ደረጃ ብልሽውና 2024፡ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ቀዲማ፡ ኢትዮጵያኸ?

ኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ፍራንሱዋ ቫለርያን ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ "ዝሓሸ ለውጢ ዘርኣያ ሃገራት እኳ እንተለዋ፡ ብልሽውና ኣብ መላእ ዓለም ቀንዲ ማሕንቖ" ኰይኑ ምህላዉ ገሊጹ። ካብ 2012 ኣትሒዘን 32 ሃገራት ርኡይ ምጕዳል ብልሽውና ከም ዘርኣያ ብምግላጽ፡ "እንተዀነ፡ ዓብዪ ስራሕ ተሪፉ ኣሎ፡" ኢሉ። ብዙሓት ካብዘን 148 ሃገራት፡ ኣብ ዝነበርኦ ደው ኢለን ወይ ድማ ብዝበኣሰ ደረጃ ኣንቈልቊለን።

ፍራንሱዋ ቫለርያን፡ ዓለማዊ ገምጋም 43 ነጥቢ ኰይኑ ንዓመታት ከም ዝቐጸለን ክልተ ሲሶ ዝዀና ሃገራት ድማ ትሕቲ 50 ከም ዘመዝገባን ገሊጹ።

"ቢልዮናት ሰባት ኣብተን ብሰንኪ ብልሽውና ህይወት ሰባት ዘዕንዋን ሰብኣዊ መሰላት ዘይሕልዋን ሃገራት ይነብሩ ኣለዉ፡" ክብል ድማ ይውስኽ።

እዚ 'ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ዝተባህለ ትካል፡ ዓመታዊ ብልሽውና ሃገራት ንምዕቃን ኣርባዕተ መስርሓት ከም ዘካይድ ይገልጽ።

ምምራጽ ምንጪ ሓበሬታ፣ ነቲ ምንጪ ሓበሬታ ዳግማይ ምሕሓይ፣ ነቲ ዝተዓቀነ ሓበሬታ ምቕማር፣ ነቲ ዘይርጕጽ ሓበሬታ ወይ ሃጓፋት ምግላጽ፣ የጠቓልል።

እዚ ካብ 13 ምንጭታት ሓበሬታ ዝእክብ ትካል፡ ኣብ ጽላታት ህዝባውያን ወሃብቲ ኣገልግሎታት ንዝርአ ዝተፈላለየ ብልሽውናታት ዝቕምር ኰይኑ፡ ብላዕ፡ ገንዘብ ህዝቢ ናብ ካልእ መዓላ ምውዓል፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ንውልቃዊ ረብሓ ምጥቃም፡ ብወገንነት ኣድልዎ ምክያድ፡ ንግላዊ ረብሓኻ ብዝጥዕም ሃገራዊ ውሳነ ምሕላፍ ... ወዘተ ዝብል ጸብጻባት ይምልከት።

ኣብቲ ናይ 180 ሃገራት ዝህቦ ደረጃ፡ ካብ ባዶ (ልዑል ብልሽውና) ክሳብ 100 (ቅርዕው ስርዓት) ነጥቢ ብምሃብ ይሰርዕ። በዚ መሰረት፡ ብትሑት ብልሽውና ቀዳመይቲ ዝተሰርዐት ዴንማርክ ክትከውን እንከላ፡ ፊላንድን ሲንጋፑርን ድማ ይኽተልኣ።

ካብ ኣፍሪቃ፡ ሲሸልስ መበል 18፡ ሪፖብሊክ ካቦ-ቨርደ መበል 35፡ ቦትስዋናን ርዋንዳን መበል 43 ብምስራዕ ጸብለል ኢለን።

ኣመሪካ ካብ 69 ነጥቢ ናብ 65 ብምንሽርታት፡ ደረጃኣ ካብ መበል 24 ናብ መበል 28 ወሪዳ። 'ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ናብ ፍርዳዊ ኣካል ኣመሪካ ነቐፌታ ከም ዝቕረበ ከኣ ኣሰውሸይትድ ፕረስ ይገልጽ።

እቲ ደረጃ ብልሽውና ዝልክዕ ትካል፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ቀዳማይ 'ሕጊ ስነምግባር' ኣብ 2023 እኳ እንተ ኣጽደቐ፡ "ኣብ ሕጽረት ትርጓመኡ፡ ኣብ ወድዓውነት ኣገባብ ትግባረኡን ሓይሉን ገና ዘይተመለሱ ኣገደስቲ ሕቶታት ኣለውዎ፡" ኢሉ።

ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ምንቍልቋል ካብ ዝርከባ ሃገራት፡ ፈረንሳ ኣርባዕተ ነጥቢ ጐዲላ 67 ብምምዝጋብ መበል 25 ክትስራዕ ከላ፡ ጀርመን ብሰለስተ ነጥቢ ወሪዳ መበል 15 ተሰሪዓ ምስታ ብሓደ ነጥብን ሰለስተ ደረጃን ዝወረደት ካናዳ ተመዓራርያ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ፖለቲከኛታት መራሕቲ ካብ ሃብቲ ሃገር እናተጠቕሙን ዝለዓል ተቓውሞታት እናጨፍጨፉን ዳርጋ ፍጹም ቍጽጽር ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን፡ ጻዕርታት ጸረ-ብልሽውና "ገና ተስፋ ኣልቦ" ከም ዘሎ እቲ ትካል ገሊጹ።

ብኣንጻሩ፡ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ፡ ኣብ ሶርያ "ትጽቢት ዘይተግበረሉ ዕድላት ይቕልቀል፡" ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ካብ ካልእ ዝዀነ ዞባ ብዝወሓደ 33 ነጥቢ ጥራሕ ተመዝጊቡ።

እታ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ዘላ ሱዳን መበል 170 ክትስራዕ ከላ፡ ደቡብ-ሱዳን ድማ ብብልሽውና ቀዳመይቲ ብምዃን መወዳእታ ተሰሪዓ።

ኣብ እስያን ፓስፊክን፡ መንግስታት፡ "ጸረ-ብልሽውና ክቃለሱ ንዝኣተውዎ መብጽዓታት ክሳዕ ሕጂ ከተግብሩ ኣይከኣሉን፡" ክብል 'ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ይገልጽ።

ኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ፍራንሱዋ ቫለርያን ኣብ መደምደምታ፡ "ብልሽውና ንገስጋስ ምዕባለ ዝዀልፍ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንደሞክራሲ ዝጐድእ፡ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር፡ ናብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝመርሕን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ዓለማዊ ጸገም እዩ፡" ኢሉ።

"ነፍስ-ወከፍ ሃገርን ማሕበረሰብ ዓለምን ንቓልሲ ኣንጻር ብልሽውና ኣብ ቅድሚት ክሰርዕዎ ይግባእ። ምልካዊ ምሕደራ ብምቅዋም፡ ሰላማዊ፡ ሓራን ውሑስን ዓለም ንምርግጋጽ ከኣ ኣገዳሲ እዩ፡" ይብል'ሞ፡ "ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝወጽአ መዓቀኒታት ዝተራእየ ደረጃ ብልሽውና ዘተሓሳስብ ኰይኑ፡ ዓለማዊ ብልሽውና ንምምካት ቅኑዕ ተበግሶ ክንወስ ከም ዘለና ዘርኢ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።