ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያን፣ ብናይ ጎማ ጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።እቶም ኣብዚ ሳልስቲ‘ዚ፣ ቡሎኝ ሱር ሜር ኣብ ዝተባሃለ፣ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ሓተቲ ዑቕባ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያን ኢራንን‘ዮም።
እታ ኣስታት 20 ሰባት ክትሕዝ እትኽእል ናይ ጎማ ጃልባ፣ ልዕሊ ዓቕማ፣ 59 ሰባት ጽዒና ሒደት ሰዓታት ምስተጓዓዘተ‘ያ ክትጥሕል ጀሚራ።
መብዛሕቶም፣ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ክድሕኑ ክኢሎም።
ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ጥራይ፣ ኣስታት 200 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓኑ‘ዮም ዘመልክቱ።
እዚ ህይወት ሸሞንተ ሰባት ዘጥፍአ ሓደጋ ምጥሓል ዘጋጥሞ ዘሎ፣ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናይቲ መብዛሕቶም ኤርትራውን ዝኾኑን ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብኦም 12 ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ብተመሳሳሊ ጥሒሎም ምሟቶም‘ዩ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ፣ ካብ ገማጋም ባሕሪ ፈረንሳን ቤልጅዩም፣ ናብ ብሪጣንያን ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ እናንሃረ‘ዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ፈረንሳ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ተኣኻኺቦም ከምዘለዉ‘ውን ጸብጻብ ፖሊስ ዘመልክት።
ብሪጣንያ፣ በዚ መንገዲ‘ዚ ንዝመጽኡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ መደባ ድሕሪ ምስራዙ፣ ኣስሓት ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ክኢሎም ኣለዉ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት