ኣሌክሳንደር በተን ትማሊ ዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ተሓጊዙ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት'ዚ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዘቝጸረን ሸቶታት 19 በጺሐን። ሰለስተ እንተ ወሲኹ ድማ ኣብታ ክለብ ዝዓበየ ወፍሪ ዝተኻየደሉ ተጻዋታይ ክኽውን እዩ።
ብጠቕላላ ናብ ፕረምየር ሊግ ካብ ዝመጽእ ዘቝጸሮ ሸቶታት 50 በጺሑ ይርከብ። እዘን ሸቶታት ከኣ ኣብ ዝለዓሉ 76 ጸወታታት ዘመዝገበን እየን።
ኣብ ታሪኽ እዚ ውድድር፡ 6 ተጻወትቲ ጥራሕ እዮም ብዝቐልጠፈ ናብ 50 ሸቶታት ምምዝጋብ ዝበጽሑ፣ እዚ ድማ እቲ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ተጻዋታይ ምዃኑ ዘመስክር እዩ።
ሓላዊ ልዳት እንግሊዝ ነበር ጆ ሃርት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ በጺሑዎ ዘሎ ዘገርም'ዩ። ኣብ ፕረምየር ሊግ ጥራሕ ዘይኰነ ከኣ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣጥቃዕቲ ሓደ እዩ፡" ኢሉ።
"ኣዝዩ ብቑዕን ቅልጡፍን እዩ። ኵሉ ዓይነታት ሸቶታት ስለ ዘመዝግብ ድማ ኵሉ ሳዕ ንተኸላኸልቲ ኣስጋኢ እዩ።"
"ካብቶም ቅድሚኡ ቀልጢፎም ናብ 50 ሸቶታት ዝበጽሑ ተጻወትቲ ዝተፈልየ ስለ ዝዀነ፡ ደው ከተብሎ ኣጸጋሚ እዩ።"
ጆ ሃርት፡ "እቲ ብዛዕባኡ ዝፈትዎ፡ ከምቶም ኣብ መጥቅዒ ቦታ ደው ኢሎም ዝጽበዩ ተጻወትቲ ኣይኰነን፣ ኩዕሶ ዝሰርሕ እውን እዩ፡" ይብል።
"ንሱ ሉል ኒውካስል እዩ። ኣብ 25 ዓመት ዕድመኡ ዘሎ መንእሰይ እዩ፣ ገና ሸውሃት ኣለዎ። ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።"
እቶም ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ቀዲሞም ብዝቐልጠፈ 50 ሸቶታት ዝበጽሑ ተጻወትቲ፡ ኤርሊን ሃላን ኣብ 48 ጸወታታት፡ ኣንዲ ኮል ኣብ 65 ጸወታታት፡ ኣላን ሸረር ኣብ 66 ጸወታታት፡ ሩድ ቫን ኒስቶርለይ ኣብ 68 ጸወታታት፡ ፈርናንዶ ቶረስ ኣብ 72 ጸወታታት፡ መሓመድ ሳላሕ ኣብ 72 ጸወታታት እዮም።
ውድድር ዋንጫ ፕረምየር ሊግ ኣብቂዑ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
እቶም ዕሉላት ደገፍቲ ሊቨርፑል፡ ትማሊ ሰንበት ጋንታኦም ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ እትገጥመሉ ዝነበረት ግዜ፡ "ፕረምየ ሊግ ክንዕወተሉ ኢና፡" እናበሉ ብሓባር ክጭድሩ ኣምስዮም።
ሊቨርፑል ንማንቸስተር ሲቲ 2 ብ 0 ረቲዓ፡ ካብታ ብድሕሪኣ እትስዕብ ኣርሰናል ብ11 ነጥቢ ማሕዲጋ ኣላ።
ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ኣርነ ስሎት፡ "ሓቆም ድዮም ደገፍትኹም፡ ጋንታኹም ነዚ ሊግ ክትዕወተሉ ድያ?" ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ኣብ ካልእ ሊጋት እንተ ዝኸውን ከምዚ ዓይነት ፍልልይ የተኣማምን እዩ። ኣብ ፕረምየር ሊግ ግን ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ምኽንያት ከቐምጥ ከሎ "ነፍስ-ወከፍ ጸወታ ናቱ ዝዀነ ብድሆ ኣሎ። ፕሊማውስ ኣርጋይል ከይተረፈት ኣብ ኤፍ.ኤ ካፕ ክትብድሃና ተዓዚብናያ ኢና፡" ይብል።
"ደገፍቲ ከም ቃሕታኦም ክደርፉ ይኽእሉ እዮም። ንሕና ግን ክሳዕ ክንደይ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና። ከምኡ ኣሚነ ኣይፈልጥን፣ ሕጂ'ውን ዋላ ሓንቲ ክብል ኣይኰንኩ፡" ይውስኽ።
ስሎት ከምዚ እኳ እንተ በለ፡ ታሪኽ ግን ምስ ዘረባኡ ኣይሰማማዕን እዩ።
ኣብ ዝዓለፉ ገለ ዓመታት፡ ክኽሰር ዘይክእል መሪሕነት ዝተመንጠላ እኳ እንተ ነበራ፡ ብኸምዚ ሎሚ ሊቨርፑል ማሕዲጋቶ ዘላ ግን ኣይኰነን።
እዚ ድማ ኣብ 1997-8 ማንቸስተር ዩናይትድ ብ2 መጋቢት ንኣርሰናል ብ11 ነጥቢ በሊጻ ክትጓዕዝ ጸኒሓ፡ ኣብ ዝሰዓበ ክልተ ኣዋርሕ ኣርሰናል ሰጊራታ ቻምፕዮን ዝዀነትሉ ጥራሕ እዩ።
ጆ ሃርት፡ ኣርሰናል ትማሊ ቀዳም ኣብ ሜዳኣ ብዌስትሃም 1 ብ 0 ድሕሪ ምስዓራ፡ ኣርሰናል ናብ ውድድር ዋንጫ ክትምለሰሉ እትኽእል "መንገዲ የሎን፡" ኢሉ።
ስታድዮም ኢትሓድ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ሳዕ ጽምብል ዋንጫ ተዓዚቡ እዩ። ደገፍቲ ሊቨርፑል ከኣ ንኣንፊል ከረክቦ ክጭድሩ ኣምስዮም።
እቲ ውድድር ብቐመር ኣይተወድአን ክኸውን ይኽእል እዩ - ኩዕሶ እግሪ ተገማቲ ስለ ዘይኰነ።
ይዅን'ምበር፡ ሊቨርፑል ኣብዚ ወቕቲ ሓንሳእ ጥራሕ እያ ኣብ መስከረም ኣብ ሜዳኣ ብኖቲንግሃም ፎረስት ተሳዒራ።
ኣብዚ 11 ጸወታታት ጥራሕ ተሪፎዎ ዘሎ፡ 11 ነጥቢ ክትድርቢ ኢልካ ክትግምት ከቢድ እዩ። ሽዱሽተ ካብ ዝተረፋ ግጥማታ ድማ ኣብ ሜዳኣ ኣንፊልድ ስለ ዝዀነ እቲ ውድድር ዘብቅዐ ይመስል።