'ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ክትወልዕ ትሓስብ ኣላ' - ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ

ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ግጭት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኢዱ ከእቱ ዕድል ከምዝፈጠረሉ እቲ መራሒ ኢትዮጵያ ነበር ይኸስስ።

ብወገን ኤርትራ ዛጊት ንትነተና ናይቲ ኢትዮጵያዊ ፕረዚደንት ነበር ዝተዋህበ ወግዓዊ ግብረመልሲ የለን።

እቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ጐድኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ህውሓት ከምዝተዋግኡ ይዝከር።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝህቦም ዝነበረ መግለጺታት፡ ሓይልታት ኤርትራ ሃገሩ ብዝገበረትሎም ዕድመ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ'ዩ ዝገልጽ ነይሩ።

ንኲናት ትግራይ ዝመርሐ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገኑ፡ "ብድሕሪት ምስተወጋእና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊቱን ንዝገበረልና ደገፍ ፈጺሙ ክከሓስ ኣይክእልን'ዩ። ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ከኣ ተሰኒዱ ክነብር'ዩ. . . እቲ ዝተፈጥረ ምሕዝነት'ውን ብዝዀነ ሓይሊ ክስበር ዘይክእል'ዩ" ክብል ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ንዘካየዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ኤርትራ ኣመስጊኑ ነይሩ።

ኣስመራ ንኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶርያ ደስ ከምዘይበላ'ዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝተፈረመ ስምምዕ ንኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን "ዓቢ ዓወት" ምዃኑ ዝገለጸ ሙላቱ፡ "እንተዀነ ነቲ ኣብ ግጭት ዝስስን ኢሳይያስ ውልቃዊ መኻልፍ'ዩ ነይሩ" ይብል።

ኣብ ለካቲት 2023 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ቀዋሚ ሰምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ብኣመሪካ ዝተወጠነ "ናይ ምኹላፍ ታክቲክ እየ ዝብሎ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

እቲ ዝዀነ መርትዖ ዘይሃበ ጽሑፍ ሙላቱ ተሾመ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ መንጐ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ ኢዳ ተእቱ ከምዘላን ንዕጡቓት ኣምሓራ ከምእትድግፍ'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ ርእሰ-ብሄር ነበር ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ርክባት ከምዝተገብረ ብወግዒ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ስምምዕ ፕሪቶርያን እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ነቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝነበረ ዝምድናታት ገላቢጥዎ ከምዘሎ ይግለጽ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ,EBC

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከንቆልቁል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ድሕሪ ክረምቲ 2018 ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይን ዝነበረ ብጽዑቕ ምብጽጻሕ ዝግለጽ ዝነበረ ምዉቕ ዝምድና ናብ ወጥሪን ምትፍናንን ኣትዩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ድልድል በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብውሳነ ኤርትራ ተበቲኹ'ዩ።

ኣብ ጥቅምቲ'ውን፡ ኤርትራ ዘአንገደቶ ንመቀናቕንቲ ኢትዮጵያ ዝዀና ግብጽን ሶማልያን ዘጠቓልል ስሉሳዊ ዋዕላ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝረኣየቶ'ዩ። ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ሞቓድሾ ዝነበራ ወጥሪ ብምህዳእ ዝምድናኣ ተመሓይሽ ከምዘላ'ዩ ዝግለጽ።

"ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሕንፍሽፍሽ እንተ ኣምሪሑ፡ ሳዕቤኑ ንዅሉ ዝጸሉ'ዩ" ክኸውን ክብል ሙላቱ ተሾመ ኣጠንቂቑ'ሎ።

እቲ ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ነቐፌታዊ ጽሑፍ ነቲ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጸ ነታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ግጭታት ኣእትዩዋ ተባሂሉ ዝኽሰስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣይተንከፎን።

ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ኰይኑ ዘገልገለ ሙላቱ ተሾመ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ሃገሩ ዝነበረ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ምዃኑ ይፍለጥ።