መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዕገርግር ንዝተሳተፉ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ፍርዲ ሂቡ

እቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ ምዃኖም ዝንገረሎም ውልቀሳባት ዝውድብዎ ኰይኑ ዓመታዊ'ዩ ዝካየድ።

እንተዀነ፡ ኣብ 2023 እቲ ፈስቲቫል ክካየድ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቓወሙ ኣማኢት ሰባት ናብቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ብምኻድ፡ ዕግርገር ብምግባሮም ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣእማንን ኣባትርን ብምሓዝ ንመካይንን ነቲ ፈስቲቫል ንምክያድ ዝተተኸለ ቴንዳታትትን ብሓዊ ብምቕጻል'ዮም ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።

እቶም ነቲ ተቓውሞ ዘካየዱ ሰባት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ፈስቲቫላት ከም ምንጪ ኣታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ'ዩ ዝጥቐመሉ ኢሎም'ዮም ዝኸሱ።

ኣብቲ ፈስቲቫል ብዝተኻየደ ዕግርግር፡ ልዕሊ 50 ሰባት ክጕድኡ እንከለዉ፡ ኣስታት 140 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ጀርመን ኣብ 19 መንበሪ ገዛውቲ ነቶም ጥርጡራት ንምድላይ ተፍትሽ ይካየድ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ብሓሙስ 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣስማቶም ዘይጠቐሶም 17 ውልቀሰባት "መስረትቲን ኣባላትን ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ እዮም፡" ይብል።

ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ፈስቲቫል ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዕግርግር ከም ዝፈጠሩ'ዩ ፖሊስ ገሊጹ ዘሎ።

ኣብቲ ስርሒት ልዕሊ 200 ኣባላት ፖሊስ ይሳተፉ ምህላዎም ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ዛጊት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብ ከም ዘየሎ ኣኽባሪ ሕጊ ይጠቅስ።

እቲ ጕጅለ፡ ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ጨንፈር ብምምስራት፡ "ኣብ ልዕሊ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውደብ በዓላት፡" ናይ ሓይሊ ስጕምትታት ክጥቐም ምጽንሑ'ውን እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

ኣብ ሓምለ 2022፡ ኣብ ጥቓ ፍራንክፈርት ኣብ እትርከብ ከተማ ጊሰን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ዕግርግር ምስ ተላዕለ፡ 26 ፖሊስ መጕዳእቲ ከጋጥሞም እንከሎ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ይዝከር።

ኣብ መስከረም 2023'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ኣብ ሞንጎ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱን ደገፍቲ መንግስቲን ብዘተላዕለ ዕግርግር፡ 228 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም'ዮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ 26 ፖሊስ ዝርከቡዎም 32 ሰባት ብበትሪ፡ ብተንዲኖ፡ ጠራሙስን ኣእማንን መጕዳእቲ ካብ ዝበጽሖም ፖሊስ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ መስከረም 2024፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጀርመንን ሆላንድን ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ጕጅለ ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ ለካቲት 2024 ኣብ ሄግ ኣብ ዝተኻየደ ዕግርግር ብምስታፉን ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ንኽሳተፉ ብምጕስጓሱን ንነዊሕ ዓመታት ክእሰር ከም ዝተፈረደ ፖሊስ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ዕግርግር ኣብ መንጎ ክልተ ንመንግስቲ ዝድግፉን ዝቃወሙን ጕጅለታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ እዋን ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ 22 ሰባት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን ካብኦም እቶም 10 ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ይፍለጥ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ዝተወሰኑ ጕጅለ ኣብ ጐደና ዉድቦርን ወዲቖም ዝነበሩ ክልተ ግዳያት ክሃርሙ እንከለዉ ዘርኢ ምስሊ'ውን ተዘርጊሑ ነይሩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዛጊት 18 ሰባት ብናዕቢን ስርዓት ኣልቦነትን፡ ምሓዝ ሓደገኛ ኣጽዋር ከምኡ'ውን ጉድኣት ብምውራድ፡ ናይ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መበል 33 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝበዓለሉ ቅንያት ኣብ ሓድሓደ ከተማታት ወጥሪ ሰፊኑ ምጽንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ እስራኤልን ካልእን ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝውደብ ፈስቲቫላትን ጽንብላትን ደማዊ ባእስን ዕግርግርን ክርአ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 2023 ኣብ ከተማ ጊስን ዝተካየደ ዕግርግር

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እታ ኣብ 1991 ካብ ኢትዮጵያ ምሉእ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ብወግዒ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ካብ እትምዝገብ ብዘይ ቅዋምን ምርጫን ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ያ ትምራሕ ዘላ።

ገለ ክፋል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ምስ ኤርትራ ኣብ ሓሽካር ዝምድና ዘላ ኢትዮጵያ ኣኼባ ምክያዶም ኣቓልቦ ስሒቦም ነይሮም'ዮም።

መብዛሕትኦም ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ፡ ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ'ውን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሃዲሞም ኣብ ሃገራት ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዕቝባ ዝሓተቱ'ዮም።

ኣብ ኤርትራ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ምስማዕ ይዅን ተቓዋሚ ውድብ ምምስራት ፈጺሙ ዘይሕሰብ'ዩ። ስለዝዀነ ድማ'ዩ ተቓወምቲ ሰልፈታትን ውድባትን ኣብ ስደት ዝንቀሳቐሳ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን፡ ብዝሕታለ ናይቲ ብ'ተቓውሞ' ወይ 'ደለይቲ ፍትሒ' ዝፍለጥ ሰፊሕ ደንበ፡ ትዕግስቶም ዝወድኡ መንእሰያት ናብ ጐነጻዊ ኣገባብ ክሰጋገሩ ተራእዮም'ዮም።