ቀዳም 4 ግንቦት ካብ ከተማ ቶሪኖ ተበጊሱ፡ ሰንበት 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ኣብ ዝዛዘም ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ 2024፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ክወዳደር‘ዮም።
ኣብ‘ዚ ቅድድም፣ 18 ዎርልድ ቱር ቲምን፡ 4 ፕሮ–ቲምን፡ ብሓፈሻ 22 ክለባት ዝወከሉ 176 ተቐዳደምቲ ንውድድር ዝቐርቡ ኮይኖም፣ ካብዚኣቶም እቶም ሰለስተ ኤርትራውያን‘ዮም።
ንሳቶም፣– ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም Lidl – Trekኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ፡ ኣባል ካዛኪስታናዊት ዎርልድ ቱር ቲም Astana ሄኖክ ሙሉብርሃንን‘ዮም።
ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ብሓፈሻ ንመበል 8ይ ግዚኡ ዝካፈል ዘሎ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ንሓሙሻይ እዋኑ እዩ ዝወፍር ዘሎ።
ሓንሳብ ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝጐየየ ቢንያም ግርማይ ብወገኑ፣ ሎሚ ንሳልሳይ እዋን ኣብ ቅድድም ግራንድ ቱር ክኣቱ እዩ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጂሮ ዝተቐዳደመ ሄኖክ ሙሉብርሃን ድማ፡ ኣብ ግራንድ ቱር ይኹን ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜ እዩ ክወዳደር።