ብፍላይ ንዓለም ከቢድ ዝሃሰየ ኵነታት ሩስያ-ዩክረይን፡ ዝሰዓቦ ጉዳይ እስራኤል-ፍልስጤም ዝመበገሲኡ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ፡ እንተስ መዕለቢ ክረክብ እንተስ እናተቘራቐሰ ክቕጽል ዝመጽእ ፕረዚደንት ክውስን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
ኣብዚ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ከቢድ ዝድባቡ ንምግማቱ ኣጸጊሙ ዘሎ መረጻ ኣመሪካ ‘ምበኣር፡ ሰባት ይዅኑ ማሕበረሰባት፡ ካብኡ ሓሊፉ ሃገራትን መንግስታትን ብነናቶም ረብሓ ይጥምትዎ ምህላዎም እዩ ዘገንዝበና።
ነዚ ኵሉ ሸነኻዊ ኣብ ዙርያ እቲ መረጻ ዝፍተል ዘሎ ጉዳያት ብምግንዛብ፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ይዅኑ ቀርኒ ኣፍሪቃውያን ሕብረተሰባት እንታይ ትርጕም ይህልዎ? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሺንግተን - ሴንት ሉዊስ - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተመራማሪት ሕብረተሰብን ማሕበራዊ ድሕነትን ምስ ዝዀነት ዶ/ር ፍትሒ ዓንዶም ሰፊሕ ኣዕሊልና።
ዶ/ር ፍትሒ፡ “ብመሰረቱ ክርድኣና ዘለዎ፡ ዓበይቲ ጉዳያት እሞ ረብሓ ኣመሪካ የረጋግጽ እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ዓበይቲ ዓለማዊ ጉዳያት፡ ብሰልፍታት ብኡ ድማ ብክልቲኦም ተወዳደርቲ ከምዘይውሰን” ብምጥቃስ ዓቢይ መሰረታዊ ለውጢ ኣሎ ኢልካ ትጽቢት ኣይግበርን እያ ትብል።
ነቲ ኣብ እዋን ጐስጓስ ዝብልዎን ዝመባጽዕዎን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ በቲ ርኡይ ኰይኑ ዘሎ ኵነታት ዓለም ክልቲኦም ግድን ብገለ መልክዑ ለውጢ ክገብሩ እዮም፡ ዝብል ግምታ ብምቕማጥ፤ “እዚ ግን ከምቲ ዝብልዎ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ከም ፕረዚደንት ፈጻሚ ስልጣን’ኳ እንተለዎም፡ ውሳነታት ብኮንግረስ ኣቢሉ ስለዝጸድቕ ፕረዚደንት ዝደለዮ ኵሉ ከምዘለዎ ይጸድቕ ማለት ኣይኰነን፡” ኢላ ተረድእ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መረጻ፡ “ኣብ መንጐ ዲሞክራሲን ውልቀምልኪን እዩ” ተባሂሉ ብተንተንቲ ፖለቲካ ኣመሪካ ከምዝግለጽ እትገልጽ ተመራማሪት ፍትሒ፡ “እዛ ዓዲ [ኣመሪካ] ኣብ ዘይንቡርን ዘይርጕእን ፖለቲካዊ ኵነታት” ከምዘላ ተረድእ።
“ኣብ ንቡር እዋን፡ ሕጹያት ናይቲ ዝወከልዎ ሰልፊ ኣጀንዳ ሒዞም እዮም ዝቐርቡ፣ ኣብዚ እንርእዮ ዘለና ኵነታት ግን፡ ትራምፕ ናይ ውልቁ ኣጀንዳ ሒዙ እዩ መጺኡ እዩ ዝበሃል ዘሎ” ድሕሪ ምባል፤
“እዚ ድማ ብክርስቲያናውያን ጥሩፋትን ኣኽረርቲ ማሕበራውያን ሓይልታትን፡ ብሓፈሻ በቶም ሕሉፋት የማናውያን እንብሎም ተጨውዩ፡ ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ክልለየሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ወሪዱ፡” ከምዘሎ ብምግላጽ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ክትዓት ኣመሪካ ተረድእ። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ሓያለ ማእከላይ መርገጽ ዘለዎም ሪፓብሊካውያን ንትራምፕ ብምዅናን ንዲሞፕክራሲ ኢና ንድግፍ ብምባል ንካማላ ደጊፎም ክጕስጕሱ ከምዝጸንሑ ተረድእ።
ዘቤታዊ ክውንነትን ፍልልይን?
ዶ/ር ፍትሒ፡ ነቶም ዝጥቀሱ መሰረታዊ ፍልልያት ከተረድእ እንከላ ንሲቪላዊ ናጽነት ኣመሪካውያን ዝሕለቕ ትካል ንዝዘርግሖ መጽናዕቲ መሰረት ብምግባር፡ ሽዱሽተ መሰረታውያን መሰላት ኣመሪካውያን ኣብ ሓደጋ ወዲቐን ከምዘለዋ ተመልክት።
በዚ ድማ ትራምፕ ኣብ ስልጣን እንተመጺኡ ኣመሪካውያን ክስእንወን ዝኽእሉ መሰላት፡ ምስ ስደተኛታት፡ ምግላጽ ሓሳባት፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ፡ ጾታዊ ኣድልዎ፡ መሰል ምምራጽ፡ ምስ ስርዓተ መፍረ ዝተሓሓዝ ሕክምናዊ ኣድልዎ ምዃነን ተቐምጥ። እዚ ድማ ንኣመሪካውያን ይዅን በዚ ውሳነ ዝጽለዉ ህዝብታት ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ፡ ኢላ።
ካማላ ግን ነዚኦም መሰላት ከውሕሶም እየ ትብል ከምዘላ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
ብዘይካ’ዚ ንሳ ቍጠባዊ ኵነታት ዜጋታት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣተኲራ መብጽዓታት ኣትያ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ “ገለ ካብኡ ዝተሓተ ደሞዝ ጉልበታዊ ስራሕ ክብ ከተብሎ፡ ድጐማ መውዓሊ ህጻናት ከተዕቢ፡ ምስ ጥንሲን ሕርስን ዝተሓሓዝ ክፉል ዕረፍቲ [ፋሚሊ ሊቭ] ከተናውሖ፡ ናይ መጀመርያ ዓደግቲ ገዛ ክሳብ 25 ሽሕ መንግስታዊ ሓገዝ ክወሃቡ፡ ካልኦት ምስ ስደተኛታት፡ ስርዓተ መፍረ ይዅን ምንጻል ጥንሲ ዝተኣሳሰሩ መሰላት ከተውሕስ፡ ኣብ ርእሲኡ፡ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ስድራቤታት ክሳብ 3ሽሕን 6 ሚእትን ናይ ቀረጽ ጕንዖ ክትገብር ምዃና ቃል ኣትያ ኣላ።”
ትራምፕ ግን ኣብ ውሽጣዊ ፖሊሲታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዝገብሮ ፍሉይ ለውጢታት ከምዘየቕረበን፡ እቲ ኣበርቲዑ ዝጕስጕሰሉ ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት ምዃኑ ዶ/ር ፍትሒ ተረድእ።
ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን መን የርብሕ?
ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እንታይ ይመስሉ እንተ ኢልና፡ መብዛሕትኦም ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም ካብ ህዝባዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝድጐሙ ሸቃሎ እዮም። ስለዚ ካማላ፤ “ንናይ ሸቃሎ ቍጠባዊ ኵነታት ዘመሓይሽ ምምዕርራይ ክትገብር” ቃል ከምዝኣተወት ብምጥቃስ፡ ካብቲ ኣሚማቶ ዘላ መብጽዓታት ፖሊሲ ቀረጽ፣ ኣብ መንግስቲ ትራምፕ ንሃብታማት ዝተግበረ ናይ ቀረጽ ሕድገት ንሸቃሎ ክሳብ 32 ሚእታዊ ቀረጽ ዘስዓበ - ክሳብ 2026 ከምዝቕጽል ዝፍለጥ፡ ክትቅልብሶ ንሃብታማት ዝምልከት ቀረጽ ክብ ከተብሎ ትጽቢት ከምዝግበር ገሊጻ። በዚ መዳይ ድማ እዞም ክፋል ኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ በዚ መዳይ ተጠቀምቲ ክዀኑ ተስፋታት ኣሎ።
ምስ መሰል ስደተኛታት ዝተሓሕዝ ጉዳይ ምስ ምምጻእ ትራምፕ፡ ንስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሉታዊ ጽልዋታት ከምዝህሉ ስግኣት ከምዘሎ ፍትሒ ኣሚታ። በዚ ድማ፡ እቲ ብትራምፕ ክግለጽ ዝጸንሐ መሰልን ስርዓትን ምሕታት ዕቝባ ምሉእ ብምሉእ ክቕየር ስለዝዀነ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ዘይርጕእነት ብዙሓት ካብኡ ንኣመሪካ ዝስደዱ ኣብ ሓደጋ ክወድቍ ስግኣት ኣሎ።
ኣብ ርእሲኡ ናይ ትውልዲ ዜግነት - በርዝ ራይት- ደው ከብሎ ምዃኑ ትራምፕ ከምዝገለጸ ብምጥቃስ፡ ነቶም ብሕጋዊ መገዲ ዝመጹ ስደተኛታት’ውን ንእምነቶም ንዝመጽኡሉ ሃገር ወይ ዝኽተልዎ ስነሓሳብ መሰረት ዝገበረ ደቂቕ መርመራ ከምዘካይድን፡ ነቲ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ኣተኣታትይዎ ዝነበረ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ኣስላምን ዝኣትዉ ሰባት፡ ዝያዳ ካልኦት ሃገራት ወሲኹ ከሐይሎ ከምዝዀነ እዩ ዘፈራርሕ፡ ኢላ ኣረዲኣ።
ኣብዚ ድማ ሃገራት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን ሶማልያን ተጠቀስቲ ምንባረን ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ኣብ ስልጣን መጺኡ ውሳነኡ ምስዘትርር እዘን ሃገራት ካልኦት ተወሲኸንአን ብኡ መንጽር ኣሉታዊ ጽልዋኡ ንሃገራት ቀርኒን ምብራቕን ኣፍሪቃ ክሰፍሕ ከምዝኽእል፡ ዶ/ር ፍትሒ ኣስፊሓ ተረድእ።
ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፡ እቲ ናይ ትውልዲ ዜግነት ድማ “ነቶም ኣብዚ ዘለዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ክጸልዎም እዩ። ነቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ምጥራዝ ክገብር እየ ዝብሎ ድማ፡ ብቐጥታ ነቶም ናትና ማሕበረሰብ ዝጸሉ እዩ፡” ትብል።
ኣብ ርእዚ’ዚ “ከም ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን መጠን ከምቶም ጸለምቲ ኣመሪካውያን ደቀባት ከጋጥም ዝኽእል ንዓሌታዊ ኣድልዎ ዝተባብዕ ፖሊስታት ኣሜሪካ ብቐጥታ ክጸልወና ይኽእል እዩ።”
ብመሰረት ትንታነኣ ድማ፡ ነቲ ብፖሊስ እታ ሃገር ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምእሳር፡ ምስላል ኣብ መገዲ ደው ኣቢልካ ምሕታትን ምስርጣይን ዝምልከት በደላት ከቃልዕ ወይ ከጋድድ እዩ። ስለዚ “እዚታት ነቶም ኣፍሪቃውያን ዝዀንና ብትራምፕ ክመጽኣና ዝኽእል ሓደጋታት ኰይኑ፡ ብኣንጻሩ ኣኽራሪ ኣጠማምታ ዘለዎም ቀርኒ ኣፍሪቃውያን፡ ነዚ ብትራምፕ ዝእመም ዘሎ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታውን ጾታውን ቀይዲታት ከም ዓቢይ ዓወት ዝርእይዎ ከምዘለዉ ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ፡” ትብል።
ዓለማዊ ፖሊሲ
ኣብ ኣሜሪካ መን ፕረዚደንት ኰይኑ ብዘየገድስ ዓለማዊ ፖሊሲ እታ ሃገር ብዙህ ከምዘይጽሎ እትገልጽ ዶ/ር ፍትሒ፡ ነተን ኣብ እዋን ጐስጓስ ዘልዓሉወን ነጥቢታት ተዘኻኽር።
ኣብቲ ኣቓልቦን ኵነታትን ዓለም ስሒቡ ዘሎ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ፡ ካማላ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን ተዅሲ ደው ክብል ከምእትድግፍን ክትሰርሓሉ ምዃናን ገሊጻ ኣላ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ክልቲኦም ንእስራኤል ብዘይቅድመ ኵነት ከምዝድግፉ ክፍለጥ ከምዘለዎ፡ ዶ/ር ፍትሒ ተዘኻኽር።
ብወገን ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣኑ ምስ ቻይና ኣብ ንግዳዊ ቍርቍስ ተጸሚዱ ነይሩ፤ ሕጂ’ውን ንኣቝሑ ቻይና ክሳብ 60 ሚእታዊት ታሪፍ ክገብር እየ ዝብሎ ነገራት ከምዘሎ ተረድእ። ኣብ ጉዳይ ሩስያን ዩክረይንን እውን፡ “ትራምፕ ብዙሕ ግዜ ንፑቲን ክውድሶ እዩ ዝስማዕ” ኢላ ብምጥቃስ፡ “ኣነ ፕረዚደንት እንተዝነብር ፑቲን ንዩክረይን ኣይምወረረን፤ ሕጂ ግን ‘ንዩክረይን ዝተገብረ ሓገዝ ይኣክል’ እዩ ዝብል ዘሎ፡” ብምባል ጉዳይ ሩስያ ዩክረይን መዕለቢ ክገብረሉ ከምዝኽእል ምስ ኣረኣእያ ብዙሓት ከም እትሰማማዕ ገሊጻ።
ንኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ግን ንኣፍሪቃ ብዙሕ ግምት ኣይህቡዋን እዮም - ዋላ’ኳ ፖሊሲታቶም ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ጽልዋ ዘለዎ እንተዀነ። ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ግጭት ኣብ ዝፍጠረሉ እዮም ዝርከቡ፤ እንተዘይኰይኑ፡ ሲቪካዊ ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነታት መሰረት ዝገበረ ስትራተጅያዊ ኣጠማምታ ንኣፍሪቃ የብሎምን።
እዚ ሃጓፍ’ዚ ድማ ብምትእትታው ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ቻይናን ክትካእ ንርእዮ ኣለና ኢላ እትገልጽ እታ ዶክተር፡ ካብኡ ናብኡ ግን ዲሞክራት ንዲሞክራስያውያን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምድጋፍ ቅሩብ ተንቀሳቒሶም ኣለዉ፡ ብምባል ካማላ ናብ ጋና ዘካየደቶ ዑደት፡ ባይደን እውን ስነጥበብ ኣፍሪቃ ንምድንፋዕ ዘርጊሕዎ ዘሎ ሓድሽ መምርሒ ስራሕ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ካማላ ክትቅጽሎ እያ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጻ’ላ።
እዚ ድማ ካብ ናይ ጸጥታ ካልእ ዝምልከት ምትእትታዋት ውጽእ ኢሉ፡ ኣብ ሲቪካዊ ሸነኽ ዝግበር ዝምድና ኰይኑ፡ ንኣፍሪቃ ገለ ጥቕሚ ክምጽእ ከምዝኽእል ዘሎ ተስፋ ኣቐሚጣ።
ካብዚ ወጻኢ ግን መን ተዓዊቱ ብዘይገድስ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ክብ ከይብል ሰብኣዊ ሓገዝ ከይጐድልን ዓቢይ ስግኣት ኣሎ፡ ንዝብል ኣረኣእያ ብመጽናዕቲ ትካል ሞ ኢብራሂም ፋውንዴሽን ኣቐዲማ ርእያቶ ኣላ።
በዚ መሰረት፡ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተጋደደ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነትን ዕጥቃዊ ሕንፍሽፍሽን እየን ተጸሚደን ዘለዋ፤ እቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቅልውላዋት፡ ንሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ ከም ሓደጋ ስለዝርአ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ኣይተርፍን እዩ ዝብል ግምታት የስዕብ።
“ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ኣመሪካ ድማ ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአ፡ እስላማዊ ጥሩፍነት ኣስላማዊ ዕጥቃዊ ጐነጽ ንምምካት ብዝብል ናብ ኣፍሪቃ ዝግበር ምትእትታው፡ ክደፍኡሉ እዮም።
እዚ ግን ነታ ኣብ ዝዀነ ካልእ ሲቪካዊ ልምዓታዊ መደባት ኣፍሪቃ ብዙሕ ንዘይትነጥፍ ኣመሪካ፡ ካብ ኣፍሪቃውያን ሲቪካውያን ማሕበራት ተወሳኺ ወቐሳ ከስዕበላ እዩ፡” ብምባል እታ ሃገር ንዝጸንሓ ድዅም ሽርክነታት ምስ ኣፍሪቃ ትጠቅስ።
ብዘይካ’ዚ ኣመሪካውያን “ንምትእትታው ቻይና ሩስያ ሃገራት ዓረብ፡ ቱርኪ ወዘተ ከመይ ኢሎም ይገትእዎ እዮም ኣተኲሮም ዝሰርሑ፡ እዚ ኸኣ ብዓንደ ርእሱ ንረብሓታት ህዝብታት ኣፍሪቃ ዘቐድም ኣጠማምታ ከምዘይኰነ ምግንዛብ ከምዘድሊ ዶ/ር ፍትሒ ተተሓሳስብ።
ብተወሳኺ...
መን ይተዓወት መን፡ ከም ኣፍሪቃውያን ክህልዉ ዝኽእሉ ኣሉታውን ኣወንታውን ሸነኻት ተቐምጥ።
ነቶም ድሮ ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ቀርኒ ኣፍሪቃውያን ዝምልከት ክብ ኢሉ ዝተዘርዘረ ኰይኑ፡ ነቶም ኣብ ሃገራቶም ዘለዉ ዜጋታት እቲ ዞባ ዝጸሉ፡ ነጥቢታት ብምዝርዛር ኣቐሚጣ ኣላ።
ነዚ ድማ ጸጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታውን፡ ሰብኣዊ ሓገዛትን ህዝባዊ ጥዕናን ኢልና ክንርእዮ ከምዝከኣል ትገልጽ።
ኣመሪካ ምስቲ ምስ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ መን ቀደመ ዝዓይነቱ እትገብሮ ቍርቝስ፡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ንግዳዊ ውዕላት ክትገብር ተኽእሎ ኣሎ፤
ንኣብነት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ናይ ከምዚ ዓይነት ውዕላት ተረባሒት ከምዝነበረት ኢንዳስትሪታታ ንምስፋሕ ከምዝተሓገዘትን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ካማላ እንተተዓዊታ እዚ ከምዚ ዝበለ ውዕላት ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትእምም ትኽእል እያ ዝብል ተስፋታት ኣፍሪቃውያን ከምዘሎ ዶ/ር ፍትሒ ትግለጽ።
“ምግታእ ምስፍሕፋሕ እስላማውነት ብዝብል፡ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ከይህሉ ስግኣት ኣሎ፡” ብምባል ድማ እዚ ድማ ካልእ ሳዕቤናት ከምጽእ ይኽእል እዩ፤ ኣሜሪካ ንገለ ሓይልታት ከተዕጥቕ ትኸእል እያ፤ እዚ ድማ ነቲ ዘሎ ዘይርጕነት መሊሱ ከጋድዶ ከምዝኽእል ተረድእ።
ካማላ እንተተዓዊታ ግን ነዚ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምቕዳም ክትገትኦ ትኽእል እያ ዝብል ተስፋታት’ውን ኣሎ።
ኣብ ጉዳይ ስደት ተሪር መርገጺኡ ዘነጸረ ትራማፕ ድማ፡ ነቶም ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ቀርኒን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዘለዉ ስደተኛታት ብቐጥታ ክጸልዎም እዩ።
ካማላ እንተተዓዊታ እዞም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን ኣብ መዓስከር ዘለዉ ስደተኛታት ቀጥታዊ ሰብኣዊ ሓገዛት ክረኽቡ እዮም።
እቲ ብጕጅለ-5 ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ብመገዲ ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ዝግበር መስርሕ ምግዓዝን ምጥያስ ስደተኛታት ክብ ክብል ተኽእሎ ኣሎ።
እቶም ካብ ኲናትን ግጭትን ዝሃድሙ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን፡ ሓተቲ ዕቝባ ግቡእ ሰብኣዊ ሓገዝን ተቐባልነት ክረኽቡ ይኽእሉ። እዚ ግን ትራምፕ እንተተዓዊቱ ደው ክብል ኣስጊኡ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ፡ ዶ/ር ፍትሒ ዓንዶም ኣረዲኣ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣኑ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ቍጽሪ ስደተኛታት ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ዝተሓተ ደረጃ’ኡ ከምዘውረዶ ትገልጽ።
ካብ 2012-2022 ኣብ ዝነበረ 10 ዓመት ናብ ኣመሪካ ዝተጣየሱ ዝደተኛታት ልዕሊ ሲሶ ኣፍሪቃውያን ምንባሮም ብምጥቃስ፤ ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ካብ ኤርትራ ካብ ሶማልያን ኮንጐን ዝመጹ እዮም ትብል። ስለዚ መን ፕረዚደንት ኰነ ብቐጥታ ከምዝጸሉ ብመረዳእታ ኣሰንያ ተቕርብ።
ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ፕረዚደንትን ባይቶን ክንደይ ስደተኛታት እታ ሃገር ክትቅበል ከምእትኽእል ዝውስኑ ኰይኖም፡ ነዊሕ ዓመት ብገምጋም ከባቢ 100 ሽሕ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።
ኣብ 2017 ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ግን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቍጽሪ ስደተኛታት ናብ 15 ሽሕ ኣውሪድዎ። እዚ ድማ ብቐጥታ ንስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝጸለወ፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ሊብያ ኣብ ማልታን ካልኦት ሃገራት ኣብ ብመገዲ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ መስርሕ ዝነበሩ ጉዳዮም ከምዘይስጕም ገይርዎ እዩ ትብል።
ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተኣሳሰር ጉዳይ፡ ካብ ኣመሪካ ንዝተጠረዙ ኤርትራውያን ምቕባል ዘይምቕባል ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝተሰሓሓበ ንመስርሕ ቪዛ ኤርትራውያን ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ።
ምስ ህዝባዊ ጥዕና ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ገንዘብ ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለያ ኣካላቱን ካብ ኣመሪካ እዩ ዝመጽእ።
ብፍላይ ከኣ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ውድብ ስደተኛታት፡ ውድብ ማዕከን ህጻናት - ዩኒሰፍ ከምኡ’ውን ዩኤሴይድ ዝኣመሰሉ ትካላት ምስ ሚኒስትሪታት ጥዕና ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ተሓባቢሮም ዝሰርሑ ኣካላት ዝበዝሕ ባጀቶም ካብ መንግስቲ ኣመሪካ እዩ ዝመጽእ።
ስለዚ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣን ትራምፕ ኣብ እዋን ኮቪድ ንኣብነት ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኣተዎ ምስሕሓብ፡ ካብቲ ውድብ ክወጽእ እየ ምባል ወዘተ... ነዚ ትካላት ክሃሲ እዩ። ብኸምኡ እንተቐጺሉ ድማ እቶም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ተጸለውቲ ምዃኖም ኣየጠራጥርን።
እቲ በዘን ትካላት ኣቢሉ ዝቐርብ ክታበት፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኤችኣይቪ፡ ፖልዮ፡ ዓሶን ካልኦት ዝረኣዩ ሕማማትን፡ ንጥዕና ኣደን ህጻንን ዝምልከት ዝተፈላለየ ዓይነት ክታበት ዝተፈላለዩ ንህዝባዊ ጥዕና ዘተኰሩ ኣገልግሎታት፡ ብዙሕ ሓገዝ ካብዘን ትካላት ክምዝመጽእ እትጠቅስ እታ ተመራማሪት ሕብረተሰብን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ “ትራምፕ እንተተዓዊቱ ግን እዚ ኣገልግሎታት እዚ ብኣሉታ ክጽሎ እዩ፤ ካማላ እንተተዓዊታ ግን ብዝሓሸ መገዲ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ፡” ኢላ።
“ኵሉ ኣጠቓሊልና ክንርእዮ እንከለና፡ ታንዛንያዊ መራሒ ጁልየስ ኔረረ፡ ‘ኣብ ዋሽንግተን ዝሓልፉ ውሳነታት ካብቶም ኣብ ባይቶና ዝሓልፉ ውሳነታት ንላዕሊ እዮም ዝጸልዉና እሞ፡ ህዝበይ ህዝቢ ታንዛንያ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ከድምጽ ይግብኦ’ ኢሉ ነይሩ” ኢላ ብምዝካር፡ ጽልዋ ውጽኢት መረጻ ኣመሪካ፡ በዚ ይዅን በቲ ቀሊል ከምዘይኰነ ኣስሚራትሉ።