መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ንዝበዝሐ ብርኪ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምዕዳግ ዝነበሮ ውጥን ሰሪዙ

ካብ ሓምለ 2023 ኣትሒዙ፣ ኣገልግሎታት ደው ኣቢሉ ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዳግም ንምብርባር መሻርኽቲ የናዲ ከምዘሎ ምስቲ ኩባንያ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት፣ ብተደጋጋሚ ክጅምርን ደው ክብልን ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ መወዳእታ 2018 ኣትሒዙ ዝበዝሐ ብርክታቱ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምሻጥ መደብ ከምዝነበሮ ይሕበር ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ስለዘይክኣሉ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትር ወፍሪ ንምክያድ ዝነበሮ መደብ ከምዝሰረዘ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣረዲኦም።

ብንኡስ ዓቐብን ሰለይ ክብል ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትር፣ ካብ ሓምለ 2023 ኣትሒዙ ጠቕሊሉ ደው ኢሉ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ካብን ናብን ኣስመራ ዝካየድ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ በረራታት፣ መብዛሕቲ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተባሒቱ ምህላዉ ኣስሚሮምሉ።

ከም ናይ ግብጺ ግብጺ፣ ብስዑድያዊ ኩባንያ ዝውነንን ፍላይ ናስን ካልኦት ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሳ መንገድታት ኣየርን ናብ ኤርትራ ስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት የካይዳ’የን።

ጠቕሊሉ ደው ኢሉ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዳግም ንምብርባሩ፣ ኣብ ማእከለያ ምብራቕን ኤስያን ካብ ዝርከባ ኩባንያታት መሻርኽቲ የናዲ ምህላዉ እቲ ዝበዝሓና ሓበሬታ የረድእ።

ካብ 2002 ኣትሒዙ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምክያድ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ 2008 ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ኣብ 2011 ናስ ኣየር ምስ ዝተባህለ ኩባንያ ብምሽራኽ ዳግም ጀሚሩ ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሐ ደው መሰናኽል ስለዝገጠሞ፣ ብተደጋጋሚ ኣገልግሎታቱ ከቛርጽን ክጅምር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ካብ ዝተፈላለያ መንገድታት ኣየር ነፈርቲ ብምክራይ ኣገልግሎታት ክህጽብ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ድማ ጠቕሊሉ ደው ኢሉ ኣሎ።