዀኒ" ዝብል ተደጋጋሚ ርእይቶ እዩ።
ንሳ'ውን ጐድኒ ጐድኒ ትምህርታ፡ ኣብቲ ዓውዲ ንኽትሳተፍ ዕድላት ከተማዕዱ ከምዝጀመረት ትጠቅስ። ናብቲ ዓውዲ ቁንጅና ዝተጸንበረትሉ ኣጋጣሚ ክተዘንቱ እንከላ ድማ፤
“ገና ጓል 16 ዓመት እንከለኹ ኣካላዊ ጉብዝናይ ረእዮም ኣብ ክሊፕ ሓንቲ ደርፊ ክሰርሕ ምስ ሓተቱኒ ዓይነይ ኣይሓሰኹን...ጽቡቕ ድማ ተራእያ...ብኣኣ ፍናን ረኺበ ድማ ንዓውዲ ቍንጅና ካብ ሽዑ ጀሚረ እየ ዓቲበ ክሰርሓሉ ጀሚረ ኣብዚ ደረጃ እዚ በቒዐ፡” ትብል።
መመዘኒ ውድድር ሚስ ፕላነት
ኣብዚ ውድድር ቍንጅና ደጋዊን ውሽጣውን ጽባቐ ዘማልኣ ወይዘራዝር ጥራይ እየን ንዓወት ዝበቕዓ። እቲ ሒዘናኦ ዝቐርባ ራእይ ድማ ዕዙዝ ተራ ከምዘለዎ ኤልዳና ተብርህ።
“እዚ ውድድር ነዋሕ እየ ወይ ጽብቕቲ'የ ኢልካ ትዕወተሉ ኣይኰነን። ኣብቲ ዝተገብረ መጻረዪ እውን ውሽጣዊ ጽባቐ እንተዘይጐሊሑ ክትግለፍ እውን ትኽእል ኢኻ፤ ዝተገለፋ እውን ነይረን፡” ትብል።
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ደረጃ ንዝበጽሓ ድማ 30 ሚእታዊት ብድምጺ ህዝቢ ዝውሰን ክኸውን እንከሎ እቲ ዝተረፈ ድማ፡ ደያኑ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትካ ዲሲፕሊንን ስነምግባርን ተመርኲሶም ዝህብዎ ነጥቢታት ዝምርኮስ ምዃኑ ተብርህ።
“ሃገርካ ምውካል ሓበንን ባህታን እዩ ዝፈጥረልካ፤ ብፍላይ ድማ ህዝብኻ ብጽሑፍ ይዅን ደወል ኣጆኺ ክብለካ እንከሎ መሊሱ ኣብ ዓላማኻ ጸቒጥካ ክትሰርሕ እዩ ዝደፋፋኣካ፡” ብምባል ኣብዚ ቅንያት ዝረከብቶ ደገፍ ህዝባ ተመስግን።
ብተወስኺ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝወዳደራሉ ዘለዋ ዝተፈላለየ መድረኻት ቁንጅና ወጻኢታቱ ብዙሕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ውድድር ክክመጻ እንከለዋ ኵሉ ሸር ብምግባር ይዅን ብዝኸእሎ ንዅለን ተወዳደርቲ ከተባብዕ” ትላቦ።
ኤልዳና ንዅለን እተን ብኸቢድ ብድሆታት ስደት ዝሓልፋ ዘለዋ ደቀንስትዮ፡ በቲ ምረትን ስቓይን ስደት ከይተሰነፋ ጽባቐአን ከለልያን ከውጽእኦን፤ ዕድላት ከናድያን ክጥቀማሉን ተተባብዕ።
“ብዙሓት ኤርትራውያን ደቀንስትዮ እቲ ዝሓለፋኦ ህይወት ስደት፡ ከድክመንን ካብ ዓላማአን ከንሳሕባ ክግድደንን ይኽእል እዩ። ግን ንቕድሚት ምርኣይ ጥራይ'ዩ ዘዐውት፣ ኣጆኽን ትኸእላ ኢኽን ክብለን እደሊ።”
ብ20 ሕዳር 2024 ጀሚሩ ኣብ ካምቦድያ ክካየድ ዝቀነየ ውድድር ሚስ ፕላነት ሎሚ 27 ሕዳር ዝተዛዘመ ኰይኑ፡ ወዘሪት ማህራ ሉትፍሪ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተዓዊታ።