ንመትረብ እንግሊዝ ካብ ዝሰግሩ ስደተኛታት ክንደይ ዝኣኽሉ ዑቕባ ይረኽቡ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ እታ ሃገር እንተተዓዊቱ፡ ናብ ሩዋንዳ ዝግበሩ ቀዳሞት በረራታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ከምዝጅምሩ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ሰር ኬር ስታርመር ግን ሰልፊ ሌበር እንተተዓዊቱ፡ ነቲ ትልሚ ሩዋንዳ ክስርዞ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ክንድኡ ድማ ሕጊ ጸረ-ሽበራ ተጠቒሙ ኣብ መላእ እቲ መትረብ ስደተኛታት ንዘሰጋግሩ ጕጅለታት ደው ከብል ተሓንዩ ኣሎ።

ብንኣሽቱ ጀላቡ ክንደይ ስደተኛታት ይሰግሩ?

ኣብ 2024 ክሳዕ 26 ሰነ ጥራይ 13,195 ሰባት ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮምዎ ኣለዉ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ ቁጽሪ ዝዛይድ እዩ።

ኣብ 2023 ብሓፈሻ 29,437 ሰባት በዚ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።

እዚ ካብቲ ኣብ 2018 ኣሃዛት ምእካብ ካብ ዝጅምር ዝለዓለ ዝነበረ ኣብ 2022 ዝተመዝገበ ጠቕላላ 45,755 ቁጽሪ ዓቢ ምንካይ ዘርኣየ እዩ።

ካብ 2018 ጀሚሩ ኣስታት 120 ሽሕ ሰባት በዚ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ኣለዉ።

ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝሰግሩ መን እዮም?

ኣብ መጋቢት 2024፡ ንመትረብ እንግሊዝ ዝሰገሩ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ኣፍጋኒስታናውያን እዮም።

ብንኣሽቱ ጀላቡ ካብ ዝሰገሩ ስደተኛታት ነቲ ኣስታት 20 ሚእታዊት ይሕዙ።

ኢራናውያን ብ12 ሚእታዊት ከምኡ’ውን ቱርካውያን ብ11 ሚእታዊት ኣብ ቀጻሊ ደረጃ ይርከቡ።

ካብዚ ቀጺሉ ዝርከቡ ድማ ስደተኛታት ኤርትራ እዮም።

ክሳዕ መጋቢት 2024 ኣብ ዝነበሩ ኣብ 12 ኣዋርሕ ብንኣሽቱ ጀላቡ ካብዝኣተዉ ኣስታት 85% ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ኣብ መንጎ 2018ን 2023ን ብውሕዱ 159 ስደተኛታት ኣብ ቻነል እንግሊዝ ከምዝሞቱ ይግምት።

ኣሃዛት

ክንደይ ሰባት ዑቕባ ይሓቱ?

ኣብ 2023 ልዕሊ 84 ሽሕ ሰባት ዑቕባ ሓቲቶም ነይሮም።

ኣብ ምሉእ 2022 ዑቕባ ዝሓተቱ ትሕቲ 100 ሽሕ ሰባት እዮም። ካብዚኦም ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጹ ኣስታት 45 ሚእታዊት ነይሮም። ናይዚ ተነጻጽሪ ኣሃዝ 2023 ኣይተረኽበን።

ኣብ 2002 ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማልያን ዒራቕን ካብ ዝነበረ ግጭታት ዝሃደሙ ሰባት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ቁጽሪ ዓመታዊ ሕቶታት ዑቕባ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ።

ኣብ 2010 ድማ ናብ 22,600 ወሪዱ።

እንተዀነ፡ ስደተኛታት ካብ ሶርያ ስለዝሃደሙ፡ ኣብ ምሉእ 2010ታት እቲ ቁጽሪ መሊሱ በሪኹ።

ሓተቲ ዑቕባ ዓባይ ብሪጣንያ ካበይ ይመጹ?

ኣብ 2023፡ ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹ እዮም፤ እዚ ቁጽሪ 9,307 ነይሩ።

ቀጺሉ ዝዓበየ ጉጅለ፡ ኣስታት 7,400 ሰባት፡ ካብ ኢራን ዝመጹ ኰይኖም፡ ፓኪስታን፣ ህንዲን ባንግላድሽን ድማ ስዒቡ ዘሎ ኣሃዝ ዝሕዛ ሃገራት እየን።

ኣብ 2022 ልዕሊ 17,300 ሰባት ዑቕባ ብምሕታት ኣልባኒያውያን ዝለዓለ ቁጽሪ ይሕዙ። መብዛሕትኦም ካብዚኦም (73 ሚእታዊት) ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝኣተዉ እዮም።

ሃገሮም ብሩስያ ድሕሪ ምውራራ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ዩክረይናውያን ስደተኛታት ኣብዚ ኣሃዛት ኣይካተቱን።

ክሳብ 11 ሰነ 2024፡ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝተዳለወ ሕጋዊ መስመራት ንዝመጹ ዩክረይናያን ስደተኛታት 259,200 ቪዛ ተዋሂቡዎም እዩ።

ካልኦት ውሑዳት ፍሉያት ጉጅለታት ከም ስደተኛታት ኣፍጋኒስታንን ገለ ዜጋታት ሆንግ ኮንግን እውን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክአትዉ ዘኽእሎም ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣሎ።

ክንደይ መስርሕ ጉዳያት ዑቕባ ክካየዱ ትጽቢት ይግበር?

ገለ ስደተኛታት ሕቶኦም መልሲ ክሳዕ ዝረክብ ንሓያሎ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት እውን ከይተረፈ ክጽበዩ ይግደዱ እዮም።

ኣብ ስርዓት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተራእየ ምድንጓያት፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 128 ሽሕ ጠለባት ገና መልሲ ከይተወሃቦ ድሕሪት ተሪፉ ይርከብ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ 2023 ድሕሪት ዝተረፉ ጉዳያት ከጽርዮ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ 4500 "ዝተሓላለኹ ጉዳያት" ግን ገና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ውሳነ ይጽበዩ ነይሮም።

ወግዓዊ ኣሃዛት ከምዘመልክትዎ ብዕለት 14 ሚያዝያ 2024፡ ካብቶም ኣመልከቲ 2,377 ጥራይ ገና ናይ መጀመርታ ውሳነ ይጽበዩ ነይሮም።

ዓባይ ብሪጣንያ ክንደይ ሓተቲ ዑቕባ ትነጽግ?

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምጽናሕ ሕጋዊ መሰል ዘይብሎም ሰባት ከውጽእ ወይ ድማ ምእታው ክኽልክል ይኽእል።

ኣብ 2023 ዑቕባ ዘይተዋህቦም 6014 ሰባት ናብ ዓዶም ተመሊሶም እዮም።

እዚ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ቁጽሪ ዕጽፊ (ዝዛየደ 2,931) ነይሩ። እዚ ግን ብቐንዱ ብሰንኪ ወሰኽ ምምላስ ኣልባንያ ኰይኑ፡ እዚ ካብ 988 ናብ 3,369 ዝወሰኸ ነይሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጹ 1889 ሰባት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተገይሮም እዮም። ኣብ መንጎ 2018ን 2023ን ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ 2,580 ሰባት ተመሊሶም ነይሮም።

ኣብ ታሕሳስ 2023፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ካብ 2020 ጀሚሩ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ 408 ኣልባንያውያን ዘይኰኑ ሰባት ጥራይ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ምስቲ ናይ ኤውሮጳ ክነጻጸር እንከሎ’ኸ?

ኣብ 2023 ናብ ኤውሮጳ ብባሕሪ ዝኣተዉ ስደተኛታት 263,048 እንትኾኑ፡ ካብዚኦም ኢጣልያ 60 ሚእታዊት (157,314) ተቐቢላ’ያ።

ስጳኛ 57,071 ሰባት፡ ግሪኽ ድማ 41,561 ሰባት ዝተቐበላ ሃገራት’የን።

ክሳዕ 17 መጋቢት 2024 ካብ መጀመርታ ዓመት ጀሚሩ ዳርጋ 40 ሽሕ ሰባት ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም።

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ክንደይ ሰባት ዑቕባ ይሓቱ?

ኣብ 2023 ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤውሮጳ ብብዝሒ ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ነይራ።

329,035 ኣመልከትቲ ዝተቐበለት ጀርመን፡ ልዕሊ ርብዒ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ንመጀመርታ ግዜ ዑቕባ ዝሓተቱ ተቐቢላ’ያ።

ስጳኛ ካልኣይቲ ዝለዓለ ቁጽሪ (160,460) ከምኡ’ውን ፈረንሳ (145,095) ኢጣልያ (130,565) ስዒበን ዝርከባ ሃገራት እየን።

ኣብ 2023 መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ሰባት ከም ህጻናት ወይ ካልኦት ጽግዕተኛታት ዝርከብዎም ኣብ 93,303 ሕቶታት ዑቕባ ናይ መጀመርታ ውሳነታት ኣሕሊፉ እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ጀርመን 217,430 ውሳነታት ዑቕባ ኣሕሊፋ’ያ።

ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመሳሰል ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ፈረንሳ፡ 132,695 ውሳነታት ኣሕሊፋ፡ ካብዚኦም ድማ ን31 ሚእታዊት ፍቓድ ከምዝሃበት ይፍለጥ።