ኤርትራ፡ ተቐዳደምቲ ምስ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ከይፍርሙ ንምንታይ ተኸልኪሎም?

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዓይነት ስፖርት'ዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል።

ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ቅድድም ብሽክለታ ንምዕዛብ ጐደናታት ቅጽጽ ክብል ልሙድ ተርእዮ እዩ።

ስለዝዀነ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጥራሕ'ኳ እንተ ጸብጺብና፡ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደሩ ተቐዳደምቲ ሓያሎ እዮም።ካብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፎም`ውን፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘለዉ ውድድራት ተሳቲፎምን ዓወታት ተጓናጺፎምን።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፡ እቶም ኣብ ዙር ፈረንሳ ክሳተፉ ዝኽኣሉ ቀዳሞት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ክዀኑ ክኢሉም። ብፋላይ ዳንኤል ኣብቲ እዋን ንኣርባዕተ መዓልታት ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ክውንን ምኽኣሉ፡ ስሙ፡ ስም ሃገሩን ኣፍሪቃን ከጸውዕ ክኢሉ'ዩ።

እዚ ክስተት ኣብ 2015 ዝተጋህደ ኰይኑ፡ እታ ናብ ዙር ፈረንሳ ዘብቅዓቶም ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ፡ ኤምቲኤን ኵቤካ'ያ።

እታ ድሒራ ስማ ናብ ዳይመንሽን ዳታ፡ ዝቐየረትት ጋንታ ንኸም ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ መትከል እዮብ፡ ፈረቓልሲ ደብሳይ፡ መኽሰብ ደበሳይን ካልኦትን ተቐዳደምቲ ናብ ዝልዓለ ደረጃ ዘበረኸት እያ።

እዛ ጋንታ ኣብ ኤውሮጳዊ ውድድራት ትጻወት ስለ ዝነበረት፡ እቶም ኣብኣ ተሓቚፎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ'ውን፡ ኣብ ኤውሮጳዊ መድረኻት ዓቕሞም ከርእዩ ባብ ተራሕይሎም።

እዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካልኦት ኤውሮጳውያን ጋንታታ'ውን ኣብ ኤርትራ ዕቝር ዓቕሚ ተቐዳደምቲ ከም ዘሎ ክስወጠን ስለ ዝጀመረ፡ ራዳራተን ናብ ኤርትራ ከአንፍታ ተገዲደን'የን።

ከም መርኣያኡ ከኣ ብዙሓት ተቐዳደምቲ እንተስ ኣብ ዩሲኣይ ዕድል ትምህርቲ ብምርካብ፣ ወይ`ውን ካልኦት ጋንታታት እናኣፈረማኦም፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ጋንታታት ናይ ምጽዋት ዕድላት ክረኽቡ ክኢሎም'ዮም።

ንምንታይ ናብ ጋንታታት ኣፍሪቃ ከይከዱ 'ተኸልኪሎም'?

ካብቶም ኣብ ዙር ርዋንዳ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ዝተወዳደሩ እቶም ክልተ [ናታን መድሃኔ [ማእከልይ] ዓወት ክብሮም [ካብ ጸጋም ካልኣይ] ] ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝወዳደሩ'ዮም
መግለጺ ስእሊ,ካብቶም ኣብ ዙር ርዋንዳ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ዝተወዳደሩ እቶም ክልተ (ናታን መድሃኔ - ማእከልይ፣ ዓወት ክብሮም - ካብ ጸጋም ካልኣይ) ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝወዳደሩ'ዮም

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ 2024 ኣብ ዙር ኣልጀርያ ኣብ ዝተሳተፈትሉ፡ ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ናብቲ ዙር ኣንጻባራቒ ብቕዓት ዘርኣየ ገዲም ተቐዳዳማይ ሜሮን ተሾመ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ጋንታታት ዓይና ኣውዲቓትሉ - ኣልጀርያዊት ጋንታ ማዳር።

ሜሮን ተሾመ ካብ 2016 ክሳዕ 2018 ምስ ባይክ አይድ ዝተጻወተ፡ ሓደ ካብ ገዳይምን ገና ካብ ኮረሻ ብሽክለታ ዘይወረደን ተቐዳዳማይ'ዩ።

ኣብ 2024 ኣብ ዙር ኣልጀርያን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃን ዘርኣዮ ኣላይነት ናይ ጋንታ ከኣ መርኣያ ውህሉል ተመኵሮኡ'ዩ።

ሜሮን፡ ኣብ 2025 ምስ ኣልጀርያዊት ኮንቲነንታል ጋንታ ማዳር ክጻወት ምዃኑ፡ መርበብ ሓበሬታ ፕሮ ሳይክሊንግ ከይተረፈ ክሳዕ ሕጂ ስም ሜሮን ምስታ ጋንታ'ዩ መዝጊቡዎ ዘሎ።

ኣብዚ ቅንያት ግን ሜሮን ተሾመ ናብታ ጋንታ ክጽንበር ከም ዘይክእል ከም ዝተነገሮ ዝገልጽ ሓበሬታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቀላቐል ተራእዩ።

ነዚ ሓበሬታ ንምጥላል ንሜሮን ክንረኽቦ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እንተዀነ፡ ካብ ቀረብቱ ከም ዘረጋገጽናዮ ግና፡ ሃገራዊ ፈረደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ከም ዝኸልከሎን "ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጋንታታት ዝሓሸ ብቕዓት ስለ ዘለና፡ ናብኣተን ኣይትኸዱን ኢኹም፡" ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦን ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኣ ዝተሳተፈት ኣብ ርዋንዳ ዝመደበራ፡ ብኤርትራውያን እትምወል ኮንቲነታል ጋንታ መይ ስታርስ'ውን (ከዋኽብቲ ግንቦት)፡ ካብ ኤርትራ ተጻወትቲ ከይተፈርም ከም ዝተኸልከለት፡ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኣኽሊሉ ሃይለ ገሊጹልና ነይሩ።

ነዚ ኣመልኪትና 'ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዘይብላ ናይ ኤርትራውያን ጋንታ' ብዝብል ኣርእስቲ'ውን ብቪድዮ መደብ ኣዳሊና ነይርና።

እቲ ሓበሬታ ካብ ሃገራዊ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ንምርካብ፡ ንፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኤርትራ ኣቶ ተመስገን ረዳእ (ወዲ ሸቃ) ደዊልና ሕቶን ምስ ኣቕረብናሉ፡ "መኪና እዝውር ኣለኹ፣ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ደዉል፡" ዝብል መልሲ ድሕሪ ምሃቡ፡ ብድሕሪኡ ንኽልተ መዓልታት ንደወልና ክቕበል ኣይከኣለን።

ኣሰልጣኒ ጋንታ መይ ስታርስ ኣኽሊሉ ሃይለ ግን፡ "ንሕና ካብ ኤርትራ ተጻወትቲ ከነፈርም ካብ 2022 ጀሚርና ንሓትት ነይርና ኢና፣ እወታዊ መልሲ ኣይተዋሃበናን። ሕጂ ግን ብንጹር ተቐዳደምቲ ናብ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ኣይንሰድድ ኢና፡" ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦም ገሊጹልና።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ገዳይምን ሓደሽትን ጋንታትተ ተጠርኒፎም ዘለዉ ተቐዳደምቲ ናይ መወዳእታ ትልሞም ክኸውን ዝኽእል ናብቲ ከም ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስ ካልኦትን ብዓቢኡ ከኣ ናብቲ ቢንያም ግርማይ ዝበጽሖ ንምብጻሕ'ዩ ክኸውን ዝኽእል።

እዚ ከኣ ካብ ክለብ ናብ ኮንቲነንታል፡ ካብ ኮንቲነንታል ናብ ፕሮ ኮንቲነንታል፡ ካብ ፕሮ ኮንቲነንታል ከኣ ናብ `ዎርልድ ቱር` ብመሳልል ዝሕለፍ ጕዕዞ'ዩ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራሕ ዝገብሩዎ ውድድር ግን ኣብ ውሽጢ ዕትሮ ከም ዘላ መብራህቲ'ዩ ክኸውን።

እቲ ዘቤታዊ ውድድራት፡ ባይታን ዓቕሞም ክዕብዩን ከም ዘኽእሎም ዝከሓድ ኣይኰነን።

ካብዚ ወጻኢ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዓመት ብስሩዕ ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ዙር ርዋንዳን ሕጂ ከኣ ኣብ ዙር ኣልጀርያ እያ እትሳተፍ። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ተጻወተቲ ከኣ ነዘን ውድድራት እዚኣተን እዮም ዘቋምቱ።

እንትፍፎ ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ ዙር ርዋንዳን ዙር ርዋንዳ ሓሓሙሽተ ተጻወትቲ ጥራሕ ይሳተፉ።

እዚ ከኣ ምስ ብዝሒ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።

እቲ ካልእ ዝለዓል ሕቶ፡ ንኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ብቕድድም ብሽክለታ ዓብላልነት ዝመርሐት ኤርትራ፡ ስለምንታይ እያ ዋላ ሓንቲ ኮንቲነንታል ጋንታ ክትምስርት ዘይክኣለት ዝብል ሕቶ'ዩ።

እዚ'ውን ልክዕ ከምቲ ካልእ ሕቶታት ገና መልሲ ኣይተረኸቦን ዘሎ።

ብርግጽ ናይ ባጀት ጸገም ግን ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ፡ ዕጥቂ ናይ ከም ብዓል ኣስቤኮ፡ ኤሪቴል፡ ደንደን፡ ሰንበልን ካልኦትን ማዕረን ልዕልን ካልኦት ኮንቲነንታል ጋንታታት ምዃኑ ክግለጽ ይስማዕ እዩ።

እቲ ካልእ ብተደጋጋሚ ኤርትራ እንታይ ኰይና'ያ ልክዕ ከምዚ ናይ ርዋንዳን ኣልጀርያን ውድድራት ዘይትሰርዕን እቲ ኣብ 2017 ደው ዝበለ ዙር ኤርትራ ዳግማይ ዘይበራበርን ዝብል'ውን፡ እቲ ካልእ መልሲ ዘይተረኸቦ ነዊሕ ዝገበረ ሕቶ'ዩ።

ዛጊት`ውን ሕቶ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ክለብ፡ ጋንታ፡ ኮንቲነንታል. . . .

ድሕሪ ተሳትፎ ዳንኤልን መርሃውን ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዝሒ ኣብ ዎርለድ ቱር፡ ኣብ ፕሮ ኮንቲነንታልን ኮንቲነንታልን ጋንታታት ዝጻወቱ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እናበርከተ ክመጽእ ተራእዩ ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ`ዚ ግን፡ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃን ጥራሕ'ዮም ኣብ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ዝወዳደሩ ፕሮፈሽናልት ተቐዳደምቲ ዘለዉ። መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ክሳዕ 2026 ዘጽንሖ ምስ ፕሮ ኮንቲነንታል ጋንታ ቡርጎስ ውዕል ኣለዎ።

እቶም ካልኦት ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝወዳደሩ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ግን ኩሎም ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታታት'ዮም ተጠርኒፎም ዘለዉ።

በብደረጅኡ ምስ እንርዮ፡ ኣብ ዓለም ብዘዋህለለኦ ነጥቢ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ 18 `ዎርልድ ቱር` ጋንታታት ኣለዋ።

እዘን ኣብ ደረጃ ዎርልድ ቱር ዝተሰርዓ ጋንታታት ኣብ ከም ዙር ፈረንሳ፡ ዙር ኢጣልያን ቮልታ ስጳኛን ዝኣመሰል ዓበይቲ ውድድራት ክሳተፋ ናይ ግድን'ዩ።

ሓንቲ ጋንታ ከኣ ካብ 23 ክሳብ 30 ተቐዳደምቲ ክትሓቍፍ ትኽእል።

እተን ድሕሪ ጋንታታት `ዎርለድ ቱር` ዝስራዓ ፕሮ ኮንቲነንታል እየን ዝበሃላ። ኣብ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (ዩሲኣይ) ከኣ 27 ብደረጃ ፕሮ ኮንቲነንታል ዝተመዝገባ ጋንታታት ኣለዋ።

ድሕሪ ፕሮ ኮንቲነንታል፡ ኮንቲነንታል ጋንታታት እየን ዘለዋ፣ 186 ጋንታታት ዩሲኣይ ከም ኮንቲነንታል ጋንታ መዝጊቡወን ኣሎ። ሓንቲ ካብአን ከኣ ብኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ርዋንዳ ዝተመስረተት ኮንቲነንታል ጋንታ መይ ስታርስ'ያ (ከዋኽብቲ ግንቦት)።

ብድሕሪ ኮንቲነንታል ጋንታታት ዝስራዓ፡ ከም ጋንታ ኤሪቴል፡ ኣስቤኮ፡ ደንደንን ሰንበልን ዝኣመሰላ ጋንታታት ኰይነን፡ ኣብ ዓለም ብቝጽረን ኣዝዩ ብዙሓት ክለባት ኣለዋ።

እንተዀነ፡ እዘን ክለባት ኣብ ዩሲኣይ ምዝጉባት ስለ ዘይኰና፡ ምስ ጋንታታት ውሽጢ ሃገር ኰይኖም ዘካይዱዎ ውድድራት ነጥቢ ዘውህብ ኣይኰነን።

ካብዚ ብምብጋስ'ዮም ብዙሓት ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዝግደሱ ሰባት፡ ኤርትራ ንምንታይ'ያ ኮንቲነንታል ጋንታ ዘይብላ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ዘልዕሉ።

ሓንቲ ጋንታ ኮንቲነንታል ኰይና ኣብ ዩሲኣይ ምስ እትምዝገብ፡ ናብ ዝተፈላለየ ወድድራት ከይዳ ናይ ምውድዳር ዕድል ስለ ዝህሉዋ፡ እቶም ኣብ ውሽጣ ዝተሓቝፉ ተቐዳደምቲ ብኻልኦት ዓበይቲ ጋንታታት ናይ ምጥማት ተኽእሎ ይህልዎም'ዩ።

ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ተቐዳዳማይ ምስታ ጋንታ ኰይኑ ነጥቢ ምስ ዘመዝግብ፡ እቲ ነጥቢ ንዕኡ፡ ንጋንትኡን ንሃገሩን'ዩ ዝምዝገበሉ።