መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ትራምፕዶ ካማላ - ንኤርትራ መንኦም ዝያዳ የገድስ?

ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም ኣመሪካ ምስ ቃልሲ ግብረ ሽበራውያን ኣብ ዝተሓሓዝ’ምበር ንሃገራት ኣፍሪቃ ከም ቍጠባዊ መሻርኽቲ ርእያ ኣይኰነትን እትቐርበን ይብል።

“ኣመሪካውያን ንግብረሽበራ ንምቅላስ ኢሎም ምስ ዘዀና ሃገራት ኣፍሪቃ ሽርክነት ይገብሩ’ዮም፤ ካብኡ ሓሊፍካ ግን ኣብ መንጐ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ምስ ቍጠባዊ ምዕባለ ድዩ ምስ ስትራተጂያዊ ምሕዝነት ብዝተሓሓዝ ክርአ ኣይጸንሐን፤ እዚ ዳርጋ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝኽተልዎ ኣገባብ’ዩ” ይብል።

እዚ ዘንቀሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብቲ የርብሓና’የን ዝብላአን ከም ሃገራት ቻይና፡ ሩስያን ቱርክን ካልእን ክጽጋዓ ይርኣያ ምህላወን ዓቡደራሕማን ይጠቅስ።

ኣብቲ መንኦም እንተተመረጸ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ሕቶ፡ “ፖሊሲ ኣመሪካ ምስ ረብሓኦም ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ ብዙሕ ምቅይያራት ኣይረአን’ዩ ስለዚ ካማላ ትመረጽ ዋላ ትራምፕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎም ፖሊሲ ክቕይየር ዝኽእል ኣይኰነን”

“ንሶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ምስ ፖሊሲ ጥዕና፡ ሽቕለት ኣልቦነት ጉደይ ስደተኛታትን ካልእን ኣብ ዝምልከት’ዮም ለውጥታት ዝገብሩ’ምበር ሪፓብሊካን ይዅኑ ዲሞክራትስ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ብዙሕ ምቅይያራት ኣይገብሩን’ዮም” ይብል።

ብምስዓብ፡ “ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ከኣ ብፍላይ ካብ ክልቲኦም ዝተመረጸ ይመረጽ ዘምጽእዋ ለውጢ ይዅን ኩስቶ ይሓይሽ ትብለሉ ኣይኰነን” ይብል ዓቡራሕማን።

ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም

ምንጪ ስእሊ,Abdurahman Said

መግለጺ ስእሊ,ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም

ተቐማጢ ካሊፎርንያ ዝዀነ ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ዳኒኤል ተኽላይ’ውን “ካብ ቅድሚ ናጽነት ጀሚርካ ንኢትዮጵያ ሓጊዙ ንኤርትራ ዝዘሪ’ምበር ንኤርትራ ዘርብሕ መራሒ ኣመሪካ ኣይተረኣየን፤ ሕጂ ብሓፈሻ ግን ሪፓብሊካንዶ ዲሞክራትን ኣብ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ኣረኣእያ ኣለዎ ኢልካ እንተሓቲትካ እቲ ሪፓብሊካን’ዩ ኣዐርዩ ዝቕየር ዘሎ” ብምባል ካብኡ ናብኡ ብተዛማዲ ትራምፕ ዝሓሸ’ዩ ክበሃል ከምዝኽእል ይጠቅስ።

“ትራምፕ ‘ኣመሪካ ፈረስት’ ዝብል ዓቃባዊ ኣካይዳ’ዩ ዝኽተል ዘሎ፡ ኣብቲ ጂኦ ፖለቲካ እንተመጺእና ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ወከልቲ መንግስቲ ኰይኖም ኣብቲ ዞባ ዝሰርሑ ዘለዉ ከም ማይክ ሃመር ክቕየሩ ይኽእሉ’ዮም፤ እንተዀነ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኵነታት’ምበር ሰባት ስለዝተቐያየሩ ዝልወጥ ኣይኰነን” ይውስኽ።

ዳኒኤል፡ እዞም ክልተ ዝወዳደሩ ዘለዉ [ካማላን ትራምፕን] “ኣብቲ ዓቢ ዝበሃል - ከም ጉዳይ ዩክረይን ለውጢ ክረአ ይኽእል’ዩ ኣብ ኲናት ቓዛ እንተመጺእና ግን ዝተፈለየ ኣረአእያ የብሎምን፡" ይብል።

ዳኒኤል ንኤርትራ መን እንተተመረጸ ይሓሽ ኣብ ዝብል ጉዳይ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ [ካብ 2016-2020] ኣብ 2018 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ታሪኻዊ ውዕል ሰላም ኣብ ዝተኸተመሉ ተራ ኣመሪካ ልዑል ምንባሩ’ዩ ዝገልጽ።

“ካብዚ ብምብጋስ ካብ ናይ ባይደንን ናይ ኦባማን ኣብ እዋን ትራምፕ ዝሓሸ ነይሩ ክንብል ንኽእል ኢና፤ እንተዀነ እቲ ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣይወረደን ስለዚ ኩስቶ’ዩ ዘርብሓኒ ኢልካ ክትድምድመሉ ዝክኣል ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ኣብዛ ሃገር በይኑ ፕረዚደንት ዝውስኖ ነገር የለን” ይብል።

ዳንኤል ተኽላይ

ምንጪ ስእሊ,Daniel

ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ኤርትራን ኣመሪካን ነቲ ቅድመኡ ኣብ ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአን ከመሓይሻኦ ተራእየን ነይረን።

ኣብ 2018 ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ።

ኣብ 2019 እውን፡ ብኣመሪካዊት ኣደ መንበር ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣመሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃም ዑመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም ነይሮም።

እንተዀነ ዳሕራይ፡ ምምሕዳር ባይደን፡ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ።

ኣብ 2022 ዝወጸ ሓበሬታ ፖሊሲ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዘመልክቶ፡ ረብሓ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣነጺሩ ነይሩ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ደሞክራስያዊ ባህሊ ኣብ ኤርትራ ከምዝህሉ ምግባር ኣካል ፖሊሲ ኣመሪካ ምዃኑ ይጠቅስ።

“ኤርትራ ንዞባዊ ምርግጋእ ከይትዕንቅፍ ምግባር ኣካል ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ" እዩ።

“ደሞክራስያዊ ባህሊ ንምትካል ክትግስግስ ምጽዋዕ፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝርከቦም ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍትሑ ምግባርን” ኣካል ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ እቲ ጽሑፍ የነጽር።

ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ናይ ሕልና እሱራት ከትፈትሕን፡ ኣብ 1997 ዝተነድፈ ቅዋም ክትግበርን ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዘምርሐ ምስሕሓባት ከምዝጸንሓ ዝጠቅስ ሰነድ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ምስታ ሃገር ወተሃደራዊ ዝምድና ከምዘይብሎም የነጽር።

ብድሕሪ እቲ ውሳነ ኸኣ፡ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን፡ ኣመሪካ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተጻባኢ መርገጺ ወሲዳ ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም። ሰብ መዚ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣመሪካ ኮነ ኣህጕራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐርበሎም ክስታት፡ ንምስሊ ሃገር ንምድዋን ዝቐርብ "ውዲት'ዩ" ክብሉ እዮም ዝነጽግዎ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርበሉ “ሓቅነት ዘይብሉ” ዝብሎ ክስታት መልሲ ካብ ምሃብ ስቕ ከምዘይብል ብምግላጽ ከኣ፡ "ምምሕዳር ኣመሪካ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሓሶት ክሲ፡ መረጋገጺ ጭብጥታት እንተልይዎ ናብ ናጻን ዘይሻራውን ኣካል ከቕርቦ" ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ።

ኤርትራን ኣመሪካን፡ ኣብ ሃገረን ናይ ሓድሕደን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት'ኳ እንተለወን፡ ካብ ክልቲኤን ወገን ዝተመዙ ኣምባሳደራት ግን የብለንን። ኣሜሪካ፡ ካብ 1993 ኣትሒዙ ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እኳ እንተነበራ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግና እቲ ዝምድና እናንቈልቆለ ምምጽኡ ይፍለጥ።

ዝቕጽል ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ መሰረታዊ ምምሕያሽ ክፈጥር እዩ ዝብል ግምታት’ኳ እንተዘይሃለወ ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ግን ተመራጺ ፕረዚደንት ዝውስኖ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።