ክኢላታት ጥዕና ማህጸን ድማ ንልዑል ጥዕናዊ ሓደጋታት እዞም ኣእማን ኣመልኪቶም መጠንቀቕታ ክህቡ ተራእዮም።
እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ውሑድ ዘይበሃል ብዝሒ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ [ብፍላይ ቲክቶክን ዩትዩብን] ብዛዕባ ጥቕሚ እቶም ኣእማን ዝያዳ ክፈልጥ ይጽዕር ብምህላዉ እቲ ስግኣት ክጐልሕ ገይሩዎ ይርከብ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ዙርያ እዞም ‘ጃዴ ስቶንስ’ ወይ ‘ዮኒ ኤግስ’ ተባሂሎም ዝፍለጡ ልሙጻት ኣእማን ዘለው ሓቅታት ብምምርማር ሰብ ሞያ ሕክምና ማሕጸን ዝህቡዎ ማዕዳ ዘጠቓልል ጸብጻብ ኣዋዲዱ ኣሎ።
ናብ ርሕሚ ዝኣቱ ‘ዮኒ ኤግስ’ እንታይ’ዩ?
መጀመርታ ከም ጓል ኣንስተይቲ፡ ንርሕምኺ ይጠቅም ድዩ ኣይጠቅምን ብዛዕባ ዝብሉ ጕዳያት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ብዙሕ ግጕይ ሓበሬታታት ከም ዘሎ ክትግንዘቢ ይግባእ።
ኣብ ከባቢ ርሕሚ ዝፍጠር ጨና ንምጥፋእ ወይ’ውን ርሕሚ ጽቡቕ ጨና ንኽህልዎ ብዝብል ዝተፈላለዩ ፍርያት ጽርየት ብመልክዕ ደረቕን ፈሳሲን ይዳለውን ኣብ ዕዳጋ ይቐርቡን’ዮም።
ዝዀነ ናብዚ ከባቢ ዝኣቱ ሳሙና ወይ ፈሳሲ ነገር ግን ጐድናዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ማህጸን ይገልጹ።
ሕጂ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዘዘራርቡ ዘለው ቅርጺ እንቋቑሖ ዘለዎም ኣእማን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ብምቕማጥ ዝተፈላለየ ረብሓ ይርከቦም'ዩ ዝበሃሉ ዘለው'ዮም።
እዚኦም፡ ውሁድ ኦክስጂንን ኬሚካል ስሊኬትን ዘለዎ ኳርትዝ ካብ ዝተባህለ ልሙድ መዓድን ከምኡ’ውን ‘ጃዴ’ ዝተባህለ እምኒ [መብዛሕትኡ ግዜ ሓምላይ ሕብሪ ዘለዎ ኰይኑ፡ ሓሓሊፉ ቢጫ፡ ጻዕዳ ወይ ጸሊም ሕብሪ ክህልዎ ይኽእል] ዝተሰርሑ’ዮም።
እዘን ሕጂ፡ እዚ እምኒ ናብ ርሕሚ ክኣቱ ምግባር ቅቡል’ዩ ዝብላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ምርባሕ ኣካላትን ጾታዊ ርክብን ብዝተሓሓዝ “ጥቕሚታት ኣለዎ” እየን ዝብላ።
ካብቶም ረብሓታት እዚ እምኒ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ዘለው ጕዳያት፡ ርሕሚ ምጽራይ፡ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት ምፍኳስ፡ ድልየት ጾታዊ ርክብ ምውሳኽ፡ ጭዋዳታት ርሕሚ ምጥንካርን ጐሎ ንምስፋሕን ዝብሉ ይጠቕሳ።
ይዅን’ምበር፡ ሰብ መዚ ጥዕና እዞም ኣእማን ምጥቃም ልዑል ጥዕናዊ ሓደጋታት ኣለዎ ብምባል ንዓመታት ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብ ሕሉፍ፡ መርበብ ሓበሬታ ‘ጕፕ’ ዝተባህለ ብኣመሪካዊት ተዋሳኢት ጂነት ፓልትሮው ዝመስረተ ኩባኒያ፡ እዞም ኣእማን ኣብ ውሽጢ መራብሒ ኣካል ጓል ኣንስተይቲ “ተኣምር ይፈጥሩ’ዮም” ብምባል ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሰፊሕ ክትዓት ኣልዒሉ ነይሩ።
እዚ ትካል፡ ኣብ መስከረም 2018 [ኣ.ኤ] ብዛዕባ እዞም ናብ ኣእማን ብሳይንሳዊ መርትዖ ዘይተደገፈ ሓበሬታ ብምቕራብ 145 ሽሕ ዶላር ክኸፍል ቤት ፍርዲ ወሲኑ ነይሩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ዋጋ እንቋቑሖታት 'ጃዴ'፡ ኣስታት 66 ዶላር ከም ዝዀነ ይሕብር፤ እዚኦም ሕጂ’ውን ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣይተኣለዩን።
ይዅን'ምበር፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ነዚኦም ማእከል ዝገበረ ብሳይንስ ዘይተደገፈ ጥዕናዊ ሓበሬታታት ከይህብ ግን ተኸልኺሉ እዩ።
ቤት ፍርዲ፡ ብተወሳኺ ዘይተረጋገጹ ናውቲታት ጥዕና ከይሸይጥን ከየወዓውዕን ኣጊዱዎ።
ሰብ ሞያ ጥዕና’ውን ‘ጃዴ ስቶንስ’ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ ከም ዘለወን ኣጠንቂቘም’ዮም።
ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ረኽሲ
እቲ ካብዞም ኣእማን ይርከብ እዩ ዝበሃል 'ረብሓታት' ብዝዀነ መዐቀኒ ልክዕ ከም ዘይኰነ እትገልጽ ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ራህዋ ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ዶ/ር ማርታ ስዩም፡ ደቂ-ኣንስትዮ በዞም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝዝርግሑ ዘለው ግጕያት ሓበሬታ ንሓደጋ ከይቃልዓ ተጠንቅቕ።
"ኣብ ጐሎ ማህጸን ዝርከብ ጅማውቲ ካብ ብዝሒ ውላድ፡ ብዝሒ ጻዕሪ ክደክም ይኽእል እዩ። እዚ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘይምዕጋብ፡ ሽንቲ ናይ ምቁጽጻር ጸገም፡ ኣብ ከባቢ ትሕቲ ፍሕኛ ቀጻሊ ዝዀነ ቃንዛ ክመጽእ ይኽእል። እዚኦም ግን በዚ መገዲ ዝዕረዩ ኣይኰኑን" ትብል።
እዞም ምልክታት ዘለዋ ጓል-ኣንስተይቲ ነቲ ጅማውቲ ክጥንክር ዝሕግዝ ናይ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ክህሉ ብምግባር እቲ እትደልዮ ለውጢ ክትርኢ ትኽእል እያ።
ኣብ መናድቕ ርሕሚ ምድካም እንተሃልዩ ብሕክምና ዝወሃብ ምንቅስቓስ 'ፐልቪክ' ኣሎ፤ እዚ ድማ ብክኢላ ማህጸን ጥራይ'ዩ ክወሃብ ዝኽእል።
ነዚ ዕላማ ተባሂሉ እዚ እምኒ ናብ ውሽጢ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ግን፡ "መናድቕ ናይቲ ርሕሚ ነቲ እምኒ ንደገ ንከይወጽእ ተጨቢጡ'ዩ ክሕዞ፤ ንነዊሕ ሰዓታት ተጨቢጡ ክሕዞ እንከሎ ድማ እቲ ጅማውቲ ይጭበጥ እምበር ኣይተርርን" ኢላ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ብርቱዕ ቃንዛ ከስዕብ ይኽእል፤ እዚ ድማ ኣብ ከባቢ ፍሕኛ ዘየቋርጽ ቃንዛ ይፍጠር።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ እቶም ኣእማን 'ስልኬት' ብዝበሃል ኬሚካል ዝተሰርሑ እዮም። እዚኦም ብዓይንና ክንሪኦ እንኽእልን ዘይንኽእልን ነዃላት ኣለዎ።
"እዚኦም ኣውጺእካ ሓጺብካ፡ኣጽርየ'የ ዝጥቀመሎም ዘለኹ ኢልካ እንተሓሰብካ’ውን ብዓይንኻ ዘይርኣዩ ባክተሪያ ኣብ ውሽጡ ክህልው ይኽእሉ’ዮም። ኵል ግዜ ክኣቱን ክወጽእ እንከሎ ድማ ነቲ መናድቕ ርሕሚ ክልሕጽጾ ይኽእል’ዩ፤ ካብኡ ሓሊፉ እቶም ባክቴሪያ ናብ ርሕሚ ክኣትው እንከለው ብዙሕ ዓይነት ረኽሲ የምጽኡ።"
እዞም ረኽሲታት፡ ካብ ብቐሊሉ ክሓዊ ዝኽእል 'ባክቴሪያል ቫጂኖስስ' ዝበሃል ክሳብ 'ቶክሲክ ሾክ ስንድሮም' ዝበሃል ህይወትና ከስእነና ዝኽእል ረኽሲታት ከምጽኡ ይኽእሉ።
"በዚን ካልእን'ዮም እዞም ኣእማን ብሕክምና ተቐባልነት ስለ ዘይረኸቡ ኣብቲ ዓውዲ ክርከቡ ዘይክእሉ። ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ኵሉ ነገር ከኣ ብዓይኒ ሕክምና ቅቡል እዩ ማለት ኣይኰነን" ብምባል ደቂ ኣንስትዮ ጥንቃቐ ክገብራ ዶ/ር ማርታ ትምዕድ።
ዝዀነ ምስ ጾታዊ ርክብ ወይ ማህጸን ዝተኣሳሰር ጕዳያት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብቐጥታ ንበዓል ሞያ ከማኽራ ከም ዘለወን ሰብ ሞያ የገንዝቡ።
ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ርሕሚ ክፈልጣኦም ዝግባእ ሓቅታት
ኣብዚ እዋን፡ ብዛዕባ መራብሒ ኣካላት፡ ጾታዊ ርክብን ካልኦት ተዛመድቲ ጕዳያትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ዘይጭበጡ ወግዕታት ክቐርቡ ይልመድ እዩ ዘሎ።
ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ክኢላ ሕክምና ማህጸን ኰይና ዝሰርሐት ዶክተር ጄን ጋንተር፡ እዞም ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ሆርሞንን ስርዓተ-ጽግያትን ንምጥዕዓም፡ ኣብ ትሕቲ ማህጸን ዝርከብ ፊሕኛ ንምቍጽጻር ይሕግዝ'ዩ" እናተባህለ ናብ ውሽጢ ርሕሚ ክኣቱ ዝግበር 'ጃዴ ኤግስ' ፈጺሙ ግጕይ ምዃኑ ብትሪ ተተሓሳስብ።
እዚ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሳይንስን ዘይድግፉዎ ልምዲ ብሳይንሳዊ መገዲ ኰይኑ፡ ዶ/ር ጄን ብ2019 [ኣ.ኤ] ዘሕተመቶ 'The Vagina Bible' ኣብ ዝብል መጽሓፋ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ርሕመን ክፈልጣኦም ዝግባእ መሰረታዊ ነጥቢታት ትጠቅስ።
1. ርሕሚ ባዕሉ'ዩ ዘጽሪ
ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ጽርየት ርሕሚን ከባቢኡን ንምሕላው ዝተፈላለዩ ምህርትታት ክጥቀማ ይደልያ።
ውሽጣዊ ክፍሊ ርሕሚ ንምጽራይ ግን ዝዀነ ዓይነት ምህርቲ ምጥቃም ከም ዘየድሊ እትዛረብ ደ/ር ጄን ባዕሉ ንባዕሉ ዘጽሪ ከም ዝዀነ ትሕብር።
ብፍላይ ድማ፡ ብልዕቲ ንምጽራይ ጨና ዘለዎም ፈሳስታት ምጥቃም ጐዳኢ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ካብዚ ተግባራት ምቝጣን ከም ዘድሊ ተገንዝብ።
"ከም ሃፋ ማይ ምዕጣንን ካልኦት ተግባራትን'ውን ኣይጠቕሙኽንን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንኽትቃጸላ እዮም ዝገብሩኽን" ትብል።
ንደጋዊ ኣካል ብልዕቲ ማለት'ውን 'ቫልቫ' ግን ኣድላይ እንተዀይኑ፡ ብማይን ልስሉስ መናጽህን ምጽራይ ይከኣል።
ሳሙና እንድሕር ትጥቀማ ኴንክን፡ ንደጋዊ ሽፋን ቈርበት 'ቫልቫ' ክገፎ ይኽእል እዩ።
በዚ ድማ ኣብ ግዜ ጽንፈት-ጽግያት [menopause] ለውጢ ሆርሞናት እንከጋጥም፡ ንደጋዊ ኣካላት (ቫልቫ) ስለ ዘድርቘን ምቹእነት ስለ ዘስእንን ከም ዘይቲ ኮኮስን ኣውሊዕን ምጥቃም ከም ዝከኣል ኣብ መጽሓፋ ጠቒሳ።
ዋህዮታት ርሕሚ፡ ካብ ካልእ ክፋል ቈርበትና ብዝቐልጠፈ፡ ብናይ 96 ሰዓታት ፍልልይ ስለ ዝትክኡ፡ እቲ ዝተገፈፈ ኣካል ቀልጢፉ'ዩ ዝሓዊ።
2. ንርሕሚ ዝሕልው ባክቴሪያታት
ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብተፈጥሮኡ ጥዑይ ኰይኑ ንኽጸንሕ ዘኽእሎ፡"ብሉጻት" ባክቴሪያታት ይዓቁር።
ንርሕሚ ብገደና እትምስሎ ዶ/ር ጄን፡ እዞም ዝዓቝሮም ባክቴሪያታት "ስነ-ማሕድሮ ርሕሚ [vaginal ecosystem] ጥዕናኡ ዝሓለወ ክኸውን ዝገብሩ እዮም" ትብል።
እዚ ጽቡቕ [ጥዕናኡ ዝሓለወ] ባክተርያ፡ ኣብ ርሕሚ ውሱን መጠን ኣሲድ ዘለዎ ከባቢ ዝፈጥር ትሕዝቶ የፍሪ፤ እዚ ኸኣ "ሕማቕ" ባክተርያ፡ ነቲ ከባቢ ከይቈጻጸሮ ይገትእ።
ብተወሳኺ፡ ልስላሰ ርሕሚ ዘቐጽል 'ሚዩከስ' ዝተባህለ ፈሳሲ'ውን ባዕሉ የመንጩ። ነዚ ድማ'ዩ ርሕሚ ንባክተርያ ብዝጻባእ መሐበሲ ምጽራግ ዘይመዓድ።
ብተመሳሳሊ፡ ቈርበት 'ቫልቫ' ርሑስ ክኸውን ከም ዘለዎ ብምሕባር ደጋዊ ክፋል ርሕሚ 'ቫልቫ' ንምድራቕ፡ ማሽን መንቀጺ ጸጕሪ ምጥቃም ከም ዘይድሊ፡ ዶክተር ጄን ጋንተር ትምዕድ።
3. ኣብ ግዳማዊ ርሕሚ ዘሎ ጸጕሪ ዝምልከት
ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ መጻምደን ብዝመጽእ ጸቕጢ ይዅን ረብሓ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ መራብሒ ኣካላተን ዘለው ነገራት ዘለወን ፍልጠት ድሩት ካብ ምዃኑ ብዝብገስ ዝተፈላለዩ ንጥዕናአን ዝጻብኡ ልምድታት ክገብራ ይረኣያ።
ካብኣቶም እቲ ሓደ፡ኣብ ዙርያዊ ግዳማዊ ክፋል ርሕሚ [Pubic] ከባቢ ዘሎ ጸጕሪ ምእላይ እዩ።
ዶ/ር ጄን፡ እዚ ጸጕሪ ክላጸ እንከሎ ኣብቲ ቈርበት ቅሩብ [ማይክሮስኮፓዊ] ስምባደን ረኽስን ከም ዝፈጥር ትዛረብ።
እዚ ውልቃዊ ምርጫ ሰባት'ውን ዝውስኖ ስለ ዝዀነ ግን፡ ነዚ ጸጕሪ ክኣልያ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ንጹህ መላጸ ክጥቀማን ንቘርበተን ኣቐዲመን ከዳልዋ ከም ዝግባእ ትምዕድ።
ነፍሲ ወከፍ ጸጕሪ ምስ መትኒታት ዝተላገበ ስለ ዝዀነ ግን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዓርሱ ዝኽኣለ ግደ ከም ዘለዎ ገሊጻ።
"ነዚ ድማ'ዩ እቲ ጸጕሪ ምእላይ ቃንዛ ዝፈጥርን ጐዳኢ ዝኸውንን።"
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ዕድመ ኣብ ጥዕናና ዘምጽኦ ለውጢታት ከም ዘሎ ምግንዛብ ኣድላዪ'ዩ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ድሕሪ ንነዊሕ ዓመታት ዘጋጥመን ምፍሳስ ወርሓዊ-ጽግያትን ቈልዑ ምውላድን፡ ማህደረ-እንቋቑሖ፡ እንቋቑሖ ምፍራይ ስለ ዘቋርጽ ጽንፈተ ጽግያት የጋጥም።
ጓል-ኣንስተይቲ መፍረይት ኰይና ንኽትቕጽል ዝገብሩ ኣብ ኣካላታ ዝርከቡ ሆርሞናትን ትሑት መጠን ኤስትሮጅንን፡ ብሃንደበት ንርሕሚን 'ቫልቫን' ይሃስይዎ።
ኣብ ሓደ እዋን 'ሚዩከስ' ዝተባህለ ፈሳሲ ብምዕቃብ፡ ራሕሲ ርሕሚ ዘቐጽሉ ዝነበሩ መትኒታት'ውን ይደኽሙ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ሕጽረት ልስላሰ ስለ ዝፍጠር፡ ኣብ እዋን ጾታዊ-ርክብ ቃንዛ ክህሉ ይኽእል።
ዶ/ር ጄን፡ ኣብዚ እዋን ሓገዝ በዓል ሞያ ጥዕና ምርካብ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ተዘኻኽር።