ቱር ዲፍራንስ 2024፡ ቢንያም ግርማይ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ

ኣብቲ ሎሚ ካብ ከተማ ኪካንዛ ናብ ቶሪኖ ዝተዘርገሓ 230.8 ኪሜ ዝንወሓቱ ቅድድም ብቅጽበታዊ ውድድር ከምዝውዳእ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረ ኰይኑ ቢንያም ግርማይ፡ ንፈርናንዶ ጋጊርያ፡ ኣርኖድ ዲለይ፡ ማደስ ፕደረሰን ኣኸቲሉ እዩ ዘደነቕ ብቕዓትን ውጽኢትን ኣመዝጊቡ።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር ዲፍራስን ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ። ኣብ 2023 ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዘመዝገቦ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ውጽኢት እቲ ዝበለጸ ብጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ቱር ዲፍራንስ ዝተመዝገበ ውጽኢት እዩ ነይሩ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ባዕሉ ሒዝዎ ዝነበረ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽከለታ ኣፍሪቃ ኤርትራን ሓዲሽ ምዕራፍ ከመዝግብ ክኢሉ።

ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ቢንያም ግርማይ፣ ኣብ ተዓዋቲ ገንት-ወቨልገም ከምኡ’ውን ኣብ 2022 ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኣብ መድረኽ ተዓዊቱ ምንባሩ ይፍለጥ እዩ። ከምዚ ናይ ሎሚ ግን ፍሉይን ታሪኻውን ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ብመጀመርታ ቅድሚ ኩሉ ነገር ኣምላኽ ይመስገን። ቅድድም ብሽክለታ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘ፡ ኣካል ዙር ፈረንሳ ክኸውን ሓሊመ ኣይፈልጥን’የ፡ ሕጂ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን" ኢሉ።

“ኣብዚ ዙር ንካልኣይ ዓመት እሳተፍ ዘሎኹ። ኣብ ኣፍሪቃ ክንሕበንን ኣካል ዓበይቲ ውድድራትን ክንከውን ኣለና። መላእ ጋንታይ እንቋዕ ሓጎሰኩም፡ ሕጂ ናትና ግዜ’ዩ። ኣነ ብጣዕሚ ሕጉስ እየ። እዚ ንኹሉ ኣፍሪቃ እዩ። ኣነ ሕጉስ እየ ዘሎኹ” ክብል ተዛሪቡ።

ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያለ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሖም ዘይፈልጡ ዓወታት ብሽሙ ከመዝግብ ዝኽኣለ ተቐዳዳማይ ክኸውን በቒዑ'ሎ።

  • ኣብ ግራንድ ቱር [ጂሮ ዲ ኢታሊ ] ንመጀመርታ ግዜ ናብ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ
  • ኣብ 2022 ኣብ ክላሲክ ውድድር ገንት ወቨልገን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ናይ መጀመርታ ተዓዋቲ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ
  • ብኣዳለውቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ለጥ ዝበለ ሜዳን ኣብ ንእስ ንእስ ዝበለ ኩርባታት ዘለዎ መወዳዳሪ ናይ ምዕዋት ልዑል ክእለት ዘለዎ ተቐዳዳማይ’ዩ።