ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት 2 ተቐቲሎም 8 ተሃሪሞም

ብመሰረት እቲ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት፡ እቶም ዝሞቱ ክልቲኦም ኤርትራውያን ኰይኖም፡ኣብ ጐደና ለቪንክሲ ኣብ ዝተፈጥረ ባእሲ ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ንኣባላት ኣገልግሎት ሕክምና ዝተወከሳ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝሕብራኦ፡ ኣባላት ሕክምና ኣብቲ ቦታ ክበጽሑ እንከለዉ፡ እቶም ክልተ ዝሞቱ ብኸቢድ ተሃሪሞም ሃለዋቶም ጠፊኡ ብዘይትንፋስ ከምዘጸንሑን፡ ኣብቲ ዝተሃርሙሉ ቦታ ህይወቶም ከምዝሓለፈን ኣቃሊሐን።

እቶም ኣብቲ ባእሲን ዕግርግርን ዝተሃርሙ ብዝምልከት ድማ፡ እቶም ክልተ ብኸቢድ ዝተሃስዩ ኰይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ማእከላይን ፈኲስን ማህሰይቲ ወሪድዎም፡ ኵሎም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መደበር ጥዕና ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ሓደ ካብቲ ፍጻመ ዝተራእየሉ ጐደናታት ዝተዋፈረ ፖሊስ፡ ንህይወቱ ሰጊኡ ናብ ሰማይ ጠያይት ከምዝተኮሰ ዛጊት ዝተኻየደ መባእታዊ መርመራታት ሓቢሩ’ሎ።

ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ፡ሜጀር ጀነራል ፐረዝ ኣማር ነቲ ኵነታት ብቐረባ ንምክትታል ኣብቲ ቦታ ብምብጻሕ ሰፊሕ ተፍትሽ ክካየድ ኣዚዙ።

እዚ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ብፍላይ ኣብ እስራኤል ዝርአ ግጭት፡ ካብ ባእሲን ዕግርግርን ሰጊሩ ምቅትታል ዝተሓወሶ ደማዊ እናዀነ ይመጽእ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ኣብ ዘተኸስተ ተመሳሳሊ ፍጻመ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ግጭት፡ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቈሲሉ።

ኣብ መንጐ እዞም ጕጅለታት ዝፍጠር ግጭት፡ ተደጋጊሙ ክረአ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ፡ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ፍጻመ ሓደ ሰብ ብኻራ ከምዝተቐትለ ይዝከር።

ቅድመኡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ርሾን ጽዮን ዝተባህለት ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ ዑመር ዓብደላን ሱልጣን ሳልሕን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ብኻልኦት ኤርትራውያን ዝወረደ መጥቃዕቲ ዑመር ሂወቱ ክስእን እንከሎ ሱልጣን ድማ ብከቢድ ከምዝቘሰለ ይዝከር።

ብሓፈሻ፡ ኣብ እስራኤል ብተመሳሳሊ ፍጻመታት ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ዝተቓተሉ ቍጽሮም ኣስታት 30 ከምዝበጽሕ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብታ ከተማ ብዝተፈጸሙ ዓበይቲ ግጭታት ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብውሕዱ 170 ሰባት ተሃሪሞም እዮም።

እዚ ኣብ እስራኤል ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ፍጻመታት፡ ጉዳይ ናይቶም ዶብ እስራኤል-ግብጺ ኣብ 2012 ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምዕጻዉ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣቓልቦ ክስሕብ ደሪኹ እዩ።

ኢታማር ኣቭነሪ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ እታ ከተማ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንዝተራእየ ፍጻመታትን ክመጽእ ዝጸንሐ መጠንቀቕታታን ብመንግስቲ ዝተዋህቦ ድኹም ግብረመልሲ ብምንቃፍ፡ እዚ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝተራእየ ነዊሕ ዝኸደ ሸለልትነት እዩ ኢሉ።

ህዝቢ ብሰላም ክነብርን ውሕስነት ክስምዖን ግቡእ’ኳ እንተዀነ፡ “ሰበስልጣን ግን ካብ ማሕበረሰብ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ዘይርጉእ ኵነታት ዝቐረበሎም ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ኢሎምዎ፤ ውጽኢቱ ድማ እዚ'ዩ፡” ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ከተማ ከምዝገለጸ ጆርሳሌም ፖስት ኣስፊሩ’ሎ።

ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውያን ተልኣቪቭ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ እውን፡ "ቅድሚ ሓጺር ግዜ ሓያሎ ምእመናን ካብ ቤተክርስትያን ክወጹ እንከለዉ ብኻራን ዘንብዕ ጋዝን ተጐዲኦም እዮም።ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ክከተታተሎን ምትእትታው ክገብርን ሓቲትና፡” ብምባል፡ እታ ቤተክርስትያን ንዓመጽ ከም እትቃወም ገሊጻ'ላ።

መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ኣባላት ገለ ተቓወምቲ ጕጅለታትን ደገፍቲ መንግስቲን ዝርአ ናዕቢ ኣብ ሃገራዊ ጽንብላት ኤርትራ ዘጋጥም'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ናይ እስራኤል ግን ኣብ ዝዀነ ቦታን ግዜን ዝፍጸም ምዃኑ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

እዚ ኵነታት ካብ ጕጅለ "ደገፍቲ"ን፡ "ተቓወምቲ"ን ሰጊሩ ካልእ መልክዓት ምጕጅጃልን ይሕዝ ከምዘሎ ድማ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ሰባት ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።