ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ

ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንዓመተ 2025 ተቐቢላ። እዚ ጽምብል ኣብ ሻብዓይ ወርሒ ልደታ፡ ኣብ ጥሪ 1992 እያ ኣሃዱ ኢላ ፈሊማቶ። ሽዑ ጐደናታት ኣስመራ፡ ብስልማት ሓዲስ ዓመትን ልደትን ደሚቝ፡ ካብ በረኻን ስደትን ብዝተመልሱ ዜጋታት ኣዕለቕሊቑ፡ ብመዛሙር ተስፋን ዓወትን ማሚቝ ነይሩ። እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።

ኤርትራ ካብ 1991 – 2004

ኣብ ግንቦት 1991 ብፍረ-መሪር ቃልሲ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተረኽበት ኤርትራ ሕጂ ድሕሪ 34 ዓመታት ኣብ ምጅማር 2025 ከመይ ኣላ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ እዩ።

እቲ ምላሽ ዝጽበ ወጻእተኛ እንተዀይኑ፡ ምናልባት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ሳዕ ሃገራዊ ምርጫ ከም ዘካየደት፡ ክንደይ መራሕቲ ከምዝረኣየትን፡ ስልጣኖም ብሰላማዊ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ከም ዘመሓላለፉን ክፈለጥ ይደሊ ይኸውን።

ዜጋኣ ግን ኤርትራ መዓስ እያ ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲ እትሰጋገር? መዓስ'ከ እዮም መንእሰያታ ብዕድመ ንዝሸምገሉን ኣሪጐም ዝደኸሙን መራሕቲ ተኪኦም መጻኢኦም ዝቕልሱ ዝብል ምላሽ ከም ዝጸበዩ፡ ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ይገልጽ።

"እቲ ንስርዓት ደርግ ስዒሩ ስልጣን ዝተረከበ፡ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኡ - ለካቲት 1994 - ህግደፍ ብዝብል ስም ዝተጸውዐ ውድብ፡ ኣብ ቻርተሩ፡ ኤርትራ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ብምትካል ነቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሳ ዝኣተወቶ መብጽዓ ከም እትትግብር እዩ ዝጠቅስ። እንተዀነ እቲ ኣብ ወረቐት ዝተጻሕፈ ኣብ ባይታ ኣይተተግበረን" ይብል ዶ/ር መብራህቱ።

ዕዳጋ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እቲ ኣብ ለካቲት 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዘካየደ ህግደፍ ን30 ዓመታት ካልእ ወድባዊ ጉባኤ ኣየካየደን።

ክሳብ ሕጂ ኣብቶም ካብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣትሒዞም ኣብ መሪሕነት ዘለው ኣብ መንጐ 70ን 80ን ዕድመ ዝርከቡ ሽማግለታት መራሕቲ፡ ምኒስተራትን ጀነራላትን ገና ብመንእሰያት ኣይተተክኡን።

እቶም ካብ 1994 ኣትሒዞም ጻውዒት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቐቢሎም ኣብ ሓይልታት ምክልኻልን ዝተፈለላየ ምኒስትሪታትን ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ መንእሰያት ብወግዒ መሪሕነት ኣይተረከቡን።

ሚኒስተራት ይዅኑ ጀነራላት ዕድመኦምን ጥዕናኦምን ብዘየገድስ ገና ኣብ ሓላፍነቶም ኣለው።

ሚኒስትሪታቶም ግን ብዓቕሚ ሰብ ይዅን ብባጀት ተሸምሪረን ንቡር ንጥፈታተን ከካይዳ ኣብ ጸገም ይርከባ።

ነቲ ሕጽረታት ንምፍዋስ ይዅን ናይ ስልጣን ለውጥን ምትኽኻእን ዝእምት ዝዀነ ምልክት የሎን።

''ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ 2002 ንደሓር ኣይተኣከበን። ካቢነ ምኒስተራት እውን ካብ 2018 ንደሓር ኣይተጋብአን። እታ ሃገር ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብምልኪ እያ ትመሓደር ዘላ። ሕግታት ዘውጽእ ኰነ ዝቈጻጸር ኣካል ለሚሱን ፈሪሱን እዩ'' ይብል ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን።

ብሞት፡ ስደትን ማእሰርትን ዝተጓደሉ...

ኣብ ሪጋ ዘሎ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ካብቶም ኣብ ለካቲት 1994 ሓላፍነት ዝተሰከሙ 75 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ፡ እቶም ብሕማምን ሞትን ብማእሰርትን ስደትን ዝተጓደሉ 40 መራሕቲ መንግስትን ግንባርን ኣይተተክኡን።

ካብቶም ዝተረፉ ዕድመ ዝደፍኡ 35 መራሕቲ እውን ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከቡ ውሑዳት እዮም።

እዚ ክውንነት'ዚ ዘሻቕሎም ዜጋታት ኤርትራ ከኣ ለውጢ ከምዘድሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጻሊ ይዛረቡሉ ከምዘለው ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ይገልጽ።

ኣብ ቅርጺ መንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ምክትል ፕረዚደንት የሎን።

ብልምዲ ግን እቲ ንምኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝመርሕ ምኒስተር እዩ ከም ምክትል ፕረዚደንት ዝቝጸር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝዀነ ይዅን እንተጋጢሙዎ ከኣ ብወግዒ ሓላፍነት ዝስከም ሰብ ኣይተረቚሐን።

ኣብ ርእሲኡ ኣብ ዝሓለፈ 33 ዓመታት ገና ብቑዓት ሃገራዊን መንግስታዊን ትካላት ኣይተሃንጻን።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ ሃጓፍ ከይፍጠር ዓቢ ሻቕሎት ከም ዘሎ ፕሮፌሰርጋይም ክብረኣብ የረድእ።

"እታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ልዑል ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ኤርትራ፡ ሓይልታት ግዳም በብረብሓኦም ከም ዝጥምቱዋ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ እዩ። ሓድነት ህዝባ ኣብ ዝልሕልሓሉ እዋን ከኣ ክድንድንዋ ይኽእሉ እዮም፡" ይብል ፕሮፌሰር ጋይም።

ብምቕጻል ጋይም፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዕቝድ በዂሩ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምትኽኻእ ከበራብሩ፡ ከም ትጽቢትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ብረታዊ ቃልሲ፡ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ሃገር ንምምስራት ክሰርሑ ምዝኽኻር ኣድላይ እዩ ይብል።

ሕልሚ ናጽነት ከመይ እዩ ነይሩ?

ዕዳጋ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1952፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተዋህቦ ፈደራላዊ መሰላት ተጋሂሱን ፈሪሱን።

ኣብ ኵሉ መጋባእያ ፍትሒ ኣእውዩ ሰማዒ ምስ ሰኣነ፡ ስለ ዝሓተተ ጥራይ፡ ግዳይ ሞትን ማእሰርትን፡ ቅትለትን ውርደትን ምስ ኰነ ኣብ መስከረም 1961 ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ።

ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን፡ ነቲ ተቓውሞ ብሓይሊ ንምድቋስ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ከቢድ ገበናት ኲናት ፈጺሞም።

ሽዑ እውን ኣውያትን ስቓይን ኤርትራዊ ዝሰምዕ ስለ ዘይተረኽበ፡ እቲ ህዝቢ፡ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ።

ኣብ ግንቦት 1991 ከኣ ብከቢድ መስዋእቲ ንጸላኢ ጸሪጉ፡ ኣብ 1993 ፡ ብ 99.87 ሚእታዊት ድምጺ ረፈረንዱም፡ መወዳእታ ቃልስን ምውላድ ልዑላዊት ኤርትራን ኣበሲሩ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ተጸምቢሩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነታ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ሃኒጻ፡ ብሓባር ክትሰርሕ ስለ ዝጀመረት ከኣ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ከም ሞዴል ምርግጋእ ግጭት ዝና ረኺባን ብኣህጉራውያን ትካላት ተናኢዳን።

ፖለቲካዊ ህንጸትን ቍጠባዊ ሕውየትን

ኤርትራ፡ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታ በሰላታት ኲናት 30 ዓመታት ንምሕዋይ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪታ፤ ሃገራዊ ባይቶ ኣቚማ፡ ንልዕልና ሕግን ሃገራዊ ሓድነትን ዘጕልሕ ሃገራዊ ቅዋም ኣርቂቓ።

ቍጠባዊ መርሓ ዘነጽር ማክሮ ፖሊሲ ኣጽዲቓ። ኣብ ዳግመ ህንጸትን ምዕባለን ክትነጣጠፍ ስለዝጀመረት ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ልዑል ምስጋናን ደገፍን ኣይተፈልያን።

ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ሸውዓተ ዓመታት (1991 - 1997)፡ ዋላ'ኳ ከም ኣድማ ተጋደልቲ 20 ግንቦትን፡ ብብረት ዝተመለሰ ሰላማዊ ሰልፊ ስንኩላን ማይ ሓባርን፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን እንተነበረ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን በብዓቕሞም ኣብ ቍጠባ ሃገር ከውፍሩ፡ ዜጋታት ብሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ደሞዝ ከገልግሉ ጀሚሮም።

ነዚ ስዒቡ፡ ውሽጣዊ ፍርያት ሰሲኑ፡ ንጥፈታት ሕርሻ፡ ዓሳን ንግድን፡ ንኣሽቱ ኢንዱስትሪታት ተበራቢሩ።

ቍጠባ ሃገር ካብ 7-10 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ዝከታተሎ ዝነበረን ዘሎን ኣብ ዝተፈላለየ ቍጠባዊ ጽላትን ግንባርን መንግስቲ ዝሰርሕ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይን ናይ ቁጠባ ምሁርን ክኢላን ኣቶ ክብሮም ዳፍላ።

ኤርትራ ንምሕዋይ መሰረተ ልምዓት፡ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ልምዓት ሕርሻን ዝኣመሰሉ ጽላት ዝወሃብ፡ ዓመታዊ፡ ካብ 300 ክሳብ 500 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ወጻኢ ሓገዝ ትረክብ ከምዝነበረት ጸብጻት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ንገጠራትን ከተማታትን ዘተኣሳስር ሰፊሕ ምሕዳስ ጽርግያታት ተኻይዱ። ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ተመሓይሹ፡ ንኢትዮጵያን ምብራቓዊ ሱዳንን ኣገልግሎት ክህብ ስለ ዝጀመረ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ተበራቢሩ፡ ንግድን ተበጻሕነት ኣገልግሎታትን ተመሓይሹ።

ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ከተማታት፡ ጽሬት፡ ከምኡ'ውን ስርዓተ ምክፍፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሰሲኑ - ካብ 30 ሜጋ ዋት ኣብ 1994 ናብ 120 ሜጋ ዋት ኣብ 1999 ደይቡ ነይሩ። መጠን ሞት ዕሸላትን ኣደታት ነክዩ።

ኣብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ ናይ ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን ከምእተዘርግሐ ኣብ ኣብ ምኒስትሪ ንግዲ: ዳይረክተር ኢንዱስትርያዊ ፖሊሲ ልምዓት ነበር ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ የረድእ።

ሕንጻታት ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ

እቲ ቍጠባዊ ገስጋስ ብዘተስፉ መገዲ እናሰጐመ ኣብ ግንቦት 1998 - 2000 ብዶባት ብዝተሳበበ ኲናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ተባሪዑ።

እቲ ናይ ዶባት ኲናት ግን ንቍጠባዊ ገስጋስ ጥራሕ ኣይኰነን ዓንቂፉዎ። ንፖለቲካዊ ደሞክራሲያዊ ገስጋስ እውን ኰሊፉዎ እዩ።

እቲ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዘተን ክትዕን ረቒቝ፡ ብቅዋማውን ሃገራውን ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ትግባረኡ ተዓንቂፉ።

እቲ ኣስታት 20 ሽሕ መንእሰያትን ዘህለቐን ብኣማኢት ሚልዮን ዝግመት ንብረትን ዘዕነወ ደማዊ ውግእ ብስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ዓረፈ፡ ብጕጅለ 15፡ ዝፍለጡ ላዕለዎት መራሕቲ ግንባርን መንግስትን፡ ነቲ ወጥሪ ናብ ኣዕናዊ ግጭት ዘዕረገ፡ ከቢድ ሰብኣውን ቍጠባውን ዕንወት ዘኸተለ፡ ኣልያን ምሕደራን እቲ ኲናት ክግምገም፡ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ክግበር፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ክረጋገጽ ከም ዝጸውዑ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ የረድእ።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ንጻውዒት ብጾቱ ነጺጉ፡ ብቓጻ ኣሲርዎም። ንሰብኣዊ መሰላቶም ግሂሱ ከኣ ን23 ዓመታት ብዘይ ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ ፍርዲ ሰዊሩዎም። በዚ ከኣ ደሞክራሲያዊ ጉዕዞ ኤርትራ ተዀሊፉ ርኡይ ምልኪ ሰሪቱ" ይብል ዶር ጋይም ክብረኣብ።

ካብ ሽዑ ንደሓር ኢሳይያስ፡ ነቲ ን18 ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ናብ ዘይብሉ ግዜ መጢጡ፡ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ምልኪ ሰሪቱ።

እቶም ብወተሃደራዊ ምሕደራኡ ዝተማረሩ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ፡ "ተኵስካ ቅትል!" ንዝብል ፖሊሲ እቲ ስርዓት በዲሆም ኣብ ዶባት ሃገሮም ብጠያይቲ ኣሕዋቶም እናወደቑን እናተሳሕቱን ንስደት ውሒዞም።

ኢሳይያስ ግን፡ ንፍልሰት እቶም መንእሰያት፡ ብኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ዝተገብረሉ እገዳን ካልእ ውዲትን እዩ ዘመኽኒን ዝወቅስን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ,Yemane Gebremesekel

"ማእሰርቲ ጕጅለ 15ን ሰዓብቶምን፡ ጋዜጠኛታት ብሕትን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዕዞ ኤርትራ ጸሊም ምዕራፍ እዩ። ኤርትራ ከኣ ካብተን ቅድሚኣ ናጽነተን ዝተጐናጸፋ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈጺማ ከምዘይትሓይሽ ኣመስኪራ፡" ክብል ይምልእ ፕሮፌሰር ጋይም።

ኣብ 2018 እቲ ንኣስታት 20 ዓመት ዝጸንሐ ኩነተ ኵናት ብዕርቀ ሰላም ተፈቲሑ፡ ን20 ዓመት መመላእታ ተዓጽዩ ዝነበሩ ዶባት ተራሕዩ፡ በረራ ነፈርትን ኣገልግሎት ስልክን ጀሚሩ፡ ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ካብን ናብን ክመላለሱ ምስ ጀመሩ፡ ዘቤታዊ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ እውን ክፍታሕ እዩ ዝብል ዓቢ ትጽቢት ከምዝነበረ ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን የረድእ።

እንተዀነ እቲ ንአህዛብ እቲ ዞባን ዓለምን ተስፋ ዝሃበ ምዕባለ ቀልጢፉ ተቘጽዩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ዶባት ዳግማይ ተዓጽዩ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ፈደራልን ወጥሪ ከሪሩ።

ኣብ ሕዳር 2020 ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ ብሃንደበታዊ ወደቓ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ተባሪዑ። እቲ ውግእ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ክሳብ ዝዓርፍ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ኣንጻር ህወሓት ብሕብረት ተዋጊኦም።

ድሕሪኡ ግን እቲ ርክብን ምብጽጻሕን ዝሒሉ ኣብ ወመዳእታ ከኣ ሻሕኪሩ ይርከብ።

ኤርትራውያን ግን፡ መንግስቲ ማዕረ እቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝገብሮ ዕርቅን ምስ ዞባን ዓለምን ዝገብሮ ዲፕሎማስን ምስ ህዝቡ ክዕረቕን እቲ ነዊሕ ደንጒዩ ዘሎ ለውጥን ምትኽኻእን ከም ዝጠልቡ ዶ/ር መብራህቶም የረድእ።

እቲ ወትሩ ብቓለ መሕትታቱ ኣቢሉ ልምዓታዊ ፖሊሲታቱ ዝእምት ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ልምዓት፡ ትሕተ ቅርጺ፡ ኣባይቲ፡ ትምህርቲ፡ መጓዓዝያ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ከም ዘይሰርሐን ከም ዝፈሸለን፡ ኣብ ገሊኡ "ከምኡ ክንውጥን እንከሎና እንታይ ኢና ንሓስብ ነይርና" ክሳብ ምባል ከም ዘብጽሖ ተዛሪቡ።

ቅድሚኡ እውን ብዛዕባ ኣገልግሎት ወደባትን ባጽዕን ክዛረብ እንከሎ፡ "እታ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ዝነበረት ባጽዕ ኣበይ ኣላ? ሎሚ ኣላ - የላን" ክብል ኣብ ልምዓታዊ መደባቱ ርኡይ ጸገም ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ። ይዅን እምበር ከምቲ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ዝገብሩዎ፡ "ኣነ ብዓቕመይ ፈቲነ እየ - ግን ኣይኰነለይን ስለዚ ሓደሽቲ ወለዶ ስልጣን ተረከቡኒ!" ክብል ይግበኦ ከም ዝነበረ ዶ/ር መብራህቱ የረድእ።

ኣብዚ ምእታው እዚ ዓመት ግን እቲ ፕረዚደንት፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣየሕለፈን። ዝዀነ ኰይኑ፡ ከም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ምልካውያን መራሕቲ ኣብ ጕዕዞ መሪሕነቶም ብዙሕ ነገር ስለ ዘበላሸው፡ ብዘፍሰሱዎ ደምን ዝገበሩዎ ሓጢኣትን ስለ ዝፈርሑ ስልጣን ከረክቡ ከም ዘይደልዩ ዶክተር ጋይም የረድእ።

እቲ ትጽቢትን ምርጫን ደኣ እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ከኣ ግዜ ዝምልሶ ጕዳይ ክብል ይሕብር።