ዙር ርዋንዳ 2025፡ ታሪኹን ተዳልዩ ዘሎ ሽልማትን

መትከል እዮብ ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፍ እዚ መበል 11 ግዜኡ ኰይኑ፡ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብዚ ውድድር እቲ ዝበዝሐ ግዜ ዝተሳተፈ ተቐዳዳማይ'ዩ።

መትከል ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2012 ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ እንከሎ፡ ሓሙሽተ ግዜ ቀዳማይ ሓንሳብ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ፡ 29 ግዜ ከኣ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ሄኖክ ምሉእብርሃን'ውን ኣብ ዙር ርዋንዳ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2019 ብምስታፍ ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዜኡ'ዩ ክሳተፍ።

ሄኖክ ኣብ 2023 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እዚ ውድድር ክኸውን እንከሎ፡ ክልተ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ 18 ግዜ ከኣ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ናሆም ዘርኣይ'ውን ሎሚ ዓመት ንራብዓይ ግዜኡ'ዩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፍ፡ ሰለስተ ግዜ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኰይኑ ውድድር ክዛዝም እንከሎ፡ ዝበለጸ ዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት ሳልሳይ ደረጃ'ዩ።

ናታን መድሃኔን ዓወት ክብሮምን ከኣ ንመጀመርታ ግዜኦም'ዮም ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፉ ዘለዉ።

ብዘይካ እዚኦም ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ዝወዳደሩ ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብተኣብን'ውን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ'ዮም።

ዳዊት የማነ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ወሲክኻ ኣብ ዙር ርዋንዳ ንራብዓይ ግዜኡ'ዩ ዝወዳደር ዘሎ፣ ዩኤል ሃብተኣብ ከኣ ንሳልሳይ ግዜኡ።

ምስ ዩሲኣይ ተሓቚፎም ኣብ ምስልጣን ዝርከቡ ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት ኣማንን ያፌት ምሉጌታን'ውን ኣብዚ ውድድር ክሳፉ'ዮም፡ ዓወት ንሳልሳይ ግኤኡ፣ ያፌት ከኣ ንኻልኣይ ግዜኦም'ዮም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሻምፕዮን ዙር ርዋንዳ 2020 ከምኡ'ውን 2022
መግለጺ ስእሊ,ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሻምፕዮን ዙር ርዋንዳ 2020 ከምኡ'ውን 2022

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብክያ ሮጌራ፡ ብተስፉ ረዳእ፡ ገብረዝግሄር ገብረመድህን፡ ኣማኑኤል ሃይለሚካኤል ከምኡ ከኣ ፍሊሞን ዘርኣብሩኸ ተወኪላ'ያ ክትወዳደር።

ከምኡ ከኣ ምስ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ተጠርኒፎም ኣብ ምስልጣን ዝርከቡ ተኽለሃይማኖት ተስፋይን ኣሚር ጣሃን'ውን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ'ዮም።

ኣባል ጋንታ ኣማኒ ኣማንኤል ደስታ'ውን ንጋንትኡ ወኪሉ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ'ዩ።

ፊሊሞን ዘርኣብሩኽ፡ ብዛይ ተስፉን ክያ ሮጌራን ኣብ ዙር ርዋንዳ ንካልኣይ ግዜኦም'ዮም ዝሳተፉ ዘለዉ፡ እቶም ካልኦት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ግን በዅሪ ስታፌኦም'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ 20 ጋንታታት'የን ዝሳተፋ ነይረን፡ ሎሚ ዓመት ግን ዓሰርተ ሓሙሽተ ጋንታታት ጥራሕ'የን ዝሳተፋ ዘለዋ።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘንቀሎ ስግኣታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ፡ ርዋንዳ 16 ተቐዳደምቲ ብምስታፍ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ፡ ኤርትራ ትሽዓተ ተቐዳደምቲ ኢትዮጵያ ሸሞንት ተቐዳደምቲ ብምስታፍ ካልኣይትን ሳልሳይተን ኰይነን ይስዕባኣ ኣለዋ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ካብ ዝብል፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝበረኸ ዓወት ኣመዝጊቦም ይርከቡ።

እንትፎ ኣብ 2022 ብክርስትያን ሮድሪገዝን ኣብ 2024 ብጆን ብላክሞርን ዝተመዝገበ ዓወት ዝተረፈ ኵሉ ኤርትራውያን'ዮም ተዓዊቶምሉ።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2019፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020፡ ከምኡ ከኣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣከታቲሉ ኣብ 2022ን 2023ን ዕዉታት ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክዀኑ ክኢሎም።

ዙር ርዋንዳ ደረጅኡ 2.2 ኣብ ዝነበረ'ውን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።

ነዚ ናይ ሎሚ ዓመትከ ሄኖክ ምሉእብርሃን ደጊሙ ክዕወተሉ ካብ ብዙሓት ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ርዋንዳ ኣብ ዝኣተወትሉ

ምንጪ ስእሊ,FERWACY

መግለጺ ስእሊ,ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ርዋንዳ ኣብ ዝኣተወትሉ

ሓጺር ታሪኽ ዙር ርዋንዳ

ዙር ርዋንዳ ብወግዒ ኣብ 1988 እኳ እንተ ጀመረ፡ ንሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ድሕሪ ምክያዱ ካብ 1991 ክሳብ 2000 ብሰንኪ እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝነበረ ኵናት ሓድሕድን ንሱ ዘስዓቦ ዘይርጉእነትን ክካየድ ኣይክኣለን።

ኣብ 2001 ዳግማይ ብምጅማር ክሳብ 2008 ንጎረባብቲ ሃገራት ርዋንዳ ጥራሕ እዩ ዘሳትፍ ነይሩ።

ከም መርኣይኡ እንትርፎ እቲ ኣብ 2006 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ኬንያዊ ፔተር ካማኡ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ኵሉ ርዋንዳውያን እዮም ተዓዊተምሉ።

ነቲ ውድድር ካብ 2002 ክሳብ 2005 ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመት፣ ከምኡ'ውን ኣብ 2007 ዝተዓወተሉ ርዋንዳዊ ኣብርሃም ርሁማሪዛ ከኣ ልዕሊ ዝዀነ ጸብለል ኢሉ ንረኽቡ።

ዙር ርዋንዳ ክሳብ 2008 ዞባዊ ውድድር ኰይኑ ጥራይ ውድድራት ከሰላስል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2008 ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ናይ 2.2 መለክዒ ሒዙ ክካየድ ጀሚሩ።

'ቱር ዲ ርዋንዳ' ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ውድድር ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ንሃገራት ብሩንዲ፡ ታንዛንያ፡ ኡጓንዳን ኬንያን ጥራሕ የሳተፍ ምንባሩ ይሕብር።

ኣብቲ እዋን ፕረዘደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኰይኑ ዝተመረጸ ባይንጋን ዳይረክተር ተክኒክ እቲ ፈደረሽንን ጆክ ቦየርን ብሓባር ብምዃን ነቲ ውድድር ዓለምለኻዊ መልክዕ ንኽሕዝ ከም ዝሰርሑ'ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።

ካብ 2008 ጀሚሩ ከኣ ሓደ ካብ ዝበለጹ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ተሳተፍቲ ጋንታታት ካብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ከይተሓጽራ ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ክመጽኣ ጀሚረን።

ከም መርኣይኡ'ውን ኣብቲ ዙር፡ ውድድራት እናሓየለ ክኸይድን እቲ ብርዋንዳውያን ተዓብሊሉ ዝነበረ ዓወታት ኣብ 2009 ሞሮካዊ ዓደል ጃሉል፡ ኣብ 2010 ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ 2011 ኣመሪካዊ ከይል ረይጀንን፡ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2013 ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዳረን ሊልን ድይላን ግሪድልስቶን ክዕወትሉ ክኢሎም።

ን10 ዓመታት ደረጅኡ ኣብ 2.2 ኰይኑ ውድድሩ ዘካየደ ዙር ርዋንዳ 2019 ናብ ካልእ ሓዲሽ መድረኽ ዝሰገረላ ዓመት እያ ነይራ።

2019 ዙር ርዋንዳ ናብ ዝበረኸ ሓዲሽ መድረኽ

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት ናይ ቅድድም ብሽክልታ፡ ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ባንጎ (ዙር ጋቦን) እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መለክዒ ዝተዋህቦ ዙር እዩ።

እዚ ኣብ 2008 ካብ 2.2 ናብ 2.1 ዝተሰጋገረ ዙር ጋቦን፡ ኣብ መፋርቕ ጥሪ ዝካየድ ውድድር ኰይኑ፡ እቲ ወቕቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ውርጪ ዝበዝሓሉ እዋን ስለ ዝዀነ ዳርጋ ኵሎም ኣብ ኤውሮጳ ዝመደበሮም ተቐዳዳምቲ ብሽክለታ ክሳተፍዎ ይርኣዩ'ዮም።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ዘለዎ ጽፉፍነት ምሕደራን ናይ መወዳደሪ ቅርጺ መሬትን ብዩሲኣይ ተራእዩ ካብ 2.2 ናብ 2.1 መለክዒ ምስ ተሰጋገረ ከኣ ልክዕ ከም ዙር ጋቦን ተሳተፍቲ ጋንታታት ብብዝሐንን ብዓይነትን ክውስኻ ተራእየን።

ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ብዩስኣይ ኣብ 2008 ናይ 2.1 መልክዒ ዝተዋህቦ ዙር ጋቦን ካልኣዩ ክኸውን ክኢሉ፡ ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ክልቲኡ ዙራት ጥራሕ'ዩ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መለክዒ ረኺቡ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ዙር ጋቦን ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖሎቲካዊ ኵነታት ስለ ዝተዳኸመ ግን፡ ዙር ርዋንዳ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኰይኑ ኣሎ።

ዙር ጋቦን ኣብ 2021፡ 2022፡ 2024 ከምኡ ከኣ 2025 ስለ ዘይተኻየደ፡ ደረጅኡ ክወርድ ከም ዝኽእል ርዱእ ኰይኑ ኣሎ።

ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ምስ ተሰጋገረ ኣብ ዘካየዶ ሰለስተ ዙራት፡ ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ዝነበረ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2020'ውን ብተመሳሳሊ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን ክኢሉ።

ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻደ ዙር ዝዋንዳ ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ ስጳኛዊ ክርስትያን ሮድሪገዝ ክኸውን እንከሎ፡ ክርስትያን ሮድሪገዝ ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉ ቀዳማይ ኤውሮጳዊ እዩ።

ርዋንዳ ኣብ 2025 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተአንግድ ስለ ዝተረቝሐት ከኣ ንውድድር ዙር ርዋንዳ ዝያዳ ክብርን ኣቓልቦን ንኽዋሃቦ ዝድርኽ ኣጋጢሚ ኰይኑ ይርከብ።

ንዕዉታት ዝውሃብ ሽልማት

ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝውሃቦም ገንዘባዊ ሽልማት ይዅን ወርሓዊ ደሞዝ ምስ ካልእ ዓይነታት ስፖርት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

እቲ ምኽንያት ከኣ ዋሕዲ ምወላን እቲ ውድድር ልክዕ ከም ኵዕሶ እግርን ካልእን ከፊልካ ዘይርአ ምዃኑን ከም ምኽንያት ይቐርብ።

ኰይኑ ግን ንዕዉታት ሽልማት ይውሃብ እዩ፡ ሎሚ ዓመት ከኣ ርዋንዳ ንዕውታት ዝመቓራሕ 46 ሽሕን 100ን ኤሮ ሰሊዓ ኣላ።

እዚ ናይ ዙር ርዋንዳ ከም ኣብ ኣብነት እንተ ወሲድና ምስቲ 21 መድረኻት ዘለዎን 2ሚልዮን 288 ሽሕን 450 ኤሮ ዝስልዕን ዙር ፍረንሳ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ 3500 ኤሮ እዩ ዝሽለም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተዳለወ መድረኽ ንዝተዓተ ከኣ 1100 ኤሮ ግንዖ ክውሃቦ'ዩ።

ቀዳማይቲ መድረኽ ናይ 4.1 ኪሎሜተር እትሽፍን ፕሮሎግ ኰይና፡ ኣብኣ ቀዳማይ ንዝወጽአ 500 ኤሮ ክሽለም'ዩ። ኣብተን ዝተረፋ ሸውዓት መድረኻት ንዝተዓወቱ ግን ንቀዳማይ 1100፡ ካልኣይ 600፡ ሳልሳይ 300፡ ራብዓይ 200 እናበለ ካብ 14 ክሳብ 20 ደረጃ ዝሓዙ ከኣ ነፍሲ ወከፎም 20 ኤሮ ይሽለሙ።

ኣብ ሸውዓቲኡ መድረኻት ብውህሉል፡ ንዕዉት ዓቐብ፡ ዝበለጸ ሸኳዃይ፡ ዝበለጸ ዝነኣሰ ተወዳዳርን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይን ነፍሲ ወከፎም 700 ኤሮ ንካልኣይ 500 ሳልሳይ 300 ኤሮ ይሽለሙ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ካብ ዓባይ ጕጅለ ሃዲሙ ንነዊሕ በይኑ ዝዘወረ 100 ኤሮ ይሽለም።

ብሓፈሻ ብጋንታ ቀዳመይቲ ካልኣይቲን ሳልሰይትን ኰይነን ውድድረን ንዝዛዘማ ጋንታታት ከኣ ብቅድም ተኸተል 1300፡ 1000፡ 800 ኤሮ ሽልማት ተዳልይለን ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ርዋንዳውያን ኣብ ዝግበር ውድድር ከኣ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝበለጸ ግዜ ንዘመዝገበ ርዋንዳዊ ተቐዳማይ 600 ንኻልኣይ 450 ንሳልሳይ ከኣ 300 ኤሮ ሽልማት ተሰሊዕሎም ኣሎ።

ብዘይካ እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ውድድር ኣብ ብጫ ማልያ ንዝበለጹ ክሳብ ዕስራ ደረጃ ዝሐዙ'ውን ጥራይ ኢዶም ኣይኰኑን ንገዝኦም ዝኸዱ፤ ካልኣይ 2000 ኤሮ፡ ሳልሳይ 1500 ክሽለሙ እንከለዉ፡ እቲ ሽልማት ከከም ደረጃ እናጐደለ መበል 20 ኰይኑ ንዝወደአ 40 ኤሮ ይውሃቦ።

ዙር ፈረንሳቱር እንድሕር ወሲድና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 20 ዝወጽኡ ዝውሃብ ሽልማት ብድምር 28,650 ዩሮ ኰይኑ ንቐዳማይ 11 ሽሕ ዩሮ፡ ንኻልኣይ 5500 ዩሮ ከምኡ እንናበለ ንመበል 14 ዝወጽአ 340 ዩሮ ካብ 15 ክሳብ 20 ንዝወጽኡ ከኣ ነፍሲ ወከፎም 300 ዩሮ ይውሃቦም።