ኤርትራ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ቻምፒዮን ኤርትራ 2024 ኰይኑ

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ሎሚ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ኣባል ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ድማ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኰይኑ።

ጋንታ ሊድል ትሬክ ኣብ ቻምፒዮን ኤርትራ 2024 ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብመገዲ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ኣብ ናይ ጽርግያ ከኣ ብመገዲ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንኽልቲኡ ወርቂ መዳልያታት ሓፊሳቶ።

ጸወታ ከመይ ነበረ?

ኣብ ኤርትራ ቅድድም ብሽክለታ እቲ ኣዝዩ ፍቱው ዓይነት ስፖርት እዩ።

እዚ ውድድር ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ኰይኑ፡ ኵሎም ኣብ ደገ ዝወዳደሩ ፕሮፌሽናላት ምስቶም ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቐዳደምቲ ዝራኸብሉ ውድድር’ዩ።

ብሓፈሻ ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ብኽልቲኡ ጾታ ናይ ኢሊት፡ ትሕቲ 23 ከምኡ ከኣ ናይ ጁንየር ውድድር’ዩ ተኻይዱ ብሓፈሻ ከኣ ሽዱሽተ ብባንዴራ ዝወቐባ ማልያታትን ሽዱሽተ ወርቂ መዳልያታት’የን ተዳልየን።

ኣብ ኩሉ ምድባት ብኽልቲኡ ጾታ 309 ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም።

ኣብ መጀመርታ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘካየደኦ ውድድር ነቲ ዝተሰረዓለን 40.8 ኪሎ ሜትር ኤልዳና በረኸት ካብ ጋንታ ደንደን፡ ዮርዳኖስ ርእሶም ካብ ጋንታ ሰራየር ሳዋ ከምኡ ከኣ ናርዶስ ጸጋይ ብውልቂ ብቕደም ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውጻእ ተዓወትቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያን ኰይነን።

ኣብ ትሕቲ 23 ደቂ ኣንስትዮ ዓሚ ቀዳመይቲ እዚ ውድድር ዝዀነት ቅሳነት ወልደሚካኤል ካብ ጋንታ ሰራየር ሳዋ፡ ኣድያም ዳዊትን ካብ ጋንታ ደንደን ሮማን ጉዕሽ ካብ ጋንታ ደንደን ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሳልሰይቲ ኰይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ኢሊት ደቂ ኣንስትዮ’ውን እተን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሳልሳይ ኰይነን ውድድረን ዝዛዘማ ቅሳነት፡ ኣድያምን ሮማን ከክልተ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ተሸሊመን።

ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኤፍሬም ዘርኣጋብር ካብ ጋንታ ናትና ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ኰይኑ።

ናብ ሓኸለ እቲ ጸወታ ከነብል

ልክዕ ሰዓት ዓሰርተን ፈረቃን ከኣ እቲ ብዙሕ ሰብ ዓመት ሙሉእ ሃንቀው ዝበሎ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር'ዩ ጀሚሩ።

እቶም ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ሆጭ ኢሎም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ተዓዘብቲ ንተቐዳደምቲ ብጣቅዒት ኣሰንዮ ውድድሮም ኣጀሚረሞም።

ኣብዚ ውድድር ዓወት ኣማን፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ዳዊት የማነ፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ከምኡ'ውን ከም ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ መትከል እዮብ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዳዊት የማነ ዝኣመሰሉ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ዓቢ ሽም ዘለዎም ተቐዳደምቲ፡ ኣብዚ ውድድር ቻምፒዮን ንምዃን ተሰሪዖም ኣትዮም።

እቲ ውድድር፡ 173 ኪሎ ሜተር እዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ እዚ ውድድር እዚ ካብ ተቐዳደምቲ ናይ ውሽጢ ሃገር’ውን ዝለዓለ ማህደረ ትምህርቲ ንምርካብ እዚ ውድድር እዚ ክሳብ ክንደይ ከም ዘገድሶም ርዱእ’ዩ።

ጸወታ ሓደ ዙር ጥራይ ምስ ተለዓሎ’ዩ ናይ ምሙላቕ ፈተነታት ተኻይዱ።

12 ተጻወትቲ [ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መትከል እዮብ ዝርከብዎም]ዝሓቖፈት ሓንቲ ጉጅለ ናብ ቅድሚት ብምውጻኣ ዓባይ ጉጅለ ክትሕቖን ጀመረት።

ካልኣይ ዙር ኣብ ዝተሸፈነሉ ከኣ እቲ ፍልልይ ኣስታት 40 ካልኢት ክበጽሕ ከኣለ።

ኣብ ሳልሳይ ዙር መራሒት ጉጅለ ፈልልያ ኣብ ዘግፋሓትሉ፡ ኣብ ዓባይ ጉጅለ ካብ ዝነበሩ ቢንያም ግርማይ፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን ዳዊት የማንን ንዓባይ ጉጅለ ብተደጋጋሚ ክስሕብዋ ይርኣዩ ነይሮም።

ራብያይ ዙር ኣብ ዝፈለምሉ፡ ካብ ዓባይ ጉጅለ በዓል ቢንያም ግርማይን ዳዊት የማነን ያፌት ሙሉጌታን ዝርከብዋ ሓንቲ ሽዱሽተ ተጻወትቲ ዝሓቆፈት ጉጅለ ተመስረተት።

ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ዝመርሓ ዓበይ ጉጅለ ግን ንበዓል ቢንያም ቀልጢፋ ወሓጠቶም።

ራብዓይ ዙር ኣብ ምዝዛሙ መራሒት ጉጅለ ፍልልያ ናብ ልዕሊ ክልተ ደቂቕ ኣብ ዝበጽሓሉ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሻዱሻይ ርእሱ ካብ ዓባይ ጉጅለ ብምሙላቕ ንዓባይ ጉጅለ ሓዊ ዘርኣላ።

ኣብ ሓሙሻይ ዙር፡ ዓባይ ጉጅል ንጉጅለ ሄኖክ ንምርካብ ብመርሃዊ ቅዱስ እናተቐለሰት ኣብ ትስሕበሉ ዝነበረት ምስታ ዘገም እናበለት ትዝውር ዝነበረት ቀዳመይቲ ጉጅለ ፍልልያ ከተጽብብ ጀመረት።

ምስ ሄኖክ ዝነበራ ፍልልይ ግን ናብ 40 ካልኢት በጽሐ። ዓባይ ጉጅለ ከኣ ኣብ ዓቐበት ፎርቶ ብብርቱዕ ሃልኪ ወሓጠቶም።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተሸለምቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ መዋእል ግርማይን ያፌት ሙሉጌታን

ምንጪ ስእሊ,ERITREA MINISTRY OF COMMUNICATION

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተሸለምቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ መዋእል ግርማይን ያፌት ሙሉጌታን

ሻዱሻይ ዙር ኣብ ምፍራቑ፡ ቀዳመይቲ ጉጅለ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበራ ፍልልይ ናብ ክልተ ደቂቕን ፈረቓን በጹሑ ነይሩ፤ ብቦታ ንምርድኡ መራሒት ጉጅለ ፎርቶ ክትድይብ እንከላ ዓባይ ጉጅለ ከረን ሆቴል’ያ ነይራ።

ጸወታ 70 ኪሎሜተር ጥራይ ምስ ተላዓሎ ዓባይ ጉጅል ክትበታተን ተራኣየት። እቲ መሳጢ ጸወታ ከኣ ኣብዛ ዓባይ ጉጅለ’ዩ ዝርአ ነይሩ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ተደጋጋሚ ናይ ምህዳም ፈተነታት የካይድ ነይሩ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ሻውዓይ ዙርያ ሳልሳይ ርእሱ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ናህሩ ብምሕያል ምስ መራሒት ጉጅለ ዝነበሮ ፍልልይ ናብ 40 ካልኢት ኣውረዶ፤ ንዓባይ ጉጅለ ከኣ ናይ ደቂቕን ፈረቓን ፍልልይ ኣንጸፈላ።

ሄኖክ ናብ መራሒት ጉጅለ ምስ ዝጽንበር ንዓባይ ጉጅለ ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ስለ ዝተረድኡ ኣብ ዓባይ ጉጅለ ስኳቶታት በዝሐ።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ዓባይ ጉጅለ መጥቃዕቲ ብምፍናው ንዓባይ ጉጅለ ፋሕ ፋሕ ኣበልዋ።

መራሒት ጉጅለ ሄኖክ ከየርክባ ክትሃድም ፡ ዓባይ ጉጅለ ከኣ ሄኖክ ስለ ዝሃደማ ክትሃድን ጸወታ ሓዊ ተቐየረ።

ኣብ ሻሙናይ ዙርያ፡ ቀዳመይቲ ጉጅለ 12 ተቐዳደምቲ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሳልሳይ ርእሱ ካልኣይቲ ጉጅለ፡ ንኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ቢንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቅዱን ዝርከብዎም ሸውዓተ ተቀዳደምቲ ከኣ ሳልሰይቲ ጉጅለ መስሪቶም ንተዓዛቢ ዘዕግብ ጸወታ ክርኢ ጀመረ።

ኣብ ታሽዓይ ዙር ናብ ዓቐበት ፎርቶ ኣብ ምድያብ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንመትከል እዮብ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን መዋእል ግርማይን ሒዙ መጥቃዕቲ ብምፍናው ካብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ሃዲሞም ብምውጻእ ኣብ ቅድሚት ናይ በይኖም ጉጅለ ፈጠሩ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ነቶም ዳሕረዎት ኣባላት ናይ ቀዳመይቲ ጉጅለ ኣርከባ። ንብዓል ናትናኤል ኣብ ምህዳን ከኣ እስኳትኡ ኣትሪሩ ቀጸለ።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሄኖክ ሙሉብርሃን ዝበለጸ ተጻዋታይ እዚ ውድድር’ዩ ኢልካ ደፊርካ ክትዛረብ ዘኽእል ጸወታ’ዩ ኣርእዩ።

ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዙር ተቐዳደምቲ ብሜዳ ባሕቲ መስከረም ክሓልፉ እንከለዉ ልዕሊ ዓሰርተ ጉጅለታት ተመስሪተን ነይረን።

እተን ቀንዲ ተጠመትቲ ጉጅለታት ግን ኣብ ቅድሚት ዝነበረተ ንናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መትከል እዮብ፡ መዋእል ግርማይ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዝሓዘት ቀዳመይቲ ጉጅለ፡ ጴጥሮስ መንስግስ ዝርከቦም ኣርባዕተ ተጻወትቲ ዝሓዘት ሳልሰይቲ ጉጅለ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንበይኑ፡ ብዓል ቢንያም፡ ኣማንኤል፡ መርሃዊ ዝሓዘት ራብዓይቲ ጉጅለን’የን ነይረን።

ዳርጋ ንኹሎም ተጻወትቲ ዞባ ማእከል ዝሓዘት ዓባይ ጉጅለ ከኣ ኣብ ድሕሪት ኰይና ተስፋ ዝቘረጸት ትመስል።

ጸወታ ክዛዘም ሓሙሽተ ዙራት ምስ ተረፎ፡ ብዓል ቢንያም ግርማይ ምስ መራሒት ጉጅለ ዝነበራ ፍልልይ ናብ ደቂቕን ፈረቓን ኣውረድዎ።

ግዜ ሓልዮም ንመራሒት ጉጅለ ክውሕጥዋ ዝኽእሉ መሰሉ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ንበዓል ጴጥሮስ መንግስ ሒዛ ዝነበረት ካልኣይቲ ጉጅላ ኣብ ከባቢ ኢንሹራንስ ኣርኪቡ ስኳቶ ብምግባር ክበታትና ጀመረ።

ጸወታ ክዛዘም ኣርባዕተ ዙርያታት ምስ ተረፎ፡ ኣብ መንጐ ቀዳመይትን ካልኣይትን [ጉጅለ ሄኖክ] 30 ካልኢት፡ ኣብ መንጐ ካልኣይትን ሳልሰይትን ጉጅለ [ብዓል ቢንያም] 30 ካልኢት ፍልልይ ተፈጢሩ።

ኣብ ዓቐበት ፎርቶ ናትናኤል ተስፋጽዮን መጥቃዕቲ ብምግባር ንመዋእል ግርማይን መትከል እዮብን ግዳይ ገበሮም፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ግን ስኳቶ ናትናኤል ብምሓዝ ኣሰሩ ሰዓበ።

ኣብ ከባቢ ኢንሹራንስ በዓል ቢንያም ግርማይ ንጉጅለ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብምውሓጥ ሓንቲ ጉጅለ ፈጠሩ።

ናትኤል ተስፋጽዮንን ኣክሊሉ ኣረፋይነን ካብ ብዓል ቢንያም ግርማይ ናይ ደቂቕን ፈረቃን ፍልልይ ኣንጺፎም ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ይምርሹ።

ቻምፕዮን ኤርተራ ትሕቲ 23 ዓመት ኣኽሊሉ ኣረፋይነ
መግለጺ ስእሊ,ቻምፕዮን ኤርተራ ትሕቲ 23 ዓመት ኣኽሊሉ ኣረፋይነ

ኣብ 2023 ጸወታ ክዛዘም 4 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ዓወት ኣማንን ጴጥሮስ መንግስን ካብ ዓባይ ጉጅለ ሃዲሞም ብምውጻእ’ዮም ቀዳማይን ካልኣይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ነይሮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2022’ውን መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ጸወታ ገና 70 ኪሎሜተር ጥራይ ምስ ተላዓሎ ብምህዳም ንበይኖም እናተበራረዩ ክስሕቡ ብምውዓል’ዮም ቀዳመይን ካልኣይን ኰይኖም ኣትዮም።

ሎሚኸ ናትናኤልን ኣኽሊሉን ብዘይተቃጻጺ'ዶ ኣብ መወዳእታ መስመር ይበጽሑ ክርአ’ዩ።

ጸወታ ክዛዘም ክልተ ዙርያታት ምስ ተረፎ፡ መርሃዊ ቅድስ ኣብ ልዕሊ ብዓል ቢንያም፡ ሄኖክን ኣማንኤልን ስኳቶ ብምግባር ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መዋእል ግርማይ ኣርከቦ፤ ኣማንኤል፡ ቢንያምን ሄኖክን ከኣ ሓንቲ ጉጅለ ፈጢሮም ይቅጽሉ።

ጸወታ ክዛዘም 15 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ናትናኤልን ኣኽሊሉን ኣብ ቅድሚት፡ መትከል እዮብ ንበይኑ ካልኣይ፡ መርሃዊ ቀወዱስን መዋእል ግርማይን ሳልሰይቲ ጉጅለ፡ ሄኖክ፡ ኣማንኤልን ቢንያም ግርማይን ከኣ ራብዓይቲ ጉጅለን ሒዞም ጸወታ መን ክዕወት ይኽልእ ናይ ዘይግመተሉ ደረጃ ኣዕረግዎ።

ጸወታ ሓደ ዙርያ [10.2ኪሎሜተር] ምስ ተረፎ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ተሪር መጥቃዕቲ ብፍናው ንደገፍቱ ጽቡቕ ጸወታ ከርኢ ጀመረ፡ እንተኾነ ወዲ ጋንትኡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ቅድሚት ስለ ዝነበረ ንበዓል ቢንያም ግርማይ ሑዝካ ምእታው ከም ዘየርብሕ ስለ ዝተረድኦ ነዊሕ ከይዘወረ ፍጥነቱ ነክዩ።

ናይ መወዳእታ ዙርያ ፍርቂ ምስ ተላዕሎ፡ ኣኽሊሉን ናትናኤልን ንበይኖም ናብ መወዳእታ ከም ዝበጽሑ ርጉጽ ኰይኑ።

ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ክኸውን ዝኸኣለ ተቀዳዳማይ’ዩ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን’ውን ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ኣብ 2022'ውን ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ንመርሃዊ ቅዱስ ስዒቡ ካልኣይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ክከውን ክኢሉ'ዩ።

ሎሚ ኸኣ ሓዲኦም ቻምፒዮን ኤርትራ 2024 ዝብል ሓድሽ ማዕረግ ክውሰዀም'ዩ።

ኣብ ከባቢ ኢንሹራንስ ናትናኤል ንኣኽሊሉ ስኳቶ ገይሩ ኣብ ሓጺር ርሕቐት ማሕደገሉ።

ናትናኤል ንኣኽሉሉ ብምርሕራሕ ንበይኑ ኣብ መስመር ሕንጻጽ ብምርግጋጽ ቻምፕዮን ኤርትራ 2024 ብምዃን ንመጀመርታ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ኰይኑ።

ኣመሪካዊት ጋንታ ትሬክ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ብመገዲ ኣማንኤል ገብረእግኣብሄር ኣብ ናይ ጽርጋያ ከኣ ብመገዲ ናትናኤል ተስፋጽዮን ክልተ ወርቂ መዳልያ ወሲዳ።

ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካልኣይ፡ መትከል እዮብ ሳልሳይ፡ መዋእል ግርማይ ራብዓይ መርሃዊ ቅዱስ ሓሙሻይ፡ ቢንያም ግርማይ ሻዱሻይ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ሻውዓይ ወጺኦም።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ወርቂ፡ መዋእል ግርማይ ካልኣይ ብሩር ፡ ያፌት ሙሉጌታ ከኣ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸለምቲ ነሓስ መዳልያ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ሎሚ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነ ናትናኤል ተስፋዮን ኣብ ልዕሊ ወርቂ መዳልያ ናይ 10 ሽሕ ናቕፋ ሽልማት'ውን ተበርኪትሉ'ዩ፡ ምስቲ ኣብ ማራቶን ኣስመራ ንቀዳማይ ዝተውሃበ 90 ሽሕ ናቕፋ [6000 ዶላር] ብምንጽጻር ግን እቲ ሽልማት ኣዝዩ ውሒዱ ዘየብል ኣይኮነን።

ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀኑ

  • 2023፡ ዓወት ኣማን
  • 2022፡ መርሃዊ ቅዱስ
  • 2021፡ ዳዊት የማነ
  • 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን
  • 2019፡ ናትናኤል ብርሃነ
  • 2018፡ መርሃዊ ቅዱስ
  • 2017፡ ሜሮን ኣብርሃም
  • 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2015፡ ናትናኤል ብርሃነ
  • 2014፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር
  • 2013፡ ሜሮን ተሾመ
  • 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2011፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት