"ኣብ ኤርትራ ዘካየድክዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ዑደት ሎሚ ዛዚመ ኣለኹ፡" ዝበለ እቲ ኣምባሳደር ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዝተረዘራረበ ጠቒሱ።
"ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ጎደናታትን ካፈታትን [ኣስመራ] ብቐጥታ ክዛረብ ዕድል ረኺበ ነይረ። ብዘለዎም ክፉትነት፡ ለውሃትን ሰላማዊ መንፈስን ኣዝየ ተመሲጠ። ንዝገበርኩምለይ ኣቀባብላ የቐንየለይ፡" ክብል ብዓርቢ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ምብጻሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ንኤርትራ ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ደው ከተብሎ ድሕሪ ምውሳና'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ስዊዘርላንድ፡ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ብዘይምዃናን እያ "ልምዓታዊ ሓገዝ" ከተቋርጽ ተገዲዳ ዘላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2024፡ ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ሓደ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝበጽሐ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ምስቶም ሰበስልጣን ኣብ ዘካየዶ ርክብ ግን ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዝርራቡ ኣይጠቐሰን።
"ብዛዕባ ዞባዊ ምዕባለታት ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ርእይቶታት ምልውዋጠይ ክብሪ ይስማዓኒ። ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓንዲ ምርግጋእ ኰይና ኣላ፡" ይብል እቲ ዲፕሎማት።
ብወገን ኤርትራ ግን ብዛዕባ ምብጻሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ይዅን ምስ ሰብመዚ እታ ሃገር ዝገበሮ ርክባት ዝተባህለ የሎን።

ምንጪ ስእሊ,Sylvain Asier
ኣምባሳደር ኣስቴር ምስ ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ከም ዝተራኸበ'ውን ሓቢሩ'ሎ።
"እቲ ክፉትን ዓሚቚን ልዝብ፡ ብዛዕባ ዞባዊ ብድሆታት ሓሳብ ክንለዋወጥ ኣፍቂዱልና።"
"ብዘለዋ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣን ናጻ ፖሊሲን፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተዋሳኢት ኰይና ኣላ፡" ክብል ጽሒፉ።
ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክሓላልኾ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ 2024 ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ስደተኛታት ክርስቲን ሽራነር በርገነር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኤርትራ ንዝተነጽጉ ዜጋታታ ንምቕባል ድልውነት እንተ ኣርእያ ጥራይ'ዩ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ክግበር ዝኽእል ኢላ ነይራ።
እቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝርከብ ስዊዘርላንዳዊ ዲፕሎማት ምስ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ገለ ወከልቲ ሃገራት ወጻኢ ከም ዝተራኸበ'ውን ሓቢሩ'ሎ።
ሓደ ካብቲ ምስ ሰበስልጣን እቲ ዞባ ዝተዘራረበሉ ጉዳይ ግጭት ሱዳን ምዃኑ'ውን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ዝምድና ኤርትራን ስዊዘርላንድን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
እቲ ብሓፈሻ "ውሱን" ተባሂሉ ዝግለጽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ስዊዘርላንድን ኤርትራን፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብጉዳይ ስደተኛታት ፍኒሕኒሕ ክብል ፈቲኑ ነይሩ።
ስዊዘርላንድ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ክህልዋ እንከሎ፡ ኤርትራ ብወገና ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣብታ ሃገርን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ውክልና ኣለዎ።
ኣብ ሞንጎአን ትርጕም ዝወሃቦ ንግዳዊ ርክብ ከም ዘየሎ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ስዊዘርላንድ የመልክት። ዓመታዊ ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ማሽናትን ሕክምናዊ ቀረባትን ዝርከብዎ ኣቚሑት ካብ 0.33 ክሳብ 2 ሚልዮን ይግመት። "ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ዝኣቱ ግን ካብ 0 ክሳብ ሒደት ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት፡" ዝሓልፍ ከም ዘይኰነ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ስዊዘርላንድ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራ ክትህቦ ዝጀመረት ደገፍ "ዘይሻርነታውነቱን ናጽነቱን ከተውሕስ" ብዘይምኽኣላ ኣብ 2006 ከተቋርጾ ከም ዝተገደደት'ያ ትገልጽ።
ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሰለስተ ዜጋታታ ጥራይ ከም ዘለዉ ትሕብር ስዊዘርላንድ፡ ብወገና ግን 31,722 ኤርትራውያን ሓቚፋ ትርከብ።
"ኣብ ሞንጎ ስዊዘርላንድን ኤርትራን ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ውሱን'ዩ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ጥራይ ድማ'ዩ ተመስሪቱ፡" ይብል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር።
እታ ኤውሮጳዊት ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ መደባት ኤርትራ ክትተሓጋገዝ ምጽንሓ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀነቫ ብወገኑ የመልክት።
"ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ ኣካል ናይቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ስዊዘርላንድን ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ስዊዘርላንድ ንልምዓት ኤርትራ ንምድጋፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታትን ተበግሶታትን ክትዋሳእ ጸኒሓ'ላ፡" ይብል መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኤምባሲ።
ስዊዘርላንድ ንፈለማ እዋን ኣብ ሰነ 1993 ምስታ ሽዑ ልዑላውነታ ዝኣወጀት ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና መስሪታ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ሓያለ ስዊዘርላንዳውያን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ኰይኖም ነቲ ምርጫ ተዓዚቦሞ ምንባሮም'ውን ይጥቀስ'ዩ።
ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ'ውን ብዙሓት ስዊዘርላንዳውያን ውልቀሳባትን ማሕበራትን ነቲ ብደርቅን ኲናትን ዝተሃስየ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮም ሰነዳት ይምስክሩ።
ሓደ ኣብ ታሪኽ እቲ ዞባ ዓቢ ታሪኻዊ ተፈላጥነት ዘጥረየ ወርነር ሙዚንገር ዝተባህለ ስዊዘርላንዳዊ ዳህሳስን ክኢላ ምምሕዳርን ን20 ዓመታት ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝነበረ ምዃኑ'ውን ንዘለወን ርክባት ድሕረባይታ ዝፈጥር'ዩ። ሙዚንገር ምስ ፈረንሳን ብሪጣንያን ተዓሲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ንግብጺ ወኪሉ'ውን ኣንጻር ነገስታት ኢትዮጵያ ከም ዝተዋግአ ሰነዳት ታሪኽ የመልክቱ።
ስዊዘርላንድ፡ ምስታ ብገማግም ማእከላይ ባሕሪ እትዋሰን ኢጣልያ ብዘለዋ ቅርበት፡ እቶም በብዓመቱ ካብ ሃገሮም ዝወጽኡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሕቶ ዕቝባ ንምቕራብ ዝመርጽዋ ሃብታም ንእሽቶ ኤውሮጳዊት ሃገር እያ።
ስለዚ ድማ'ያ እታ ብሓተትቲ ዕቝባን ተቐባልነት ዝረኸቡን ስደተኛታት ከም ዘዕለቕለቐት ብምግላጽ፡ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ክምለሱ ተገድድ።