ብህዝቢ ኤርትራ ላግጺ ያኣክል ካላኣይ ክፋል

ብህዝቢ ኤርትራ ላግጺ ያኣክል

ኤርትራዊ መንእሰይ ንርስቱ ንሪሙ 

ይካላኸል ኣሎ እንዳ ከፈለ ደሙ፣

ዓሻ በጊዕ ምስ ቶኹላ ዕርክነት

ንኢትዮጵያዊያን ኤሊት ኣሚንካስ ጉራ

እቶም ንህዝባ በቲኖም ዝምነዩ ንባሕራ

ምስኦም ኮንክካስ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፣

 

ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ በለ

ኤርትራዊ ዋጋ እንዳ ከፈለ

ያኣክል ጉያ ንሽዋ ጉያ ንመቐለ

ባዕልና ንጉጅለ ህግደፍ ንእለ፣

 

ጸላኢ ጸላኢየይ ፈታውየይ ጌጋ ፍልስፋና ዩ

ጭርሖ ሃይለ ስላሴን ብልጽጋና ወያነን ሐደዩ 

ሉኡኻቶም ኣዋፊሮም ክፈላልዩና እዮም ዝደልዩ

ምስ ህግደፍ ጽልኢ ኣለዎም ምባል ጌጋ እዩ፣

 

ንዑሱባት ህግደፍ ክንምክቶም ኣብ ባይታ

ንኤርትራ ኣብ ጎኒ እቶም ዉጹዓት ደቀባታ

ኣብ ጎቦታት ዓደቦና ወሪድና ንበል ቱታ፣

 

ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ

ብመዳናገርቲ ከይንወርድ ናብ ዕዳጋ

ኣንፈትና ከይንስሕት ከይንደግም ጌጋ

ንሽም ውልቀ ሰባት ኣይተኸፈለን ዋጋ፣

 

ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ተበጅዮም ንስለኣ

ኤርትራ ንኤርትራዊያን እንበር ንመን ደኣ

ኣይፋል ያኣክል ኣንፈቱ ዝሰሐተ ኣራዳዳኣ፣

 

ንመጸዋዕታይ እንተ ረኺቡ ሰማዓይ

ያኣክል ለባም ተመሲልካ ምፍልላይ

 ብኣውራጃ ዝምድር መን ገርዎ ወካላይ፣

 

ብሰብ ጥጁእ ዕላማ ፍሎም ኩፉእ

ዘይምውሳና እዩ ዕምሪ ምልኪ ዘናወሔ

ዕቅፋት በዚሕዎ ብጉብእ ሰለ ዘይሰርሔ፣

 

ዓመት ሐርነትን ፍትሕን ክኸውን፣ንመሳርሒ ኢሰያስ ንዮው ንበሎም፣ያኣክል ኣነየ ወዲ ኣከለጉዛይ ሐማሴን ሰራየ፣ሰንሒት ሰምሃር ሳሕል፣ባርካ ደንካልያ እንዳበልካ ምፍልላይ፣ምፍልላይናዩ ንኢሰያስ ዕምሩ ኣንዊሑሉ፣ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ ኤርትራዊያን ደቀባት ምዃና ኣርባተ ነጥቢ ግበሩሉ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 05 02 2025;።