ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ

ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣

ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ፣

ወየ ወየ ኣብ ስደት ዓሪፉ ንጋዶ፣

 

ቁምጣ ዓጢቑ ንነጻነት ኣንጊሁ ምስ ገስገሰ፣

ሐርበኛ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ተደምሰሰ፣

ንዳግማ መግዛእቲ ስለ ዘይወጸ፣ዘይተመለሰ

ዓገብ ዝበለት ልሳንካ ያኣኽለኒ ኢላዶ ሎምሰ፣

Keine Fotobeschreibung verfügbar.Ist möglicherweise ein Bild von 1 Person und TextIst möglicherweise ein Bild von Blume

የማነ ዕምሪ ኣኺላ መጸዋዕታ መጺኡኒ፣

ኣቦ ዋዕሮ ወይኒ ኢልካ ዶ ኣፋንዉኒ፣

ወየ ወየ እንታይ ከም ክብል ሐርቢቱኒ፣

 

ኣቲ ወይኒ ጓለይ እንታይ ተረኸበ

ኣነን ሐውዩ ክትብልኒ ብጽሞና እጽበ

ብሃንደበት መጻዋዕታ ንሐመድ ድበ፣

 

እቶም ፍትሒ ይንገስ እንዳበሉ ዝሐለፉ

ሐመድ ዓደቦኦም ዝሐረሞ ታሪኽ ገዲፉ

ወደቦይ ኣርኣያ ልሳኑ ከይዓጸፈ ዓሪፉ

ንልሳን ዉጹዓት ሐደራ ኢሉና ሐሊፉ፣

 

ስምዒ ሰማይ ምስክርነት ሃቢ ምድሪ፣

ታሪኽ እንበር ወዲ ሰብ ኣይኮነን ነባሪ፣

ንድምጺ ዉጹዓት ኮይኑ ዘቃለሔ ብነድሪ

ንሐርበኛ የማነ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ ፈጣሪ)

ሐርበኛ ወደቦይ ኣርኣያ የማነ ኣቦ ስድራ,

ብሰላም ዕረፍ ካብ ሩሑቅን ቀረባን ብሐበራ

ዕንባባታ ሐድጊ ገዲፉላ ዝሐለፈ ንኤርትራ,

 

ወየ ወየ ብሰላም ዕረፍ እንዳበልና ነፋንወካ,

ደለይቲ ፍትሒ ሐርበኛታት ዋዕሮታት ብጾትካ,

እዛ ናዓኻ ዘይትበቅዕ ግጥመይ ንዝኽሪ ትኹንካ፣

 

ንስድራ ቤትካ ጽንዓትን ጠልን ይግደፈልኩም፣ንፈተውቱን ጽንዓት ይሃበና፣

ፍትሒ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣02 10 2024 በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።

ቁምጣ ዓጢቑ ንነጻነት ኣንጊሁ ምስ ገስገሰ፣

ሐርበኛ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ተደምሰሰ፣

ንዳግማ መግዛእቲ ስለ ዘይወጸ፣ዘይተመለሰ

ዓገብ ዝበለት ልሳንካ ያኣኽለኒ ኢላዶ ሎምሰ፣

Keine Fotobeschreibung verfügbar.Ist möglicherweise ein Bild von 1 Person und TextIst möglicherweise ein Bild von Blume

የማነ ዕምሪ ኣኺላ መጸዋዕታ መጺኡኒ፣

ኣቦ ዋዕሮ ወይኒ ኢልካ ዶ ኣፋንዉኒ፣

ወየ ወየ እንታይ ከም ክብል ሐርቢቱኒ፣

 

ኣቲ ወይኒ ጓለይ እንታይ ተረኸበ

ኣነን ሐውዩ ክትብልኒ ብጽሞና እጽበ

ብሃንደበት መጻዋዕታ ንሐመድ ድበ፣

 

እቶም ፍትሒ ይንገስ እንዳበሉ ዝሐለፉ

ሐመድ ዓደቦኦም ዝሐረሞ ታሪኽ ገዲፉ

ወደቦይ ኣርኣያ ልሳኑ ከይዓጸፈ ዓሪፉ

ንልሳን ዉጹዓት ሐደራ ኢሉና ሐሊፉ፣

 

ስምዒ ሰማይ ምስክርነት ሃቢ ምድሪ፣

ታሪኽ እንበር ወዲ ሰብ ኣይኮነን ነባሪ፣

ንድምጺ ዉጹዓት ኮይኑ ዘቃለሔ ብነድሪ

ንሐርበኛ የማነ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ ፈጣሪ)

ሐርበኛ ወደቦይ ኣርኣያ የማነ ኣቦ ስድራ,

ብሰላም ዕረፍ ካብ ሩሑቅን ቀረባን ብሐበራ

ዕንባባታ ሐድጊ ገዲፉላ ዝሐለፈ ንኤርትራ,

 

ወየ ወየ ብሰላም ዕረፍ እንዳበልና ነፋንወካ,

ደለይቲ ፍትሒ ሐርበኛታት ዋዕሮታት ብጾትካ,

እዛ ናዓኻ ዘይትበቅዕ ግጥመይ ንዝኽሪ ትኹንካ፣

 

ንስድራ ቤትካ ጽንዓትን ጠልን ይግደፈልኩም፣ንፈተውቱን ጽንዓት ይሃበና፣

ፍትሒ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣02 10 2024 በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።