ኤርትራ፡ ‘ምዝዛም ቀዳማይ ገጽ ምምሕያሽ ጸዓት' እንታይ ዘጠቓለለ'ዩ?

ዕደላ ኤሌክትሪክ ኣብ ኤርትራ፡ ካብቲ ህዝቢ ነዊሕ ከማርረሉ ዝጸንሐ መሰረታዊ ቀረባት ኰይኑ፡ ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ከይተረፈ ብእብረ ምዕዳልን ኣብ ገለ እዋናት ድማ ንሰሙናት ምቍራጽን ክረኣዮ ዝጸንሐ'ዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝወጸ ጸብጻብ፡ ፕሮጀክት “ቀረብ ኤሌክትሪክ ኣብ መላእ ሃገር ውሑስን ርጕእን ንምግባር” ዝተበገሰ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ሕጂ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ እዚ ቀዳማይ ገጽ ዝተባህለ ዕማም፡ ምትካልን ምንቅስቓስን እተን ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ ናብታ ሃገር ዝኣተዋ ሰለስተ ጀነሬተራ ኰይኑ፡ እተን ጀነሬተራት ካብ “ሰንበት 29 መስከረም ኣትሒዘን ስርሐን ጀሚረን ኣለዋ፡” ተባሂሉ።

ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንበት 29 መስከረም እቲ ኣብ በለዛ ዝርከብ ብቻይናዊ ትካል (SFECO) ዝተሃንጸ ሓድሽ መደበር ጸዓት ፈተነ ከምዝተኻየደሉ ገሊጹ።

"መንግስቲ ኤርትራ ንደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ቀረብ ኤለክትሪክ ንምርግጋእን ንዘመዘገቦ ዓወታት ዮሃና" ክብል እቲ ኤምባሲ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ቻይናውያንን ኤርትራውያንን መሃንድሳት ኣብ ፈተነ መደበር ጸዓት በለዛ፡ መስከረም 2024

ምንጪ ስእሊ,Chinese Embassy in Eritrea/X

ኣብ ዓመተ 2021(እዚ ፕሮጀክት ዝተጀመረሉ) ካብቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ምቍርራጽ ኤሌክትሪክ ዝተራእየሉ ምዃኑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብቲ ዓመት ካብ መወዳእታ ሰሙን መስከረም ክሳብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ጥቅምቲ ዳርጋ መላእ ኣብ ሃገር ክብሃል ብዝከኣል ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዘይነበረ፡ ካብ መጀመርታ ሕዳር ክሳብ 24 ሕዳር እውን ኤሌክትሪክ ጠቕሊሉ ከም ዝጠፍአ ተገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እዘን በለዛ ኣብ ዝተባህለ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ መደበር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተተኽላ ጀነሬተራት ብድምር 22 ሜጋዋት ጸዓት ዘመንጭዋ ኰይነን፡ እዚ መጠን ጸዓት “ኣብቲ ሃገራዊ ጥሙር ስርዓት” ተጸንቢሩ ክብል፡ ንኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ መደባት ኤለክትሪሲቲ’ ኢንጂነር ኣብርሃም ዝብኣይ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ መስመር ኤሌክትሪክ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታትን ርሑቕ ገጠራትን ዝተዘርግሐ’ኳ እንተዀነ፡ እዅል ቀረብ ከምዘይጸንሐን ኣብ ገሊኡ ድማ ንውሱን ሰዓታት ዝበርህ ኰይኑ፡ እቲ ፕሮጀክት ነዚ ንምፍታሕን ናይ 24 ሰዓታት ውሑስ ኤሌክትሪክ ንምርግጋጽ ምዃኑ የመልክት።

ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነታ ኣብ 1991 ኣትሒዛ ካብቲ ቅልጡፍ ለውጢ ዝገበረትሉ ጽላት ጸዓት ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ - ገማግም ባሕሪ ሕርጊጐ ዝተተኽለ መደብ ኤሌክትሪክ፡ ዘመንጭዎ ዝነበረ ጸዓት ኣብታ ሃገር ርኡይ ለውጢ ኣምጺኡ ምንባሩ ይፍለጥ።

መደበር ኤሌክትሪክ ሕርጊጐ፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ’’98-2000 ብነፈርቲ ኢትዮጵያ ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ገለ ክፋሉ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይኑ ነይሩ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ ዝሰዓበ ቅልውላው ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር፡ እቲ ትካል ብምሉእ ዓቕሚ ክንቀሳቐስ ዘኽእሎ ጽገናታት ስለዘይተገብረሉ ቀረብ ጸዓት ኤርትራ ብፍላይ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ኣመና ከንቈልቍል ከም ዝተራእየ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ካብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ከቢድ ጸገም ኣገልግሎት ኤለትሪክ ኣብ መሰረታዊ መነባብሮ ህዝብን ኣፍረይቲ ትካላትን ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

"ሕጽረት ቀረብ ኤሌክትሪክ ኤርትራ ዳርጋ ተመሊሱ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽሑፍ ብ25 ሕዳር 2017 ብመርበብ ሓበሬታ ሻባይት፡ ከም ዝተገልጸ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕርጊጐ 98.6 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ብምግባር ብቻይናዊ ትካል ከም ዝሰፍሕን ፍርያቱ ከም ዝስስንን ከም ዝተገበረን ዓቕሙ ብ60 ሚእታዊት ክብ ከም ዝበለን ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እንተዀነ ብግብሪ ኣብ ዕደላን ቀረብን ኤሌክትሪክ እታ ሃገር መሰረታዊ ለውጢ ኣየርኣየን።

እዘን ኣብ በለዛ ስርሐን ጀሚረን ዘለዋ ጀነሬተራት ብድምር ዘመንጭዋኦ 22 ሜጋዋት ነቲ ዝጸንሐ መሰረታዊ ጸገም ብመጠኑ ከቃልሎ ትጽቢት ይግበር

ምንጪ ስእሊ,Shabait

መግለጺ ስእሊ,እዘን ኣብ በለዛ ስርሐን ጀሚረን ዘለዋ ጀነሬተራት ብድምር ዘመንጭዋኦ 22 ሜጋዋት ነቲ ዝጸንሐ መሰረታዊ ጸገም ብመጠኑ ከቃልሎ ትጽቢት ይግበር

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ፈለማ 2021 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ንቀረብ ኤሌክትሪሲቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እናንቈልቆለ ክኸይድ ጸኒሑ ሕጂ ዳርጋ ናብ ዜሮ ወሪዱ ኣሎ፤ ነዊሕ ዛንታ'ዩ። ንሸሞንተ ዓመት ዝዀነ ይዅን ጽገና ወይ ክንክን ከይተገብረሉ ስለ ዝኸደ ዓንዩ። ድሕሪኡ ኣብ ናይ ሕላፍ ሰዓት ፍታሕ ብምእታው፡ እንታይ ትውስኽ፡ ክንደይ ሜጋ ተምጽእ ኰይኑ" ብምባል፡ እቲ ቅልውላዉ ነባሪ ፍታሕ ክረክብሲ ይትረፍ፡ ንባዕሉ እቲ መደበር ካብ 2013 ጀሚሩ ጽግና ከይተገብረሉ ምጽንሑ ኣረዲኡ።

እዚ ካብ መደበር ኤሌክትሪክ በለዛ ዝምንጩ ናይ 22 ሜጋዋት ኤሌክትሪሲቲ ኣመና ውሑድ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ስሩዕ ቀረብ ኤሌክትሪክ ዝተሓረሞ ህዝቢ ገለ መስተርሆት ክፈጥር ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ኤርትራን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን (African Development Bank) ንቅልውላው ጸዓት ኤርትራ ንምቅላል፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ደቀምሓረ ንዝትከል ናይ 30 ሜጋ ዋት ጸሓያዊ (ሶላር) መመንጨዊ ጸዓት ንምምዕባል ዝውዕል ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ምወላ ተሰማሚዖም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት እውን፡ ነቲ ካብ 120 ሜጋ ዋት ዘይሓልፍ ዝበሎ ዓቕሚ ናብ 360 ክብ ንምባል መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ዝርከብ ተሓዳሲ ጸዓት ንምምዕባል ተስፋታት ክህብ ምጽንሑ ይዝከር። ገለ ካብኡ 'ጂኦተርማል'፡ ንፋሳዊን ጸሓያውን ምዃኖም ብቐጻሊ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።