ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምስጓጕ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ሻቕሎቱ ገሊጹ

"ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ክፍለጡ ዘይክኣሉ ግና ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘድልዮም ሰባት ምስቶም ዝተመልሱ ነይሮም ከይኮኑ ዩ-ኤን-ሲ-ኤች-ኣር ሻቕሎት ኣለዎ" ይብል እቲ ትካል።

"ነቲ ጉዳይ ምስጓግ ብመንገዲ ትካል ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዘራሪብሉ ኣሎና" ክብል'ውን ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሓበሬታ ጠቒሱ።

ቢቢሲ ርእይቶ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንምርካብ ንመንግስታዊ ትካል ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ንፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላላየ እዋን ዘቕረቦ ሕቶታት መልሲ ኣይረኸበን

ክፍሊ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን "ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ሰጒጓ፡" ዝብል ወረ ቅኑዕ ዘይምዃኑ ብምሕባር፡ ብሓይሊ ዝመለሶም ኤርትራውያን ከም ዘየለዉ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ብቀጥታ ጉዳይ ስደተኛታት ዘይምልከቶ ኣካል መንግስቲ ኣብቲ ዘውጽኦ ሓፈሻዊ መግለጺ፡ ብሕጋዊ መገዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሰብ፡ ን90 መዓልታት ብዘይ ክፍሊት ክጸንሕ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ግን ዶባት ጥሒሶም ብምእታው፡ ብዘይ ፍቓድ መንበርን ዕዮን ኣብ ዝተፈላለየ ዘሕጋዊ ስራሓት ተዋፊሮም ምጽንሖም ገሊጹ።

ክፍሊ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝዋር ማዕድናት፡ ሸርፊ፡ ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ፡ ምስግጋር ደቂ-ሰብ፡ ኮንተሮባንድን ምስናዕ ሰነዳትን ተዋፊሮም ክሰርሑ ዝተረኸቡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዘለዉ ኣብሪሁ።

ኣብቲ "ብፍላይ ኤርትራውያን" ኢሉ ዘቕረቦ መግለጺ፡ እቶም ብሕጋውን ዘይሕጋውን መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፡ ካብ ግቡእ ገደብ ግዜ ንላዕሊ ይቕመጡ ስለ ዘለዉ፡ ብሕጋዊ ንምምዝጋቦም ተደጋጋሚ መጸዋዕታ'ኳ እንተ ቀረበ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራሕ ከም ዝተመዝገቡ ኣብሪሁ።

"ዝዀነ ዜጋ ካልእ ሃገር ሕጊ ሃገርና እንተ ጢሒሱ ብሕጊ ተሓታቲ ከም ዝኸውን ርዱእ'ዩ፡" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ብፍሉይ ንኤርትራውያን ዕላማ ገይሩ ዝተሰርሐ ግን ከም ዘየሎ ኣብሪሁ።

". . . ካብ ግቡእ መዓልቶም ዘሕለፉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝወጽእሉ፡ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ክፍሊት ይሕተቱ ኣለዉ፣ ኢልካ ዝግለጽ'ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ። ከም ስደተኛ ዝተመዝገበ ዝዀነ ኤርትራዊ፡ ብዘይ ፍቓዱ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእን ዘይግቡእ ክፍሊት ክኸፍልን ከም ዘይተገብረ ክንገልጽ ንፈቱ። ስለዚ፡ እቲ ኤርትራውያን ተጠሪዞም ዝብል ካብ ሓቂ ዝርሓቐ'ዩ፡" ይብል።

እንተዀነ፡ ቢቢሲ ኣብ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ4 ታሕሳስ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብመንገዲ ቡሬ ናብ ሃገሮም ከም ዝጠረዞም ይግለጽ። እቶም ብቡሬ ስተሰጎጉ ንዝተፈላለየ ኣዋርሕ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ'ዮም።

ካልኦት'ውን ገና ኣብ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ምንጭትታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ኣልማማ ግፋን ማእሰርትን ኣጋጢምዎም እዩ

ምንጪ ስእሊ,ACT OF SAMARITAN

መግለጺ ስእሊ,ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ኣልማማ ግፋን ማእሰርትን ኣጋጢምዎም እዩ

ኣብ መወዳእታ ሕዳር'ውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ከም ዝተኻየደ፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሮም እዮም።

ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ሓድሽ'ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ግን ጽዑቕ ጃምላዊ ማእሰርቲ ብምዃኑ፡ ኣብ ዓቢ ሻቕሎትን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዘእተዎም ነበርቲ ይገልጹ።

እቶም ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም ዝተሰደዱ ዝገልጹ ስደተኛታት፡ ንህይወቶም ዝፍትን ወጽዓ የሕልፉ ከም ዘለዉን ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 'ዩኤን ኤች ሲኣር' ንጉዳዮም ኣቓልቦ ክህቦን ጸዊዖም ኣለዉ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ብዛዕባ ምእሳር ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓበሬታ ከም ዘለዎን ንትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ካብቲ ዘለውዎ ኣብያተ ማእሰርቲ ከውጽኦም ከም ዝሓተተ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝቐጸለ "ኵነተ ኲናት"፡ ኣብ 2018 ብዕርቂ ተፈቲሑ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ እዋን ግን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ጽቡቕ ከም ዘየሎ ይግለጽ።

ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ በረራ ነፈርትን መስመር ተሌፎንን ተቛሪጹ፡ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ወግዓዊ ርክብ ክገብሩ ኣይተራእዩን።

ኣብ መፋርቕ 2023'ውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝግበር ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ግዱድ ምስጓጕን ደው ክብል'ኳ እንተ ተመጻሕጸነ፡ ኣብ መወዳእታ ሰነ 2023፡ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመለሉ ይዝከር።

ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድማ፡ "ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ዝግመቱ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ምምላሶም፡" ከም ዘሻቐሎ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ኮሚሽን፡ "ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን መትከላት ዘይምምላስን፡ ዝዀነ ሰብ ናብታ ስቅያት፡ ጭካነ፡ ኢሰብኣውን፡ ዘዋርድ ኣተሓሕዛን መቕጻዕትን ዝረኣየላ ወይ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ዝፈርሓ ሃገር ንኸይምለስ ውሕስነት ክወሃቦ ዘገድድ፡" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ነቒፉዎ ነይሩ።

ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ግን፡ "ኵሎም እቶም ተመለስቲ ምዝጉባት ስደተኛታት ወይ ሓተትቲ ዕቚባ ኣይኰኑን፡" ክብል'ዩ ነቲ ክሲ ኣብቲ እዋን ነጺግዎ።

ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምጥራዝ፡ ብህጹጽ ደው ከብሎ ጸዊዖም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ባቢከር ዝርከቦም ላዕለዎት ክኢላታት፡ "ጃምላዊ ምስጓግ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ክልኩል እዩ፡" ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ምንባሮም ይዝከር።