ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር ህያብ" ክብሉ ንዝገለጽዎ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክዕቅብዎ ተማሕጺኖም ኣለዉ።
ኮሚቲ ሓለዋ ጋዜጠኛታት (CPJ) ከምዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብውሕዱ 361 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ተኪኦም መንበረ ቫቲካን ዝተረከቡ ኣቡነ ሊዮ፡ ጋዜጠናታት ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ድኽነትን ኣብ ምቅላዕ ንዝጻወትዎ ተራ ንኢዶም።
ትካላት ሚዲያ ፖለቲካዊ ጸግዒ ኣብ ክንዲ ምሓዝ ሓቂ ኣብ ምጽብጻብ ከተኩሩን፡ "ንሕሉፍነትን ጽልኢን" ቦታ ከይህቡን ድማ ተላብዮም።
ሓያለ ጋዜጠኛታት ናይተን ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ብሕቲ ኣዳለውትን ኣባላትን ንልዕሊ 20 ዓመታት ኩነታት ብዘይ ፍለጥ ኣብ ቀይዲ ተሰዊሮም ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብቲ ብ18 መስከረም 2001 ዝተወስደ ንልዕሊ 24 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፣ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጽጌናይ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኣማኑኤል ኣስራት፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ማቲዎስ ሃብተኣብ፡ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና መድሃኔ ሃይለ፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ቀስተ-ደመና ተመስገን ገብረየሱስ፡ ሰኣሊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ስዩም ጸሃየ፡ በዓል ሞያ ሕጊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ኣቶ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)፡ ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ደራሲን እድሪስ ሰዒድ (ኣቡ-ዓረ) ምዃኖም ሰነዳት የመልክቱ።
እታ ንዝበዝሐ ዓመታት ኣብ ነጻነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት እተስራዕ ኤርትራ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ኣብ መበል 180 ተሰሪዓ ከምዘላ ኣብ ፈለማ'ዚ ወርሒ ብምኽንያት እቲ መዓልቲ ፕረስ ዝወጸ ጸብጻብ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ,Reuters
ኣቡነ ሊዮ፡ ዓለም ንኲናት ክትጽየኖ'ውን ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ኣደራሽ ጳውሎስ መበል ሓሙሻይ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ "ብኸመይ ንረዳዳእ መሰረታዊ ኣገዳስነት ኣለዎ፡ ንናይ ቃላትን ምስልታትን ኲናት ኣይፋል ክንብል ኣለና፡ ናይ ኲናት መርኣያ ክንነጽጎ ኣለና" ክብሉ ተዛሪቦም።
"ጨዳሪን ነዳሪን መራኸቢታት ኣየድልያንን'ዩ" ዝበሉ ኣቡነ ሊዮ፡ "እንታይ ድኣ፡ ክሰምዕ ዓቕሚ ዘለዎን ንድምጺታት ዕቡሳት ዝእክብን መራኸቢታት'ዩ" ኢሎም።
እቶም ምስ ዓለም ዝላለዩ ዘለዉ ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ብዛዕባ ኪነታዊ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዘለዎም ስክፍታ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።
ጋዜጠኛታት ንኪነታዊ-ብልሒ "ብሓላፍነታዊን ሚዛናውን" ኣገባብን "ንጥቕሚ ደቂሰባትን" ክጥቀምሉ'ውን ተማሕጺኖም።
ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብቋንቋ ጥልያን ዘካየዱ ኣቡነ ሊዮ፡ ነቶም ክኣትዉ እንከለዉ ብጣቕዒት ዝተቐበልዎም ጋዜጠኛታት "ንዝገበርኩምለይ ድሙቕ ኣቀባብላ የመስግነኩም" ክብሉ ብእንግሊዝኛ ተዛሪቦም።
"ፈለማ ምጥቓዕ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን'ዩ ዝብሃል። ክሳብ መወዳእታ ነቒሕኩም ጸኒሕኩም፡ ከተጣቕዑ እንተደሊኹም ግን፡ ኣዝየ የመስግነኩም" ብምባል'ውን ክዋዘዩ ተሰሚዖም።