ምስ ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሳልሳይ ጥርጡር ተቐይዱ

ፖሊስ ስኮትላንድ፡ ምስ ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሓደ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ተኸሲሱ ከም ዘሎን ሎሚ ሰኑይ ናብ ቤትፍርዲ ግላስጎ ከም ዝቐርብን ሓቢሩ።

እቲ ሓደ ወዲ 14 ዓመት ኰይኑ፡ ንኣሜን ብኻራ ወቒዑ ተባሂሉ ብቕትለትን መጥቃዕትን ክሲ ክምስረተሉ እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ክሱስ ወዲ 15 ዓመት ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ክሲ ተመስሪቱዎ ኣሎ። 

ንዝኽሪ ኣሜን ተኽላይ ዝተነበረ ዕንባባታት
መግለጺ ስእሊ,ንዝኽሪ ኣሜን ተኽላይ ዝተነበረ ዕንባባታት

ምስ ኣቦኡ ኣብ ግላስኮ ዝነብር ዝነበረ ኣሜን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 'ንኽጸንሕ' መሰል ተዋሂብ ነይሩ'ዩ።

ኣሜን ተኽላይ ኣብ ጆርዳንሂል ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ቶማስ ኣኲናስ'ዩ ዝምሃር ነይሩ።

ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣሜን ኣብ ሙዚቃን መራኸቢ ብዙሃንን ዝግደስን ምስ ኵሉ ዝወሃሃድ ኣዝዩ ፍቱው ምንባሩ ምስክርነቱ ሂቡ።

ጓል 17 ዓመት ሓፍቱ ደሊና ኣቐዲማ ንቢቢሲ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣሜን ዜግነት ዓባይ ብሪጣንያ ረኺቡ ዶክተር፡ መሃንድስ ወይ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ክኸውን ይህንጠ ምንባሩ ገሊጻ።

ኣሜን ኣብ ግላስኪ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት'ዩ ተቐሚጡ።