ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ክሳብ 4-ሽሕ ዶላር ዝኸውን ክፍሊት ይሕተቱ ከም ዘለዉ ገሊፆም። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም እቲ ክፍሊት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከም ዝፈላለ ይገልፁ። እቲ ትካል ብወገኑ እቲ ዝተጠቐሰ ክፍሊት ንመውፅኢ ቪዛ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ንዝነበሩሉ ጊዜ ዝተወሰነ መቅጻዕቲ እዩ ብምባል መልሲ ሂቡ ኣሎ።