ብዛዕባ ሞት ኤርትራዊ ስደተኛ ሕጂ`ውን ካልእ ሓበሬታ ወጺኡ

እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ 15 ደቓይቕ ብኣለይቲ ደሃይን ምክትታልን ክግበረሉ ዝግባእ ኰይኑ፡ እቲ ተገሊጹ ዝነበረ ደረጃ 2 ዝበሃል ምእካብ ትዕዝብቲ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዘይተኻየደ ንዳያኑ ተነጊሩዎም።

ፈቃርን ምቝሉልን ከም ዝነበረ ዝተገልጸ ሄኖክ ዛይድ፡ ቈልዓ 14 ዓመት እንከሎ እዩ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዓመታት ጸኒሑ።

ምድረ-በዳ ሳህራን ማእከላይ ባሕርን ሰጊሩ ድማ ኣብ መበል 21 ዓመቱ፡ ኣብ ግንቦት 2020 ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣትዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ መርማሪ ሬሳ ኮቨንትሪ ደልሮይ ሄንሪ፡ ሄኖክ ብ2 ነሓሰ 2021 ብፖሊስ ብኸመይ መንገዲ ከም ዝተኣስረ ንመጋባኣያ ቤት-ፍርዲ መግለጺ ኣቕሪቡ።

እቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እንከሎ ዘንጸባርቖ ዝነበረ ባህሪ፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ካሉዶን ኣትዩ ከም ዝእለን ብመሰረት ሕጊ ጥዕና ኣእምሮ ድማ ኣብኡ ከም ዝጸንሕን ከም ዝተገብረ ገሊጹ።

ዓመጽ ዝመልኦ ባህርያት ብምንጽብራቑ ድማ 'ኣንቲ ሳይኮቲክ' ዝተባህለ መድሃኒት ከም ዝተዋህቦ ቤት-ፍርዲ ሰሚዑ።

ካልእ መርትዖ ዘቕረበ ዶክተር ኣሕመድ ኣላስታል፡ ኣብ መጀመርታ ነቲ ሕሙም ብ4 ነሓሰ ብ'ቪድዮ ሊንክ' ገይሩ ከም ዝገምገሞ፣ ምትሕብባር ከም ዝኣበየ፡ ከም ዝተናወጸን ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ክዋሳእ ከም ዘይደለየን ገሊጹ።

"ብድሕሪኡ ክዳውንቱ ብምውጻእ ናብ መሬት ብምድርባይ ካብቲ ክፍሊ ወጺኡ፡" ድማ ወሲኹ።

ቅድሚ እቲ ገምጋም ዝተኻየደለን ኣብ ዝነበራ መዓልታት፡ ሄኖክ ንኽልተ ሰባት ቀቲሉ፡ ብድሕሪኡ ነብሱ ከጥፍእ ከም ዝደሊ ንሓደ ካልእ ዶክተር ከም ዝነገሮ ይሕብር።

ብ5 ነሓሰ ካብ ሆስፒታል ኣምሊጡ፣ ድሒሩ ግን ካራ ሒዙ ኣብ ገዛኡ ተረኺቡ። ነብሱ ክጐድእ ከም ዝደሊ ንመኮንናት ነጊሩዎም። ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ናይቲ ማእከል ከኣ ከም ዝምለስ ተገይሩ።

ኣብኡ ድማ ክግታእን መድሃኒት ክወሃቦን ተገዲዱ። ክቕደድ ዘይክእል ክዳን እውን ተዋሂቡዎ።

ሄኖክ፡ ብ12 ነሓሰ ኣብ ክፍሉ ሞይቱ ተረኺቡ።

ነቲ መሳለጥያ ዘካይድ ኮቨንትሪ ከምኡ`ውን ዋርዊክሻየር ፓርትነርሺፕ ትራስት፡ ኣብ እዋን ሞቱ ዘጋጠሙ ፍጻመታት ዝሓዘ `ኦክስቪዥን` ዝበሃል ተክኖሎጂ ንምውካስ ክፍትን ጸኒሑ።

እቲ ካብኡ ዝተረኽበ መረዳእታን ቪድዮን ድማ ኣካል ናይቲ ፖሊስ ዌስት ሚድላንስ ንኣማውታኡ ኣመልኪቱ ዝገበሮ መርመራ እዩ።

ትማሊ ሰኑይ መርትዖ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ መርማሪት ዲሲ ኒኪ ማክሙረይ፡ ሄኖክ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ሓንቲ ተመሃሪት ነርስ ኣብ ሰዓት 13፡55 ቅድሚ-ቐትሪ ከም ዝተራኸበ ገሊጻ።

ብድሕሪኡ፡ ሓባሪ-ድምጺ (ኣላርም) ምስ ተወቕዐ፡ ሰራሕተኛታት ሰዓት 17፡05 ናብ ክፍሉ ክኣትዉ ከም ዝተራእዩ ዳያኑ ሰሚዖም።

እቲ ኣብ ኮቨንትሪ ካውንስል ሃውስ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ሕጂ`ውን ይቕጽል ኣሎ።