ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ዝመሳሰል ሓበሬታ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።
ሓንቲ ኣብ ነርወይ እትቕመጥ ኤርትራዊት፡ ኣቦኣን ኣደኣን ቪዛ ረኺቦም ክመጽኡ እናተጸበየት ንኣደኣ ክፍቀዳ እንከሎ፡ እቲ ጥዩስ ኣቦኣ ግን ካብ ሃገር ክወጽእ ፍቓድ ከም ዝተነፍጎ ሓቢራ።
ኣብ ገለ ምምሕዳራት ኣስመራ'ውን "ህልው ኵነታት" ብምብራህ፡ ደቀንስትዮ'ውን ከይተረፋ ክዕለማ ምዃነን ዝእንፍት ሓበሬታታት ከም ዝተዋህበ ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይመረጸ ኤርትራዊ ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ መምርሒ፡ ዝተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑ ዘለወን'ውን ከይተረፋ ናብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታተን ክምለሳ ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈ ዘመልክት እዩ።
ገለ ምንጪታት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቶም ብኢደ-ዋኒኖም ካብቲ ወተሃደራዊ ግዴታ ወጺኦም ዝጸንሑ፡ ብዘይ ዝዀነ መቕጻዕቲ ናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ጻውዒት ከም ዝቐረበሎምን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ድማ ናብ መሳርዖም ክምለሱ ይግበር ከም ዘሎን ይገልጹ።
ብተወሳኺ፡ ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ሃገር ክወጽኡ ዘድልዮም ቅድመ-ኵነት ከም ዝኸረረ፡ ጥዩሳት ዝነበሩ ትሕቲ 60 ዝዕድመኦም ድማ ካብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሰራዊት መሰነይታ ደብዳቤ ከምጽኡ ይግደዱ ከም ዘለዉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ገሊኡ መምርሒታት ዝነበረ ኰይኑ ክሳብ ክንድኡ ይኸርር ከም ዘይነበረ ዝገልጹ ምንጪታት፡ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ግና ኣዝዩ ጸኒዑ ከም ዘሎ ይሕብሩ።
ብሕልፊ እቲ ደቀንስትዮ ትሕቲ 50 ዓመት ከይወጽኣ ዝብል መምርሒ፡ ንህዝቢ ኣብ ዓቢይ ስንባደን ስግኣትን ከም ዘእተዎ ይንገር ኣሎ።
ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣደታት ናብ ዱባይ፡ ቱርኪ፡ ኢትዮጵያን ካልእ ሃገራትን እናተመላለሳ ንኡስ ንግዲ ብምክያድ ስድራቤተን ከም ዝኣልያ ይፍለጥ እዩ።
ትኬት ቈሪጸን ክገሻ ምስ ነቐላ "ከም ዘይፍቀድ" ተነጊሩወን ኣብ ምድንጋርን ስንባደን ከም ዝኣተዋ ዝረኸብናዮ ብተወሳኺ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ኤርትራ ዓበይቲ ሃገራዊ ውሳነታት ብመንገዲ ወግዓዊ ኣዋጃት ምንጋር ደው ካብ ዝብል ዓመታት ኣቝጺሩ እዩ።
ንምእታውን ምውጻእን ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝምልከት ብመልክዕ "መምርሒታት" ዝወጽእ ኰይኑ፡ በቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ዝመጽአ ህዝባዊ ምምሕዳራት ኣቢሉ እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝርአ። ብእኩብ መንገዲ ዝንገር ዘይኰነ ከኣ በብጉዳይካ ምስ ከድካ ትፈልጦ ምዃኑ ብዙሓት መረረኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
እዚ "ክተት" ዝመስል ወጺኡ ዝበሃል ዘሎ መምርሒታት'ውን ክገይሽ ዝደለየ ወይ ጉዳይ ዘለዎ ዝፈልጦ እምበር፡ ብቓልዕ ዝተኣወጀ ኣይኰነን። ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ተጣባቒ መሰላት ግን፡ እቲ ናብ ምምሕዳራት ዝወረደ መምርሒታት ኣብ ተግባር ክውዕል ጀሚሩ ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኢትዮጵያ ዝቕመጥ ኤርትራዊ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ምስ ዝነበረ ሃዋሁ ብምንጽጻር ተመሳሳልነት ከም ዝረኸበሉ ይገልጽ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት ኰይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝጸንሑ ትሕቲ 55 ዝዕድመኦም ሰብኡት፡ ናብ ግንባራት ውግእ ክኸቱ ጻውዒት ከም ዘቕረበሎም ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣባል ዕቝር ሰራዊት ማለት፡ ንዅሎም ካብ ምዱብ ሰራዊት በብእዋኑ ዝተፋነዉ ተጋደልትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝነበሩ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ ውልቃውን ሲቪላውን መንግስታዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ክሳብ 70 ዓመት ንዝዕድመኦም ዜጋታት ዝምልከት ምዃኑ ይፍለጥ።
ምልክታት ምብታኽ ዝምድና ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
እዚ "ወጺኡ" ዝበሃል ዘሎ መምርሒታት፡ ዝምድና መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናላሕልሐ መጺኡ ናብ ኲናት ከይሰጋገር ኣብ ዝፍርሓሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ፡ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንልዕሊ 20 ዓመት ናብ ኤርትራ ኣቋሪጹዎ ዝነበረ በረራ፡ ብ20 ሓምለ 2018 ዳግማይ ድሕሪ ምጅማሩ ካብ 3 መስከረም 2024 ኣትሒዙ ዳግማይ ክቋረጽ ከም ዝተወሰነ ዝዝከር እዩ።
በዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ፡ ምኽንያት መቋረጺኡ፡ "ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ [እቲ መንገዲ ኣየር] ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት. . ." ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ብዙሓት ተንተንቲ ግና መርኣያ ናይቲ "ምትፍናን" ዝምድና ናይ ክልተኦም መንግስታት ምዃኑ ክገልጹ ተሰሚዖም እዮም።
ኤምባሴ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ብደረጃ ኣምባሳደር ናብ ደረጃ ቈንስል ክወርድ ግዜ ዘይወሰደ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐአን ዝጸንሐ ናይ ተሌፎን ርክብ ድማ ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2024 ኣትሒዙ ከምዝተቛረጸ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ዓቢይ ኣሕመድ ኣትሒዙ ክሳብ ካልኦት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣፍ-ደገ ባሕርን ወደብን "ከም ዘድልያ" ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ "ልዑላውነት ሃገር" ዝጥሕስ እዩ ብምባል፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ቍጥዕኦም ክገልጹ ተራእዮም።
መንግስቲ ኤርትራ ግን መግለጺ ክህብ ኣይተራእየን።
እንተዀነ፡ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ግብጻዊ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ብ10 ጥቅምቲ 2024፡ ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ብሰፊሕ ተዘራሪቦምን ስሉሳዊ ስምምዕ ፈሪሞምን።
እዚ ስምምዕ'ዚ፡ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ ጉዳይ ባሕርን ስምምዕ ተጠቃምነት ወደብ ኣብ ሶማሊ ላንድን ተተሓሒዙ ከም ዝርአ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክገልጹ ተሰሚዖም እዮም።
ኣብ ታሕሳስ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ቃለመሕትት ዘካየደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ነዚ ኣበሃህላታት ብምንጻግ፡ ዝግበር ኪዳናትን ርክባትን ኣብዚ ዞባ "ርግኣት ንምፍጣር ጥራይ እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ,Reuters
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝነበረ ሙላቱ ተሾመ፡ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዜኡ ሕጂ'ዩ፡" ብዝብል ኣብ ኣልጀዚራ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ኣሎ፡" ክብል ወቒሱ።
እቲ መራሒ ኢትዮጵያ ነበረ፡ እቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ግጭት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኢዱ ከእቱ ዕድል ከም ዝፈጠረሉ ከሲሱ።
ነዚ ስዒቡ፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ፡" ብምባል፡ ኣብ 'ኤክስ' ተሪር ግብረ-መልሲ ጽሒፉ።
"እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ምምኽናይን ዝዓለመ እዩ፡" ኢሉ።
ሓይልታት ኤርትራ ብዕድመ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኲናት ከም ዝተጸንበሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ፡ "ዘሕፍርን ዘይሞራላውን ናይ ድሕሪት መውጋእቲ፡" ተካይድ ምህላዋ ነቒፉ።
ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ብወገን ቀዳማይ ምኒስተር ዓቢይ ኣሕመድ ክቐርብ ዝጸንሐ ኣፍደገ-ባሕርን ወደባትን ናይ ምርካብ መግለጺታት'ውን፡ "ሽፉን" ምትዅታዅ ክብል ገሊጹዎ።
ኢትዮጵያ ምንጪ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገማት ምዃና ዝነቐፈ እቲ መግለጺ፡ ንኤርትራ ገንሸል ንምግባር ፍታሕ ከም ዘይኰነ ይገልጽ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ውግእ ከምርሓ ይኽእላዶ?

ምንጪ ስእሊ,Reuters
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም፡ ንጽሑፍ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበረ ሙላቱ ተሾመ ኣተናኡ እንታይ ምዃኑ ንቢቢሲ ከብርህ ከሎ፡ "ስርዓት ናይ ኤርትራ ዘይደሞክራስያዊ ምዃኑ፡ ቅዋም ከም ዘይብሉ፡ ብዙሕ ግርጭታት ከም ዝገበረ ዝገለጾ ሓድሽ መግለጺ ኣይኰነን - ኵላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ "ሕጂ ከምኡ ኢሉ ምዝራቡ ግን ናይ በይኑ ኣይመስለንን። እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣቢይ ዝተሰማማዓሉ እዩ ኢለ እየ ዝግምት። ናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ዘይኰነ ብመደብ ዝተሰርሐ እዩ፡" ይብል።
"ሓደ ፕረዚደንት ዝነበረ፡ ዝፍለጥ ሰብ ገይርካ መልእኽቲ ምስዳድ ሚዛን ስለ ዝህልዎን ሰማዒ ስለ ዝረክብን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ይዅን ኣፍሪቃ ስለ ዝሕግዝ እዩ ክወጽእ ተደልዩ፡" ኢሉ ከም ዝግምት ይገልጽ።
ኣብ ጉዳይ ሰላምን ኣተኣላልያ ግርጭትን ንሓያሎ ዓመታት ዝሰርሐ ብዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ባይሳ ዋቆያ ብወገኑ፡ "ካብ ዘረባታት ሓሊፎም ናብ ውግእ ክኣትዉ እዮም ኢለ ኣይሓስብን። እንተዀይኑ ግን ኣዕናዊ ክኸውን እዩ፡" ይብል።
"ተቓቲልና ብድሕሪኡ ብዛዕባ ሰላም ክንዘራረብ ምባል ዘይምብሳል ከም ዝዀነ እየ ዝኣምን፡" ይውስኽ።
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፡ "ጉዳይ ግዜን ዓቕምን እንተ ዘይኰይኑ፡ ናብ ኲናት ንዘይምእታው ዝዓግቶም ነገር ዘሎ ኣይመስለንን፡" ይብል።
ነቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያን ዝተጀመረ ስምምዕ ጥሒሶም ናብዚ ኵነታት ይኣትዉ ከም ዘለዉ ድማ ይገልጽ።
ኣምባሳደር ዓብደላ ኣድም፡ "ካብ መጀመርታኡ ዝምድናኦም ንረብሓ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይነበረን። በብናቶም ሽግር ዝኣተውዎ እዩ። እዚ ክልተ ህዝብታት ከመይ ሰላም ይረክብ፡ ናብ ዝሓሸ ምዕባለ ተብጽሖ፡ ሽግራቱ ከመይ ገይርካ ትፈትሖ ዝብል ኣይኰነን ነይሩ፡" ይብል።
"ናብዚ ደረጃ ምብጽሖም ንምግላጹ እዩ ዘጸገም፡" ዝብል ኣቶ ባይሳ ዋቆያ፡ "ንኽልተኦም ዘራኸበ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት እዩ ነይሩ። እዚ ኵሉ ህዝቢ ተወዲኡ፡ እዚ ኵሉ ዓንዩ፡ ቍጠባ'ውን ኣብ ዝደቐቐሉ ኵነታት፡ ኣብ ክንዲ ሰላም መሊስካ ጽልኢ ምዝራብ ድንቁርና ይመስለኒ። ንሃገርካ ከም ምጽላእ ከኣ እየ ዝቘጽሮ፡" ይብል።
ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡ ሓሽም፡ "ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ናብ ዜሮ እናወረደ እዩ። በዚ ኣካይዳ ድማ ናብ ምልካዊ ስርዓት እዩ ዝቕየር ዘሎ። ምልካውያን ድማ ኣብ ውሽጢ ኲናት'ዮም ክነብሩ ዝደልዩ። ብወገን ኤርትራ'ውን ከምኡ እዩ ዝርአ፡" ክብል ይገልጽ።
ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም'ውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለየ ግርጭታት (ምስ ትግራይ፡ ኣምሓራን ካልእን) ክነብር ከም ዝደለየን እቲ ግርጭታት እናዓበየ ከኣ ንህላወኡ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቘን ይትንትን። "ኢሳይያስ ድማ ነዚ ኵነታት ተጠቒሙ ርክባት ክገብር ጀሚሩ። ንኣቢይ ኣሕመድ ድማ ዓቢ ስግኣት ፈጢርሉ፡" ይብል።
ቀጺሉ፡ "እዚ ብመንገዲ ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ዝወጽአ ድማ ንዓለም 'ርድኡኒ' ንምባል እዩ፣ ካልእ ኣይኰነን፡" ይብል።
ኣቶ ባይሳ ዋቆያ፡ "ተዓዋቲ ኣብ ዘይብሉ ስቕ ኢልካ ኣይትዋዳእን። ክልተኦም ወገና ብዛዕባ ሰላም እንተ ዘተዩ ይሓይሽ። እዚ ምስ ዘይከውን፡ ኣብታ ብቐደሙ'ውን ብቕልውላዋት ዝደቐቐት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ብምውሳኽ ንህዝብታት ናብ ጸገም ከእትዎም እዩ፡" ኢሉ።