"ድሕሪ'ቲ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ቀስ ብቐስ ብምንቁልቋሉ ናብ ኲናት ምእታው ዘይተርፍ'ዩ ዝመስል"።
እቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ጎድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምዃን ግፍዒ ፈጺሙ ዝበሎ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምግምማዕ ይምዝምዞ ከምዘሎን ዝተሓበበርዎ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ትግራይ ከምዘለዉን ድማ ጻድቃን ይኸስስ።
እቲ ምክትል ግዝያዊ ፕረዚደንትን ሓላፊ ህንጸት ደሞክራስን ዘይምእኩል ምሕደራን ክልል ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ ተባሂሉ'ዩ ብገለ ኣዘዝቲ ሰራዊትን መራሕቲ ህወሓትን ዝንቀፍ።
ኣብቲ ንህወሓት ናብ ክልተ ወገን ዝኸፈለ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ'ውን ምስቲ ሓለቓኡ ዝኾነ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ከምዝወገነ'ዩ ዝንገረሉ።
ጀነራል ጻድቃን፡ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብምዃን ዝመርሐ'ዩ።
ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ'ውን ኢታ ማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምዃን መሪሑ'ዩ።
እቲ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ደማዊ ኲናት፡ ዋላ'ኳ በቲ ኣብ ዓመተ 2000 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ደው እንተበለ፡ ክልቲአን ሃገራት ንዝቐጸለ ኣስታት ክልተ-ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኲነተ-ኲናት እየን ነይረን- ክሳብ ክረምቲ 2018።
እዚ ብዙሕ ኲናት ዝራኣየ ጀነራል፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝህሉ ሓድሽ ኲናት'ውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ንካርታ ሃገራት ዝቕይርን ከምዝኸውን'ዩ ዘጠንቅቕ።
"ዝኾነ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝህሉ ኲናት ነዊሕ ክወስድ ተኽእሎ ኣለዎ፡ ዋላ'ኳ ክልቲኦም ወገናት ሓጺርን ወሳንን ምዃኑ ክነግሩኻን ከእምኑኻን እንተፈተኑ"።
"ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድን በኸመይ ይካየድን ብዘየገድስ ግን ኣብቲ ዞባ ሓያለ ኣዕናዊ ውጽኢታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ" ይብል።
"እቲ ኲናት ደው ምስበለ፡ እዚ ሕጂ ንፈልጦ ጆኦግራፊ ሃገራት ብኸምኡ ኣይክቕጽልን'ዩ" ይብል። እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ "ትግራይ ዓውደ-ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክትከውን ኣይትኽንልን'ያ" ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኦ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ ናብ ኲናት ዝመርሑ ምንቅስቓሳት ይኹኑ ተግባራት ዘቕረቦ ጭብጥታት የለን።
ጀነራል ጻድቃን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝኾነት ወደብ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ክትከውን ኣለዋ ዝብል መርገጺ ከም ዝነበሮን መርገጺኡ ከም ዘይቀየረን ቀቅድሚ ኲናት ትግራይ ምውልዑ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ግንቦት 2020 ምስ ኢትዮፎረም ዝተባህለ ቻነል ዘካየዶ ቃለመሕትት "ዓለምለኻዊ ናይ ኢንቫይሮንመንት [ኣከባቢ] ውዕላት መሰረት ብምግባር" ከም ብሓድሽ ዝራኣየሉ መንገዲ የሰላስል ምንባሩ'ውን ጠቒሱ።
"እዚ ኣብ ሓንጎለይ እናተመላለሰ እንከሎ ኤርትራ ወሪራ... ስለዚ፡ ነዚ ባዕሎም ዝጀመርዎ ኲናት መበገሲ ጌርና ብምሉኡ ነቲ [ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዓለምለኻዊ] ስምምዕ ከም ብሓድሽ ክረአ ዝገብር ዕድል ፈጢሩልና ስለዘሎ፡ ነቲ ዕድል ንጠቐመሉ' ዝብል ኣረኣእያ ነይሩኒ" ይብል እቲ ጀነራል።
"ስለዚ ኢትዮጵያ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሓይሊ ክትኮነሉ ዘኽእል ኩነታት፡ እንተ ተኻኢሉ ብሰላማዊ መንገዲ፡ ብስምምዕ ክመጽእ ኣለዎ። እዚ እንተ ዘይኮይኑ ግን፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተ ዘይኮይኑ [ኩናት ምውልዑ] ኣይተርፎን'ዩ" ክብል'ውን ኣሚቱ ነይሩ'ዩ።
እቲ መግለጺን መርገጺን እቲ ጀነራል ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቑጢዑ ምንባሩ ይዝከር። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል'ውን ሽዑ "ዝሃውተተ ዘራባ" ክብል ግብረመልሲ ሂብሉ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ መሰልን ድሌትን ኣለዋ ብምባል ከቕርብዎ ዝጸንሑ ምጉት'ውን ንኤርትራ ባህ ዘየበለ'ዩ። ብፍላይ እቲ ንቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ብዙሓት ኤርትራውያን ብዓይኒ ጥርጣረን ስግኣትን ዝርእይዎ'ዩ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈረመ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉ ትጽቢት ተገይሩ'ኳ እንተነበረ ዝተራእየ ለውጢ ዘይምንባሩ ንብዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ምንጪ ስእሊ,FISTUM AREGA/TWITTER
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ክልቲአን ሃገራት ዝስማዕ ዘሎ ዳርባ ቃላትን መቓልሕ ኲናትን ነቲ ብወግን ወረ-ውግእን ዝሰልከየ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓል ብምምዝማዝ ምስ ገሊኦም ኰይና ሓድሽ ኲናት ክትውልዕ ትሓስብ ኣላ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣስመራ ብወገና "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ" ክትብል መልሲ ሂባትሉ። ሚኒስትሪ ዜና ብድሕሪኡ ኣብ ዘውጽኦም ዘሎ ሓተታታት'ውን ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ክስታትን መግለጺታትን ኣብ ምብዳህ ተጸሚዱ ይርከብ።
ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾነ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን፡ ገለ መራሕቲ ትግራይ "ጥዕና ዘይብሉ ርክብ" ይገብሩ ኣለዉ ክብል ነቒፉ ነይሩ።
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ።
"ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስላፍ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይራኸቡ ኣለዉ ዝብል መቋረፂ ዘይብሉ ጠቐነታት ብምግዋሕ ኣንፃር ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ቅሉዕ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ" ድማ ይብል።
ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ መስከረም 2024 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ርክባት ይግበር ምንባሩን ክቕጽል ምዃኑን ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ እቲ እንኮ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሪፉ ዝነበረ ድልድል በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብውሳነ ኤርትራ ምብታኹ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ዘግሃደ'ዩ ነይሩ።
ኮሚሽነር ጉዳያት ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምዝርራብ ኣስመራ በጺሑ ምንባሩ ይዝርከር።
እቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣገዳሲ ተራ ዘለዎ ኣምባሳደር ባንኮለ ኣዲዮየ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ብዛዕባ "ናይ ቀረባ ምዕባለታትን ተርእዮታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ" ተዘራሪቡ ነይሩ።