እስራኤል፡ 'ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ባእሲን ዕግርግርን ኤርትራውያን ኣይሓደሰናን' - ፖሊስ ተልኣቪቭ

ብቀዳም 24 ነሓሰ ኣብ እስራኤል፡ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን፡ “ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን” ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ከቢድ ዕግርግር፡ ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከምዝተሃርሙ ዝዝከር ኰይኑ እቲ ሚኒስተር ድሕሪ እዚ ክስተት’ዩ ኤርትራውያን ካብታ ሃገር ክጥረዙ ዝጽውዕ ዘሎ።

ነዚ ብቐዳም ዝተራእየ ክስተት ኣመልኪቱ ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓበሬታ ንምርካብ ተወኪሱ እዩ። በዚ መሰረት እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ባእሲ፡ ገለ ካብ ቤተ-ክርስትያን ጥምቀት ኣርፊዶም ክምለሱ እንከለው ከምዘጋጠመ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ኣዛዚ ፖሊስ ተልኣቪቭ፡ ፐረዝ ኣማር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ከባቢ ሰዓት 9:00-9:300 ኣቢሉ፡ ኣብ መንጐ ሓያለ ኤርትራውያን ባእሲ ከምዝተፈጥረ ዝሕብር መልእኽቲታት ክንቅበል ጀሚርና" ድሕሪ ምባል፡ "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዝፍጠር ኵነታት ንዓና ሓድሽ ኣይኰነን፡ ኢሉ።

ነቲ ፍጻመ ብዓይኖም ዝረኣዩ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ካብ ትዕዝብቶምን ተመኵሮኦምን፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ኣሰካፊ ተርእዮ'ውን ሓሳቦም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለዉ።

ሚኒስተር ኢታማር በን ግቪር ነዚ ብተደጋጋሚ ኣብ መነጐ ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ዕግርግርን ምቅትታልን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሓሳብ ብፖሊስ እስራኤል፡ ብሚኒስትሪ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤልን ደገፍ ከምዝረኸበ ብምግላጽ፡ ነቲ ቅድሚ ዓመት ‘ኤርትራውያን ንኽጥረዙ’ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዘተ ተኻይዱ ከምዝነበረ ጠቒሱ፡ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ሚኒስተራት ፍትሕን ውሽጣዊ ጉዳያትን ስጕምቲ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሚኒስተር፡ "ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ድሕነት ነዚ ጉዳይ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምቕራብ ኢዱ ክሕውስ ክንጽውዕ ኢና” ኢሉ።

ፖሊስ እስራኤል ሰላምን ድሕነት ዜጋታት ንምውሓስ ኣብ ተልኣቪን ቍጽሪ ኣባላት ፖሊስ ካብቲ ዝነበሮ ከምዘዛየዶ’ውን እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ኢታማር በን ግቪር ኣባል ናይቲ ሕሉፍ የማናዊ ዝዀነ ሰልፊ ኦትዝማ ይሆዲት ኰይኑ፡ እቲ ሰልፊ ብቀዳም ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝደልዩ ዜጋታት ወጻኢ ሓገዝ ንክኸውን ብምባል ካብ ውልቃዊ ካዝናኡ 1.5 ሚልዮን ዶላር ኣበርኪቱ።

ቅድሚ 2012 ናብ እስራኤል ብሲናይ ኣቢሎም ዝኣተዉ ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ’ዩ ሰነዳት ዝሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክወጽኡ ንዝቐረበ መደብ ምቕባሉ ዝዝከር’ዩ። ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኢታማር በን ግቪር ከኣ እቲ መደብ ክትግበር’ዩ ኣትሪሩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ኣብቲ እዋን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቀይሕ መስመር" ተጣሒሱ’ሎ ክብል ገሊጹ።

ብተወሳኺ ንዅሎም "ዘይሕጋውያን ሰገርቲ" ኢሉ ዝገለጾም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምብራሮም ዘኽእል ሓድሽ ውጥን ክሕንጸጽ ኣዚዙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ኣብቲ እዋን ነቶም ኣብ ሃገርና ጸገም ኣለና ኢሎም ኣብ እስራኤል ዑቕባ ዝሓተቱ፡ ኣብ እስራኤል ኰይኖም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ ዘለዉን ኣብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉን ብቀዳምነት ካብ ሃገሩ ከምዝሰጉግ’ዩ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ። እንተዀነ እዚ መደብ ካብ ሕቡራት ሃገራት ተሪር ነቐፌታ ኣስዒብሉ’ዩ።

ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ ትቓዝን ዘላ ኣደ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ነዚ ኣብዚ ቅንያት ዝተራእየ ጻመ ኣመልኪቱ ኣዛዚ ፖሊስ ተልኣቪቭ ፐረዝ ኦማር፡ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ክበጽሑ እንከለዉ እቶም ዕስለ ሰባት ብኡ ንብኡ ተሰዊሮም ብምባል፡ "ብኻራ ተወጊኦም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝጸንሑ ሰለስተ ሰባት ረኺብና። ክልተ ካብኣቶም ኣብቲ ቦታ ድሮ ሞይቶም ጸኒሖም። ካልእ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ዝነበረ ሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ ቢንቶ ጸኒሑ፤ ምናልባት ካብቶም እኵባት ሰባት ክሃድም እዩ ዝፍትነ ነይሩ ዝኸውን ኢልና ኢና ንግምት፡" ኢሉ።

እዚ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ብፍላይ ኣብ እስራኤል ዝርአ ግጭት፡ ካብ ባእሲን ዕግርግርን ሰጊሩ ምቅትታል ዝተሓወሶ ደማዊ እናዀነ ይመጽእ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ኣብ ዘተኸስተ ተመሳሳሊ ፍጻመ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቈሲሉ።

ኣብ መንጐ እዞም ጕጅለታት ዝፍጠር ግጭት፡ ተደጋጊሙ ክረአ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ፡ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ፍጻመ ሓደ ሰብ ብኻራ ከምዝተቐትለ ይዝከር።

ቅድመኡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ርሾን ጽዮን ዝተባህለት ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ ዑመር ዓብደላን ሱልጣን ሳልሕን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ብኻልኦት ኤርትራውያን ዝወረደ መጥቃዕቲ ዑመር ሂወቱ ክስእን እንከሎ ሱልጣን ድማ ብከቢድ ከምዝቘሰለ ይዝከር።

ብሓፈሻ፡ ኣብ እስራኤል ብተመሳሳሊ ፍጻመታት ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ዝተቓተሉ ቍጽሮም ኣስታት 30 ከምዝበጽሕ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብታ ከተማ ብዝተፈጸሙ ዓበይቲ ግጭታት ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብውሕዱ 170 ሰባት ተሃሪሞም እዮም።

እዚ ኣብ እስራኤል ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ፍጻመታት፡ ጉዳይ ናይቶም ዶብ እስራኤል-ግብጺ ኣብ 2012 ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምዕጻዉ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣቓልቦ ክስሕብ ደሪኹ እዩ።

ኢታማር ኣቭነሪ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ እታ ከተማ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንዝተራእየ ፍጻመታትን ክመጽእ ዝጸንሐ መጠንቀቕታታን ብመንግስቲ ዝተዋህቦ ድኹም ግብረመልሲ ብምንቃፍ፡ እዚ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝተራእየ ነዊሕ ዝኸደ ሸለልትነት እዩ ኢሉ።

ህዝቢ ብሰላም ክነብርን ውሕስነት ክስምዖን ግቡእ’ኳ እንተዀነ፡ “ሰበስልጣን ግን ካብ ማሕበረሰብ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ዘይርጕእ ኵነታት ዝቐረበሎም ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ኢሎምዎ፤ ውጽኢቱ ድማ እዚ'ዩ፡” ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ከተማ ከምዝገለጸ ጆርሳሌም ፖስት ኣስፊሩ’ሎ።

ቤተ ክርስትያን ኤርትራውያን ተልኣቪቭ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ እውን፡ "ቅድሚ ሓጺር ግዜ ሓያሎ ምእመናን ካብ ቤተክርስትያን ክወጹ እንከለዉ ብኻራን ዘንብዕ ጋዝን ተጐዲኦም እዮም።ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ክከተታተሎን ምትእትታው ክገብርን ሓቲትና፡” ብምባል፡ እታ ቤተክርስትያን ንዓመጽ ከም እትቃወም ገሊጻ'ላ።

መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ኣባላት ገለ ተቓወምቲ ጕጅለታትን ደገፍቲ መንግስቲን ዝርአ ናዕቢ ኣብ ሃገራዊ ጽንብላት ኤርትራ ዘጋጥም'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ናይ እስራኤል ግን ኣብ ዝዀነ ቦታን ግዜን ዝፍጸም ምዃኑ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

ኣዛዚ ፖሊስ ፐረዝ፡ እዚ ኵነታት "ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ እዩ ዘለዎ፤ ... ኣብቲ ኤርትራውያን ገለ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘካይዱሉ ከባቢታት ደቡብ ተልኣቪቭ እዩ፤ እዚ ዝተወደበ እዩ። ነዚ ፍጻመታት ዝመርሑ ዲፕሎማሰኛታት ኣለዉ... ንሳቶም እዮም ዝውድብዎ... ንሕና ግን ሕጂ መዕለቢ ክንገብረሉ ኢና፡" ኢሉ። ብዛዕባ'ቲ ብድሕሪት ኣለዉ ዝበሎም ዲፕሎማት ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ጥቓ እቲ ብ 24 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ዝተፈጸመ ባእሲ ሓደ ሰብኣይ ዝተቐትለሉ ቦታ ተኣኪቦም

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እዚ ኵነታት ካብ ጕጅለ "ደገፍቲ"ን፡ "ተቓወምቲ"ን ሰጊሩ ካልእ መልክዓት ምጕጅጃልን ይሕዝ ከምዘሎ ድማ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ሰባት ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

"እቲ ባእሲ ኣብ ኣብ መንጐ ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን ዘይኮነ ናይ ከባብን ዓሌታዊ ቅርሕንቲ ዘለዎ እዩ። ቀደም፡ ሓቂ እዩ ኣብ መንጐ ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን ጐነጽ ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ናብ ካልእ ተሳጋጊሩ እዩ’’ ሓደ ቢቢሲ ዝተወከሶ ነባሪ እስራኤል ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ሱር ዝሰደደ ቅርሕቲ፡ ኣብ ጐደናታት ነንሕድሕዶም ይኸትሩን ይጓድኡን ከምዘለውን፣ እዚ ድማ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ሻቕሎትን ፍርሕን ፈጢሩ ከምዘሎ እቲ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ እስራኤል ዝነብር ዮሃንስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ብወገኑ፡ "ፍታሕ ናይዚ ዅሉ ሽግር ነቶም ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ምሓዝ እዩ..፤ ካራሩ፡ ጐዞሞታት... ከምዚ ኣብዚ ጐደናታት ትርእይዎ ዘለኹ እዩ...፤ ኵሉ ድማ ብካሜራ ተቐዲሑ እዩ፡" ክብል ንሰበስልጣን እታ ሃገር ተማሕጺኑ።