ነዚ ተበግሶ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣብ ምያዝያ እኳ እንተ ኣወጀቶ፡ ብመንገዲ ቤላሩስ ኣቢሎም ናብ ፖላንድ ዝኣትዉ ዝደተኛታት ብብዝሒ ናይ ኣየኖት ሃገራት ምዃኖም ብዝርዝር ትገልጽ ዘላ ግን ኣብዚ ግዜ'ዚ እዩ።
እተን ብብዝሒ ስደተኛታት ከም ዝልእካ ዝተለለያ ሸውዓተ ሃገራት፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ግብጽን ክዀና ከለዋ፡ ካብ እስያ ድማ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕን ፓኪስታንን እየን።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፖላንድ ራዶስላው ሲኮርስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ቪድዮ፡ "እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘጕላዕልዕ ህይወት ክህልወኩም ምዃኑ ቃል ዝኣትውልኩም ይሕስዉ ኣለዉ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ዶብ ፓላንድን ቤላሩስን ናብ ኤውሮጳ ዘእቱ ኣፍደገ ኣይኰነን፡" ክብል ወሲኹ።
እቲ መልእኽቲ፡ "ዶብ ፖላንድ ብነዋሕቲ መናድቕ ዝተሓለወ ኰይኑ፡ ዘመናዊ መካኒካዊ መሳርሒታትን ኣሽሓት ወተሃደራትን ዝመልአ'ዩ፡" ይብል።
ፓላንድ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነበራ ሕጊ ተኽርሮ ከም ዘላ ብምሕባር፡ "ሓደ ሰብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ እንተ ሰጊሩ ዕቝባ ኣይረክብን'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ፖላንድ፡ ኣብ መጋቢት ካብ ቤላሩስ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ስደተኛታት ዕቝባ ናይ ምሕታት መሰል ደው ዘብል ሓድሽ ሕጊ ኣተኣታትያ ነይራ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዶብ መሰናኽላትን ኤለክትሮንያዊ መከታተሊታት ኣሐይላ።
እቲ ትልሚ፡ ኣብተን ሸውዓተ ሃገራት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ህዝባዊ ቦታታትን ብቛንቋታት ናይተን ሃገራት ተተርጒሙ ጐስጓስ ክካይድ ምዃኑ ይገልጽ።
ካብ 2021 ጀሚሩ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን - ብዝያዳ ካብ እስያን ኣፍሪቃን - ናብ ፖላንድ ክኣትዉ ምፍታኖም ይሕበር።
ቅድሚ ሕጂ፡ ክልተኦም መንግስታት፡ ሰባት ዶብ ከይሰግሩ ዝኽልክል ጽኑዕ ሕጊታት ኣውጺኦም ነይሮም እዮም። ገለ ሰብመዚ ቤላሩስ ኣብቲ መስርሕ ከም ዝሳተፉ'ውን ወቐሳታት ይቐርብ እዩ።
ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ቤት ምኽሪ ኤውሮጳን ዝርከቡዎም ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሓያለ እቶም ፖላንድ ዝወሰደቶም ስጕምትታት ብሕልፊ ድማ "ነቶም ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ ናብ ቤላሩስ ምምላስ፡" ዝብል ኣሰራርሓ ይነቕፉ።

ምንጪ ስእሊ,Reuters
ካብ መጀመርታ እቲ ቅልውላው ጀሚሩ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብሩ። ዝበዝሕ ግዜ ድማ ብሰበስልጣን ፖላንድን ቤላሩስን ብኣስገዳድ ንድሕሪት ክምለሱ ከም ዝግበር ይግለጽ።
እንተዀነ፡ እቲ ብፖላንድ ዝካየድ ዘሎ ስጕምቲታት ካብ ኤውሮጳውያን መሻርኽታ ደገፍ ትረኽበሉ ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኮምሽነር ውሽጣዊ ጉዳያትን ስደትን ሕብረት ኤውሮጳ ማግኑስ ብሩነር ምስ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ ቶማስ ሲሞኒክ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።
ብሩነር፡ ፖላንድ ንሕቶታት ዕቝባ ስደተኛታት ንዘይምስማዕ ዝወሰደቶ ውሳነ፡ "ብመሰረት ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ቅኑዕ'ዩ፡" ኢሉ። እታ ሃገር ንምብራቓዊ ዶብ ሕብረት ኤውሮጳ ብጽኑዕ ምርጋጣ ብምንኣድ ድማ፡ "ቀዳማይ መስመር ምክልኻል ኤውሮጳ፡" ክብል ንኢዱዋ።