ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ

ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣልጀዚራ ብስሙ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ኣስመራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኢዳ ተእቱ ከምዘላ ይጠቅስ።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ኣሎ" ክብል'ውን ንመራሒ ኤርትራ ነቒፉ። ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለን ኲናት ምስታፋ'ውን ከም መርኣያ ጻሕታሪነት ኤርትራ'ዩ ክብል'ዩ ሙላቱ ዝምጉት። እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት ኤርትራ ብዕድመ ኢትዮጵያ ናብቲ ኲናት ከምዝተጸንበሩ ኣስመራ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ኣነጺራ'ላ።"ተሳታፍነት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት [ኣብ ልዕሊኣ ንዘንጸላለወ መጥቃዕቲ ህወሓት ንምግታእ] ከምኡ'ውን ጠለብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘበገሶ'ዩ ነይሩ" ክብል እቲ ኤርትራዊ ሚኒስተር ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ምክልኻሉን ንተሳታፍነት ወተሃደራት ኤርትራ ከምዝወደሱ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ "ዘሕፍርን ዘይሞራላውን ናይ ድሕሪት መውጋእቲ" ተካይድ ኣላ ክብል ነቒፉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ተጻባኢ ጐስጓሳት ከተካይድ ምጽንሓ'ውን ኤርትራ ብወገና ከሲሳ'ላ።

"ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክትርድኦ ብዘጸግም ምኽንያታት ኣንጻር ኤርትራ ጽዑቕን ዘይቅቡልን ምትዂታዂ ኣዊጁ'ሎ"

እቲ ንፈለማ እዋን ብወገን ኤርትራ ዝወጸ ተሪር ነቐፌታ ዝሓዘለ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ንምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ቀሊዕዎ'ሎ።

ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ብወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክቕርብ ዝጸንሐ ኣፍደ-ባሕርን ወደባትን ናይ ምርካብ መግለጺታት'ውን "ሽፉን" ምትዂታዂ'ዩ ኢሉዎ።

ኢትዮጵያ ምንጪ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገማት ምዃና ዝነቅፍ መግለጺ ኣስመራ ንኤርትራ ገንሸል ንምግባር ፍታሕ ከምዘይኮነ'ዩ ዝምጉት።

ሚኒስተር የማነ ካልእከ እንታይ በለ?

የማነ ገብረመስቀል

ምንጪ ስእሊ,MOI Eritrea

ነቲ ንኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ኣብ መወዳእታ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዃኑ'ዩ እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ ዘሎ።

ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ይኹን ካልኦት ተዓዘብቲ ግን ኤርትራ በቲ ስምምዕ ከምዘይተሓጎሰት'ዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሞንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብኣመሪካ ዝተወጠነ "ናይ ምኹላፍ ታክቲክ እየ ዝብሎ" ክብል ኣብ ለካቲት 2023 ገሊጽዎ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ጉዳይ ንኤርትራ ከምዘይምልከት'ዩ እቲ ሚኒስተር ዜና ገሊጹ ዘሎ።

"ቅድሚ ሕጂ ከምዝተሰምረሉ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ውሽጣዊ መቐናቕንቱን ጥራይ ዝምልከት'ዩ"።

"ኤርትራ፡ ነቲ ውጹእ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ [ዝኾነ ስምምዕ] ንምዕንቃፍ ይኹን ንምትንካፍ ተገዳስነት ይኹን ሸውሃት የብላን" ይብል ሚኒስተር የማነ።

ምስ ጉዳይ ወተሃደራዊ ህላወ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዝምልከት ድማ፡ ሰራዊት ኤርትራ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ጠቕሊሉ ካብቲ ክልል ከምዝወጸ ደጊሙ ገሊጹ'ሎ።

"ኤርትራ ወተሃደራታ ከምቲ ግቡእ ናብቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ልኡላዊ ዶባታ ኣውጺኣቶም እያ" ብምባል ኣብ ጥቓ ዶባት ኣብ ዝርከብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ከምዘለዉ ዝወሃብ መግለጺታት "ሓሶት" ምዃኑ የረድእ።

ሰብመዚ ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ገለ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ (ከባቢ ኢሮፕን)፡ ከምኡ'ውን ሰሜን-ምዕራብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ'ዮም ክገልጹ ዝስምዑ።

ሚኒስተር የማነ ግን እዚ መግለጺታት'ዚ ነቲ ብውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህበ ባድመ ዝርከቦም ከባቢታት ዘነጻጸረ ምዃኑ'ዩ ኣብ መግለጺኡ ዝኸስስ።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ "ዘይግሉጽ" ክብል ዝገለጾ ምርድዳእ'ውን ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ኣስዒቡ ኣሎ ክብል እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ነቒፉ።

ኤርትራ ንፈለማ እዋን'ያ ብወግዒ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ዝፈጠረ ምርድዳእ ሶማሊላንድ ዘለዋ ርእይቶ ብቐጥታ ገሊጻ ዘላ። ምስ ሞቓድሾ ከተካይዶ ዝጸንሐት ይኹን ንመራሕቲ ግብጽን ሶማልያን ዘጠቓለለ ስሉሳዊ ዋዕላ ኣስመራ ልኡላውነት ሶማልያ ክቑረስ ከምዘይብሉ ብንጹር ዝገለጸ ምንባሩ ይዝከር።