ኤርትራ፡ ታሪኻዊ መስመር ባቡር ናበይ ኣበለ?

እታ ቀንዲ ተመራማሪት ጂኒ ስትሪት ዝተባህለት እንግሊዛዊት ጸሓፊት ክትከውን ከላ ምስ ሓላፊ ፈሮቭያ ዝነበረ ነፍሲሄር ኣማኒኤል ገብረስላሴ ብቐረባ ብምትሕብባር'ያ ነቲ ምርምር ኣካዪዳቶ።

ዉጽኢት ናይ'ቲ ዝተኻየደ ምርምር ድማ ሓደ 374 ዝገጹ ታሪኽ ዝርጋሐ ሓዲድን ምንቅስቓሳትን ናብያን ባቡራት ኤርትራን ዝገልጽ፡ ምስ 385 ኣሳእል፡ 19 ካርታታትን 71 ስእላዊ መግለጽያታት ዝሓዘለ፡ ከምኡ'ውን በብዓይነቶም ተክኒካዊ ዝርዝራት ባቡራት ዘለዎ መጽሓፍ ኣዳልያ ከተቕርብ ብምኽኣላ ናእዳ ረኺባ።

እቲ ዝገርም ነገር ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ርእሰ-ምርኰሳ ዚብል ብዙሕ ፋይዳ ዘይተረኽቦ ናይ ቀደም ፖሊቲካዊ ፍልስፍናኡ ተጠቒሙ ነቲ ጣልያን ዝሃነጾ 'ፈሮቭያ' ህይወት ንኪመልስ ፋሕተርተ'ኳ እንተበለ ነቲ ዝተበገሰ ፕሮጀክት መፈጸምትኡ ክርኢ ብግቡእ ከስንቖ ኣይከኣለን።

እቲ ኵነታት መስመር ባቡራት ድማ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ዝስጕም መሊሱ ንድሕሪት ተመሊሱ ክበሃል ይከኣል።

ነቲ መጽሓፍ ፍሉይ ዝገብሮ ጂኒ ስትሪት ተገዲሳ ንታሪኽ ናይ ገለ ካብ'ቶም ኣብ ፈሮቭያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣሊሻ ብምርካብን ዛንትኦም ክትጽሕፎ ብምኽኣላን'ዩ።

መገዲ ባቡር ኤርትራ

ንምዃኑ ጂኒ ስትሪት መን'ያ?

ጂኒ ስትሪት

ምንጪ ስእሊ,DM

መግለጺ ስእሊ,ጂኒ ስትሪት - ደራሲት

ጂኒ ኣብ ልምዓት ሃገራት እትነጥፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሆንግኮንግ፡ ኣብ ሱዳን ከምኡ'ውን ኣብ ኤርትራ ዝሰርሐት ሰብ'ያ። ኣብ ዝበጽሓቶ ዓዲ ኸኣ ምስ ደቀባት ተሓባቢራ ጽሑፋት ብዛዕባ ዛንታታት ከብዲ-ዓዲ መመሪጻ ንደቀባት ዘበራትዑ ጽሑፋት ኣብ ምቕራብ ትተግህ።

ጂኒ ኣብ ኤርትራ ንክልተ ዓመት ምስ ሰርሐት (1995-7) ቆላሕትኣ ኣብ ፎሮቭያ ኤርትራ ዓለበ ነይሩ።

ነቲ ዝዓነወ ትሓተ-ቅርጺ-ባቡራት ኤርትራ ንኸተሕዊ ኸኣ ተገዲሳ ክትከታተሎ ጀመረት።

ብተወሳኺ ዛንታ ህይወት ናይ'ቶም ሰብ-ፈሮቭያ (ሰራሕተኛታት) ስለ ዝዓጀባ ድማ ኣባኣታቶም ብምትኳር እንሆ ነዚ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ መጽሓፋ ከተዳሉ በቕዐት።

ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰቱ ኣደነቕቲ ነገራት ኣብ'ቲ ተሪር መልክዐ-መሬት ምህናጽ መንገዲ ባቡራት ነበረ።

እቲ ብዘመናት ጣልያንን እንግሊዝን፡ ከምኡ'ውን ብዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ብግቡእ ዝሰርሕ ዝነበረ መንገዲ ባቡር ኣብ መነባብሮ ህዝብን ቍጠባዊ ምዕባሌ ኤርትራን ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ሰነዳት ታሪኽ ይገልጽዎ።

ምስኡ ኸኣ ጣልያን ንወተሃደራዊ ምንቅስቓሱ ከማዕብል ከም ዝተጠቕመሉ ምግንዛብ የድሊ።

እቲ ብዙሕ ከም ዝተሓባበራ እትዛረበሉ ተጋዳላይ-ነበር ኣማኒኤል ገብረስላሴ፡ ብ1997 ማናጀር ፎሮቭያ ክኸውን ዝተመዘ እዩ ነይሩ።

ኣብ ፎሮቭያ ከሎ ምስ ጂኒ ስትሪት ተፋሊጡ ንታሪኽ መስመራት ባቡራት ኤርትራ ንክስነድ ክትሓባበራ ጀመረ።

ኣማኒኤል ጻዕረኛ ከም ዝነበረ፡ ዝገበረ ገይሩ ድማ ነቲ ሰፍ ዘይብል ስራሕ፡ ማለት እቲ ዓንዩ ዝነበረ መንገዲ ባቡር ህይወት ክመልሰሉ ብምፅዓሩ ጂኒ ብዙሕ'ያ ትንእዶ።

ብ2014 ብሕማም ምኽንያት ምስ ሞተ ግን ንዕኡ ብጻዕሩን፡ ዓቕመ-ርእየቱን ክትክኦ ዝኽእል ሰብ ብዘይምርካቡ እቲ ዝጀመሮ ስራሕ-ጽገና ዘልሓጥሓጥ ኢሉ ናብ ዑና ተመልሰ ትብል ጂኒ።

እቲ ኣማኒኤል ዘበገሶ ፕሮጀክት ተሓድሶ መንገዲ ባቡራት ቱሪስት ናይ ምስሓብ ዓቢ ዓቕሚ ነይርዎ ትብል ጂኒ፣ ግናኸ እቲ ስራሕ ከይተማልአ ተዀልፈ።

ነፍሲሄር ኣማኒኤል ገብረስላሴ - ሓላፊ ፎሮቭያ-ነበር

ምንጪ ስእሊ,DM

መግለጺ ስእሊ,ነፍሲሄር ኣማኒኤል ገብረስላሴ - ሓላፊ ፎሮቭያ-ነበር
ብዛዕባ መገዲ ባቡር ኤርትራ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ,DM

እቲ ታሪኻዊ ባቡር ሃዲድ ስለምንታይ ዓንዩ?

ርግጽ'ዩ፡ እቲ ካብ ዓዲ ዉጹእ ሃሩር ተበጊሱ ጸግዒ-ጸግዒ ኣጻድፍ ሒዙ ዓቐብን ቍልቁለትን ምድረበዳን ሰንጢቑ ፡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ጀሚሩ ንልዕሊ 2,394 ሜተር ዝድይብ ዝነበረ ባቡር ክሳብ ሕጂ ብናፍቖት'ዩ ዝዝከር። ምስ'ቶም ባቡራት ብሊተሪና ዝፍለጡ ልዑል ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ጸዓዱ ባቡራት ከም ዝነበሩ ይንገር።

እቲ ሓደ ሜትሮ ዘይኣክል ዝነበሮ ስፍሒ ሓዲድ፡ ብ1887 ጀሚሩ ብ1932 ከኣ ተጨረሰ።

ንኣብነት፡ እቲ ካብ ባጽዕ ጀሚሩ ኣስመራ ዝበጽሕ ዝነበረ ሓዲድ 30 ጋለርያታት፡ 35 ዓበይትን ንኣሽቱን ድልድላት፡ 13 ናይ ባቡር ጣብያታት ተሳጊሩ፡ እኳድኣ ንተጐዓዚ ብኣዝዩ ማራኺ ትርኢት እናኣአንገደ (ትርኢታት መልክዐ-መሬት - ዓቐብን ቍልቁለትን ኣጻድፍን ሽንጭሮን ሜዳታትን ኵርባታትን ከም ማለት) ዝጐዓዝ ዝነበረ መንገዲ ባቡር ነበረ።

ንሱ ጥራይ ከይኣክል፡ ኣብ መጠረስታ 30'ታት ሙሶሊኒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህላዌ ፋሺስታዊት ኢጣልያ ንከደልድል ነቲ ድሮ ኣስሪሑዎ ዝነበረ መገዲ ባቡር ኣብ ስልኪ ተንጠልጢሉ ዝኸይድ 74 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ካብ ኣስመራ ንባጽዕ ዝበጽሕ ተሌፈሪካ ወሰኸሉ።

ክንድኡ ዝንውሓቱ ተንጠልጢልሉ ዝወርድን ዝድይብን ተሌፈሪካ ኣብ ምሉእ ዓለም ተሰሪሑ ኣይፈልጥን- ይበሃል።

"እንግሊዝ ምስ ኣተወ ግን ነቲ ተንጠልጣሊ መጐዓዝያ ኣውሪዶም፡ ሞቶረኡ ፈንጢሖም ንዕኦም ወሰድዎ" ይብሉ ሰነዳት ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ።

መስመር መንገዲ ባቡር ዓብን ሰፊሕን ብምንባሩ ኣብ ሓደ እዋን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ኣብ ኤርትራ ከም ዝነበረ ይዝንተወሉ።

ንምዃኑ ድሕሪ እንግሊዝ ምእታዎም እቲ ሓዲድ ካብ ተሰነይ ንከሰላ ዜብጽሕ ተወሳኺ ሓዲድ ተለቂቡዎ ከም ዝነበረ'ውን ይዝረብ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ካብ ባጽዕ ጀሚሩ ንቢሻ ዝወርድ ዝነበረ መስመር ብመጀመርያ ብወትሃደራዊ ኣገልግሎቱ'ዩ ዝዝከር። ጣልያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንከስፋሕፍሕ መናሃርያን መጐዓዚታትን ስለ ዘድልዮ ነቶም መስመራት ብዕቱብ ይጥቀመሎም ነበረ።

ኣብ ኣስመራ ኸኣ እቲ ቀንዲ ቤት-ጽሕፈት ፈሮቭያ፡ ከምኡ'ውን መተዓራረዪ ቤት-ዕዮታት ተሰሪሖም ነቶም መርበባት ይኣልይዎም ነበሩ።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ መንገዲ ባቡር ማዕረ-ማዕረ ታሪኽ ኤርትራ ስለ ዝተጐዓዘ ባዕሉ ነቲ ታሪኽ ከዘንትዎ ምኸኣለ።

ካብ ዘመነ ጣልያን ጀሚሩ፡ ንዘመን ንጉስ ሃይለስላሴን ቀዳማይ ክፋል ሓርነታዊ ቃልስን ይዅን ምትእትታው ዘመነ ደርጊን ርእዩ ክሳብ ስርሑ ብ1975 ዘብቅዐ ብዛዕባ ኤርትራ ምሉእ ሓበሬታ ከቕርብ ምኸኣለ።

ኣገልግሎት መጐዓዝያ ባቡር ስርሑ ብዘመን ደርጊ የብቅዕ'ምበር ናብ ካልኣይ ክፋል ብረታዊ ቃልሲ ስለ ዝተሰጋገረ ድማ ናጽነት ርእዩ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰቱ ጕዳያት በቶም ኣብ ፈቐድኡ ዛሕ ኢሎም ዘለዉ ዝዓነዉ ባቡራትን ባጎነታትን ኣቢሉ ነቶም ተረክቦታት ሓደ-ብሓደ ክዝረበሎም መኸኣለ።

በቲ መስመር ዝተጐዓዙ ሰባት ነቲ ጕዕዞኦም ብጽሑፍ ዝገለጽዎ ብዙሓት ኤውሮፓውያን ኣለዉ።

ምናዳ ካብ ኣስመራ ጀሚሩ ክሳብ ጊንዳዕ ዘሎ ብጥውይዋይ ተመን ዝመስል መንገዲ ከመይ ኣቢሎም ከም ዝሓለፉ ክገልጽዎ ምንባብ ብሓቂ ኣደናቒ'ዩ። ምናዳ ነፋሲት ኣርቦሮቡዕ ዘሎ ሓጺር መንገዲ ኣጻድፍ ተጸጊዑ፡ ኣብ ጋለርያታት እንክኣቱን እንክውጽን፡ ነቲ ካብታ ዉሽጢ ባቡር ብሞስኮት ዝተቐልቀለ ክሳብ ርእሱ ክሳብ ዘንጸራርዎ ዝገብር'ዩ ነይሩ ምባል ምግናን ኣይኰነን።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ እቲ ባቡር

መስመር መገዲ ባቡር

ምንጪ ስእሊ,DM

ጣልያን ብ1896 ኣብ ዉግእ ዓድዋ ምስ ተሸነፈ፡ እቲ ዓሰርተ ዓመት ኣቐዲሙ ብትግሃት ዝሰርሖም ዝነበረ መስመራት ባቡር - ንመጐዓዓዝያ ኣጽዋርን ናውቲ ውግእን ይጥቀመሎም ዝነበሩ ሓዲዳት ማለት'ዩ - ሸለል በሎም፣ ኣብ ጽርግያታት ምስራሕ ከኣ ኣድሃበ ይብል ኡንሳክሎፒድያ አትዮፒካ።

እቲ ቀንዲ ንጣልያን ዜጓንፎም ዝነበረ ጸገም ብቑዕ ሓይሊ ዘለዎም ሰሓብቲ ባቡራት ካብ ወጻኢ ጠሊብካ ምምጻእ ሽግራት ከም ዝነበሮም ሰነዳቴእ የመልክቱ።

እንግሊዝ ብ1941 ብከረን ደፊኡ ምስ ኣተወ ካብ ኣቑርደት ንቢሻ (31 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ) ተነጺፉ ዝነበረ ሓዲድ ፈንቂሎም ብምውጻእ፡ ከምኡ'ውን ነቶም ብሉጻት ሰሓብቲ ባቡራትን ሓርዮም ንሊብያ ለኣኽዎም።

ጸኒሖም ናይ ባዕሎም ጽርግያታት ሰሪሖም፡ ምስ'ቶም መስመራት ባቡር ኣዋሃሂዶም ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ኤርትራ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ይዅን'ምበር፡ ናይ ነዳዲ ወጻኢታት ንክቝጥቡ ንመስመራት ባቡር ክጥቀሙ ይመርጹ ነበሩ ይበሃል።

ሱዳን ግዝኣቶም ስለ ዝነበረ ግን ኤርትራ ምስ ሱዳን እትራኸበሉ መንገዲ ምስራሕ ኣድለዮም፣ ኰይኑ ድማ ካብ ተሰነይ ንሱዳን ዚበጽሕ መስመር ባቡር ወሰኽሉ።

ብ1952 ፈደረሽን ምስ ፈረሰ ግን፡ መስመር ባቡር ኤርትራ ቀስ ኢሉ ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ ኣተወ።

"ብ1965" ይብል ፍረድሪክ ጋምስት፡ ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ዝመደበሩ ተመራማሪ፡ "ኣብ ኤርትራ ከቢድ ጽዕነት ዜጐዓዕዙ ዓሰርተ ሓያላት ሰሓብቲ ባቡራት (compound mallet locomotives) ነበሩ" ይብል።

ጋምስት ወሲኹ፡ ኣብቲ ዘመን'ቲ ባጽዕ እቲ ዝለዓለ ምርጋፍን ምጽዓንን ባቡራት ዝረኣየትሉ ዘመን ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ንሃልኽን ንልምዓት ዘገልግሉ ፍብራኽ ኣቑሑትን ንባጽዕ ክኣትዉ፡ እኽሊ፡ ኣሕምልቲ፡ ዘርኢ-ዘይቲ፡ ቆርበት፡ ስጋ ንሰደድ ካብ ባጽዕ ይልኣኹ ዝነበርሉ ዘመን ነበረ።

ብ1957 ዳርጋ ብምልኡ ዜድልዮም ናውቲ ሰሓብቲ ባቡራት - ብጀካ እቶም ካብ ኩባንያ ክሩፕስ ዜድልይዎም ናይ ኤለክትሪክ ቀንጠመንጢ - ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዝነበሩ ቤት-ዕዮታት-ባቡር ባዕላቶም ይፍብረኹ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

ኣብ 1975፡ ብረታዊ ዉግኣት ይካየድሉ ዝነበረ እዋን ማለት'ዩ፡ መስመራት ባቡር ኤርትራ ጨሪሶም ስርሖም ኣብቅዑ - እዚ ኸኣ ኣብ ፈቐድኡ ባቡራት ምጽዳፍ፡ ሓዲድ ቦንቊርካ ምውጻእ፡ ናውቲ ፈሮቭያ ምስራቕ ገኒኑ።

ብ1991፡ ኣብ እዋን ናጽነት፡ ብግምት ምዕራባውያን ክኢላታት፡ መስመር ባቡር ኤርትራ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ማዕረ $400 ሚልዮን ከም ዘድሊ ገምገሙዎ።

ኤርትራ ግን ብርእሰ-ምርኰሳ መደባ ነቲ ፕሮጀክት ባዕለይ ክትገብሮ ምዃና ገሊጻ።

እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ጂኒ ስትሪት ብደቂቑ ገሊጻቶ ኣላ።

ንኣብነት ካብ ባጽዕ ንኣስመራ ዝነበሩ ሓዲዳት ንምዓራይ ዓመታት ከም ዝወሰዱ፡ ብዙሕ ሰብኣዊ ዓቕሚ ከም ዘህለኹ፡ ቍጠባዊ ረብሓኦም ድማ ኣዝዩ ዉሑድ ከም ዝነበረ፡ ድሓር ከኣ እቲ ፕሮጀክት ብምዅላፉ ካብ መጀመርታ ክሳብ መጠረስትኡ ኣብ መጽሓፋ ኣስፊራቶ ትርከብ።