መርድእ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖ መግለጺ መሪር ሐዘን ወየ፣ኣቦ ማርታ ዮዲት ሳምሶን ጳውሎስ ነቒልካ ዶ፣ኣፋኑውኒ ካብበልካስ፣ብሰላም ዕረፍ ኣያየ፣ኣከለጉዛይ ሰገነይቲ ዝዓዱ ወዲ ማይ መጉዶም፣ሐደ ካብ ቶም ሰብ ቀደም ዓዲ ኩሉና ዝኸዱ፣ኣያይ ጸሃየ ወደቦይ ተኽለሃይማኖት፣ኣታ ሐዊ ኣበባ ነቒልካ ዶ፣
ኣብ ሚላኖ ዝኾነኒ ጽላል፣ኣየ ክጥዕም ምሳኻ ዕላል፣ፓድረ ማሪኖ ጋሻ ተቐበሉ፣ከማኹም ተቐባሊ ጋሻ ልግሲ ዝኣመሉ፣ኣያይ ብሰላም ዕረፍ በሉ ካልሱሩሀ፣ወየ ወየ ይብል ኣለኹ በርሀ፣
ኣብዛ ዓለም መን ኣሎ ነባሪ፣እቶም ዝሐለፉ ንስዕባም እንበር፣ይምለሱና ዶ ኮይኖም፣ንስኻ ብሰላም ዕረፍ ንስድራቤትካ ጠሊ ግደፈሎም፣
ንሙሉኣት ንስድራቤቱን ኣፍቀርቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይሃበና፣ንመዋቲ ድማ እቲ የዋህ ኣምላኽ ኩሉ ዝካኣሎ፣ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፣በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ኡሉም ጀርመን።