ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ቅርሲ ሃገራዊ ስነጥበብ ኤርትራ

ብድሕረኡ ኣብ ዝተፈላለያ ባንድታት ብምዃን ዝደረፎም ሃገራዊ ትሕዝቶ ዘለዎም፡ ደቂሰ’የ ነይረ፣ ኣብ ገዛና ዘለኹም፡ ናይ ኣካል ቪታሚን... ዝኣመሰሉ ደርፍታት ድርብ ትርጕማት እናተዋህቦም ምስቲ ኣብ እዋኑ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ስምዒት ሃገራውያን ቀስቂሶም እዮም።

ዑስማን፡ ዝተፈላለየ ገጻት ህይወት፡ ስነጥበብ፡ ገድሊ፡ ስደት ናጽነት፡ ዝረኣየ፡ ዓሰርተታት ደርፍታት ዘፍረየ፡ ንብዙሓት ዝቐስቀሰን ዘተባብዐን ፍቱው በዓል ዝና ስነጥበባዊ ኰይኑ፡ ኣብታ ዳግማይ ህይወት ስደቱ ዝረኣየላ ሽወደን ዓሪፉ፡ ኣብኣ ድማ ተቐቢሩ።

ነቲ ዅሉ ጕዕዞ ህይወቱ እተዘንቱ፡ ብዙሕ ጻዕሪን ወኸሳታት ካብ ዑስማን ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ሰባትን ሰነዳትን ዝተገብረላ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወቱ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ምዃና ኣዳለውታ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።

ንእስነት

ዑስማን፡ ሓጂ ዓብደልረሒም ዑስማንን ወ/ሮ ራሕማ መሓመድብርሃንን ዝፈረይዎ ውሉድ ኰይኑ፡ ኣብ መስከረም 1948 ኣብ ከተማ ምጽዋዕ እዩ ተወሊዱ። ስድራኡ መነባብሮኦም ኣስመራ’ኳ እንተነበረ፡ ‘ብኸመይ እዩ ኣብ ባጽዕ ተወሊዱ?’ ብምባል ብዙሓት ዘልዕልዎ ሕቶ እዩ።

ኣቶ ማሕሙድ ሰፈር፡ “ወዲ ባጽዕ ኰይኑ ዘይኰነስ፡ ኣደኡ ስድራአን ደቂ ባጽዕ ስለዝዀኑ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ድማ በኳር መርዓት ናብ ስድራኣ ከይዳ ስለእትሓርስ እዩ ኣብ ባጽዕ ተወሊዱ፤ እምበር ወዲ ባጽዕ ኣይኰነን” ብምባል የዘንቱ።

ብድሕሪ’ዚ ግን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ከባቢ እንዳ ማርያምን መስጊድ ዓቢን ከምዝዓበየ ታሪኹ ይነግር። ዑስማን፡ ፈለማ ኣብ ቤት ትምህርቲ መደበር ትምህርቲ ጀሚሩ፡ ካብኡ ማዕሓድ ኣልኢስላሚያ ኣስመራ ብድሕሪኡ ናብ ቤት ትምህርቲ ጃልያ ሰጊሩ ከምዝተማህረን፡ ካብኡ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊት ከምዝሰገረን እዮም መተዓብይቱ ዝዝክሩ።

ዑስማን ዓብደልረሒም ምስ ባርቡይ ባንድ

ምንጪ ስእሊ,Senait Ghebrehiwet Keleta

እንተዀነ፡ ዑስማን ካብ ንኡስ ዕድመኡ ኣትሒዙ ክቱር ፍቕሪ ስነጥበብ ስለዝሓደሮን፡ ተውህቦኡ ኣለልዩ፡ ንዅሉ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ይዅን ስድራቤታዊ ጸቕጢታት ሰጊሩ ተውህቦኡ ክስዕብ ስለዝወሰነ፡ ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ከምዘይቀጸለ እዩ፡ ኣቶ ማሕሙድ ዘዘንቱ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ማዕሓድ ኣብ ዝነበረሉ ኣባል ማሕበር ስካውት ተምሃሮ ኰይኑ ብመዛሙር ፍሉጥ ከምዝነበረ ድማ መማህርቱ ይዝክርዎ።

ብመገዲ ኣብ ጃልያ መማህርቲ ዑስማን ዝነበሩ መተዓብይቱ ኣቢሉ ምስ ዑስማን ኣብ ንእስነቱ ዝተላለየ፡ ዓንደ ብኢደማርያም እውን፡ ክሳብ መወዳእታ ህይወቶም ይራኸቡን ንእስነቶም እናዘከሩ ዓሚቝ የዕልሉ ምንባሮም ዝኽርታቱ የካፍል።

ቀዳም ቀዳም፡ ኣብተን ኣብ ከባቢ ጃልያ፡ ሼል ዑቕበ ሃይለ ዝነበራ ፍሉጣት ኣብያተ ሻሂ - ቤት ሻሂ ሂወት፡ እንዳ ወዲ ጐበዛይን ካልኦትን ይራኸቡን የዕልሉን ከምዝነበሩ ይዝክር።

“ዑስማን ቀልጢፉ ተፈታውነት ስለዝረኸበ ካብ ሓንቲ ፈታዊቱ ዝመጾ ደብዳበታት ከካፍለኒ ጀሚሩ፤ ቋንቋ ዓረብ እናተማህረ ስለዝዓበየ፡ ኣብ ጽሑፍን ንባብን ሓይሉ ቅድም ኣብ ዓረብ እዩ ነይሩ፤ ነቲ ደብዳበታት ኣንቢብና፡ ሓሳቡ ወሲደ ብግጥሚ ይምልሰሉ ነይሩ፡” ኢሉ ዓንደ ንእስነቶም ኣብ ኣስመራ ይዝክር።

ስነጥበብ፡ ቃልስን ስደትን

ዑስማን፡ ኣብ 16 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ 1964 ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ - ቀሃስ ባንድ፡ ተወዳዲሩ ተዓዊቱ ብምእታው፡ ከም ደራፋይ ብወግዒ ኣብ ህዝቢ ቀሪቡ ክደርፍ ክኢሉ።

እታ ቀዳመይቲ ናብ ህዝቢ ዘቕረባ ናቱ ድርሰት ዝዀነት ደርፉ፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ” ትብል ኰይና ገና ብንእስነቱ ዘዳለዋ ነበረት። ምስ ቀሃስ ዘቕረበን ስርሓት ምስ ህዝቢ ኣላልየናኦን ጥጡሕ መበገሲ ባይታ ኰይነናኦን። ካብኡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ናብ ዝተፈላለየ ማሕበራት ከምዝተጸንበረ ይንገር።

ዑስማን ኣብ 1964 ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምኻዱ ናብ ማትኣ (ማሕበር ትያትር ኣስመራ) ክጽንበር ብደብዳበ ሓቲቱ፡ እንተዀነ ክጸንሕ ሓቢሮምዎ፤ ዳሕራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሰ ግን ተቐቢሎሞ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ማትኣ ሰሪሑ።

ነቲ ኣብ ማትኣ ክኣቱ ዝገበሮ ዝነበረ ጻዕሪ ብኣጋ ክዕወት ዘይከኣለ ምኽንያቱ ክገልጽ እንከሎ ኣቶ ማሕሙድ፤“ቀዳማይ ነገር ኣብቲ እዋን ንእሽተይ ትሕቲ ዕድመ እዩ ነይሩ፤ ካልኣይ ድማ ተሪር ተቓውሞ ኣቦኡ ሓጂ ዓብደልረሒም ስለዝነበረ እዩ፡” ይብል።

ዓንደ’ውን ነዚ ብምዝካር፡ ኣቦኡ ኣብ ናይ ደርፊ ጕዕዞኡ ተሪር ተቓውሞ ስለዝነበሮም፡ “ብኡ ምኽንያት ርክቦም ኵሉ ግዜ ልሙጽ ኣይነበረን፡” ክብል ንድሕሪት ተመሊሱ ይዝክር።

ኣስመራ፡ ብፍላይ ኣብቲ እዋን’ቲ ዳርጋ ኵሉ ተቐማጢኣ ንሓድሕዱ ዝፋለጥን ስለዝነበረ፣ ኣቦኡ ድማ ፍሉጥ ሰብኣይ ስለዝነበሩ፡ ዝነበሮም ድሌት ድማ ኵሉ ዝፈልጦ ከምዝነበረን ይንገረሎም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ማትኣ ዝኣክል ዓቢይ ሃገራዊ ማሕበር ስነጥበብ፡ ድሌት ወለዱ ጥሒሱ ንዝመጸ ዑስማን፡ ዋላ’ኳ ዓቕሚ ከምዝነበሮ እንተፈለጡ ክቕበልዎ ኣይመረጹን ይብል - ኣቶ ማሕሙድ። ድጋፍ ወላዲ ዘይብሉ መንእሰይ ንምትብባዕ ኣይደለዩን፤ እቲ ማሕበር፡ ሓያል፡ ሕጊታትን መምርሒታትን ከምዝነበሮ እዩ ዝፍለጥ።

ስነጥበባዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ኣብ ንእስነቱ

ምንጪ ስእሊ,Hamzawi

ብድሕሪ’ዚ ዑስማን ኣብታ 1965 ዝተመስረተት ሮኬት ባንድ ኣብቲ ዓመት ተጸንቢርዋ። ኣብ 1968 ዳግማይ ምስ ማትኣ ሰሪሑ። ከምኡ’ውን ኣብ 1969-70 ምስ ሬድ ሲ ባንድ ሰሪሑ። እዚ ምቕሉል ስነጥበበኛ ብ 1970-71 ናብ ኣዲስ ኣበባ ን2ይ ግዜ ተጓዒዙ ኣብኡ ምስ ቀሃስ ሰሪሑ፤ ከም በዓል ‘ብስልኪ ምልላይ’ ዝበላ ብሉጻት ደርፍታት ኣፍርዩ።

ካብ 1972 ከኣ ኣብ ቬኑስ ባንድ፡ ከዋኽብቲ መርሓባን ዕምባባ ሃገርን ኰይኑ፡ ኣዝዮም ተፈተውትን መቐረቶምን ብቕዓቶምን ዘይሃሰሰ ደርፍታት ቀጺሉ።

ዑስማን፡ ኣብ መወዳእታ 1974 ኣብ ቬኑስ ባንድ ብጾቱ ምስ ዝነበሩ ስነ-ጥበበኛታት የማነ ገብረሚካኤል - ባርያ፡ ዩኑስ ኢብራሂምን ካልኦትን ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ድማ ኣባል ተሓኤ ኰይኑ፡ ሓያለ ሰውራውን ሃገራውን ደርፍታት ከም ዘበርከተ ታሪኽ ህይወቱ ይነግር።

እቲ በሃር ስነጥበባዊ፡ ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ክሳብ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ስደት፡ ኣብ ሱዳን፡ ስዑድያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣውሮጳን፡ ንህዝቢ ዘነቓቕሕን ዘበራትዕን ሃገራዊ ደርፍታት ብምድራፍ፡ ከም ሓደ ሃገራዊ ስነጥበባዊ እጃሙ ኣበርኪቱ እዩ፡ ክብል ኣቶ ማሕሙድ ይገልጾ።

ኣብ 1979 ዳግማይ ኣብ ስዑድያ ከምዝተራኸቡ ዝገልጽ ኣቶ ዓንደ ብኢደማርያም፡ ዑስማን ኣብ ፈለማ 1980 ኣብታ ሃገር ትካል ሙዚቃ ገይሩ ንኽልተ ዓመት ኣቢሉ ከምዝሰርሐ ይዝክር።

ኣብ 1982 ድማ፡ “ኣነ፡ ዓሊ ጁማዒ [ዓሊ በርበረ]፡ ማሕሙድ ሎቢነት፡ ጆሜትራ ሓሰንን ገንዘብ ኣዋጺእና፡ ምሉእ ንባንድ ዘጻውት መሳርሒ ገዚእና ብሓድሽ መንፈስ ኣበጊስናዮ፡” ይብል።

ኣብቲ እዋን ድማ ሶማላውያን ሙዚቀኛታት ረኺቡ ክነጥፍ ከምዝጀመረ፡ ዓንደ ኣተሓሒዙ ይገልጽ። ስነጥበባዊ ዑስማን ብዙሕ ዜማታት ስለዝነበሮ ድማ ንዕኡ ዝኸውን ግጥሚታት ክሰርሕ ብዝሓተቶ መሰረት፡ ዓንደ ብኢደ፡ “ኣይውለድን”፡ “ጽባሕ ከ ናበይ”፡ ከምኡ’ውን፡ “ቀለም”ን “ባህልና”ን ዝብላ ግጥምታት ከምዝሃቦ የዕልል።

ዑስማን ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ,Senait Ghebrehiwet Keleta

ብዘይካ’ዚ፡ ዑስማን ኣብ ስዑድያ ምስ ጕጅለ ባህሊ ደሃይ ንሓጺር ግዜ ተጸንቢሩ ሰሪሑ ከምዝነበረ ዓንደ ይዝክር።

በዚ ይዅን በቲ ግን ዑስማን ኣብ ስዑድያ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት’ውን ሓያለ ደርፍታት ከምዘፍረየ ይፍለጥ። ጽቡቕ ምልከት ዓረብኛ ስለዝነበሮ፡ ደርፍታትን ስነጽሑፍን ዓረብ ብምስትምቓር፡ ኣብ ምምዕባል ናይ ትግርኛ ስነጥበባዊ ስርሓቱ ጽልዋ ከምዝገበረሉ እውን ካብ ፈለጥቱ ይግለጽ እዩ።

ኣብ ፈለማ ሰማንያታት ኣብ ስዑድያ ዝነበረ ማሕበረኮም ሱዳናውያን ኣብ ዘዳለዎ ጽንብል ተዓዲሞም ብሓደ ምስ ዑስማን ከምዝኸዱ ዝዝክር ዓንደ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ውሩይ ሱዳናዊ ደራፊ መሓመድ ወርዲ፡ እታ ‘ያጋመር ቦባ...’ እትብል ደርፉ ዑስማን ክደርፋ ሓተቶ’ሞ፡ ሰለስተ ግዜ ካብ መድረኽ ከይወረደ ደጋጊሙ ብብቕዓት ከምዝደረፋን፡ ማእለያ ዘይብሉ ህያባት ከምዝተበርከተሉን፡ ሓደ ካብቲ ህያው ዝኽሪታቱ ምዃኑ፡ ኣቶ ዓንደ ብኢደ የዘንቱ።

ዑስማን፡ ካብ 1977-1993 ዝተቐመጠላ ስዑድ ዓረብ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993 ናብ ሃገሩ ጠቕሊሉ ብምእታው፡ ኣብ ኤርትራ ስነጥበባዊ ዕማሙ ቀጺሉ። እንተዀነ ካብ 2011 ኣትሒዙ ዳግማይ ናብ ስደት ኣምሪሑ ናብ ሽወደን ብምእታው፡ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ህይወቱ ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ኣብ ስደት ኰይኑ፡ እቲ ሓያል ስነጥበባዊ ጕዕዞኡ ከይተሓለለ ከምዝቐጸለ ይፍለጥ።

ምስትምቓር

ብሓፈሻ ስነጥበባዊ ኣበርክቶ ዑስማን ልዕሊ 60 ዓመታት ዝዝርጋሕን ደርማስ ጽልዋ ዘትረፈን ምዃኑ፡ ብዙሓት ይምስክሩሉ።

ዑስማን ብዝነበሮ ሓያል ክእለት ድርሰት ግጥምን ዜማን፡ ከም ድምጻውን ምውሃህድ ሙዚቃን፡ ኣብቲ ሞያ ነብሱ ክኢሉ ክሰርሕን፡ ፍርያቱ ግጥምን ዜማን ምውህሃድ ባዕሉ ከዳሉን፡ ብተወሳኺ ንኻልኦት ስነጥበበኛታት እውን ደርፍታት ብምሃብ ዝሕግዝን ዘበርክትን ዝነበር ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ነታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወቱ ዘዳልዉ ዘለዉ ሰባት ይገልጹ።

ንሱ፡ ካልኦት ውሑዳት ብኻልኦት ስነጥበበኛታት ዝፈረያ ብሉጻት ስርሓት ብምቕባል’ውን በቲ ምኡዝ ድምጹ ናብ ህዝቢ ከምዘቕረበ ይፍለጥ። ብዘይካ ብቋንቋ ትግርኛ፡ ብትግረ፡ ዓረብን ሳሆን ብሓፈሻ ልዕሊ 100 ደርፍታት ዘፍረየ ኰይኑ፡ እዚ እቲ ባዕሉ ዝደረፎምን ንኻልኦት ዘበርከቶን ከምዘጠቓልል ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታ እውን ብኻልእ ቋንቋታት፡ ማለት ኣምሓርኛ፡ ሶማልኛ፡ ጣልያንኛ ናይ ምድራፍ ተውህቦኡ ልዑል ከም ዝነበረ ኣፍቀርቲ ሙዚቃኡን ቀረባ ፈለጥቱን ክሳብ ሕጂ ዘስተማቕርዎ እዩ።

ዑስማን ድሕሪ ናጽነት ካብ ዝሰርሐን ሰርድታት ዝሓዘት ካሴት

ምንጪ ስእሊ,Social Media

መግለጺ ስእሊ,ዑስማን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ካብ ዝሰርሐን ደርፍታት ዝሓዘት ካሴት

ገለ ካብተን ብዙሓት ህቡባት ደርፍታቱ፡ ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ፡ ጸላም ብሮት፡ ኣብ ለምለም ሰፊረ፡ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ፡ ቁጽሪ ስልኪ - (ብስልኪ ምልላይ)፡ ደቂሰ’የ ነይረ፡ ልበይ ምድረ-በዳ፡ ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ፡ ኣደይ ኣላዪተይ፡ ትነብር ኔራ፡ ኣነ‘የ ስፖርት፡ ኣብ ገዛና ዘለኹም፡ ሓረስቶት፡ ስግር ቤትና ወዘተ... ምጥቃስ ይከኣል።

ብዙሓት፡ ብፍላይ ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ከም ዝፈልጥዎ ደርፍታት ዑስማን ኣብ ግጥማዊ ትሕዝቶ፡ ርቀትን ኣዘያይማ ዜማታቱ፡ ሓያል ኣቀራርባን ብሉጽን ምንባሩ እዩ።

ብተወሳኺ ግጥምታቱ፡ ብዘይካ’ቲ ውሕሉል ኣመራርጻን ኣሰራርዓን ቃላትን ኣምራትን፡ ሓያል ፍቕራዊ፡ ማሕበራውን ስድራቤታውን ፖለቲካውን ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ኣነቓቓሒ ብምንባሩ ኣብ ህዝቢ ዝነበሮ ህቡብነት ኣዝዩ ክብ ክብልን ከይሃሰሰ ክቕጽልን ከም ዘኽኣለ ይግምገም።

ብዘይካ’ዚ ስእላዊ ኣገላልጻ ዋሕዚ ዛንታ ዘለዎ ደርፍታቱ’ውን ብፍሉይ መቐረቱ ዝልለ ምዃኑ ብብዙሓት ይግለጽ። ሓንቲ ፍቕራዊት ደርፊ ንኣብነት፡ ‘ትነብር ኔራ ቈጸራ ጠሊማ.... ትብል ደርፊ እንተወሲድና ብድምጺ ዝተሰርሐት ፊልም ኰይና ጕዕዞኣ ክትከታተል ትገብር፡ ብተመስጦ ሒዛትካ ትዕዘር ዓይነት ደርፊ እያ፡’ ክብሉ ኣስተማቐርቲ ስርሓቱ ብፍሉይ ዝዝክሩዋ እያ።

ዓንደ ብኢደ “ካብኡ ብዘይፍለ፡ ፖለቲካዊ ወይ ናይ ቃልሲ ደርፍታቱ ምስ እነስተማቕር’ውን፡ [ኣብ ገግዚኡ] ምኽንያት ሽግርና፡ ዘሎናዮ ዓዘቕቲን መፍትሒኡን እዩ ዝገልጽ፤ ነዚ ጽብቕቲ ኣብነት ድማ ‘ፍልስፍና ገድሊ’ እትብል ደርፉ እያ” ይብል።

ዑስማን ን3 ወለዶታት ዘጣመረ ሰንሰለት ሙዚቃ፡ ፍቕራውን ሃገራውን ትዝታ ኰይኑ፡ ቅርሲ ሃገራዊ ስነ-ጥበብ ኤርትራ እዩ ክብሉ ብዙሓት ይገልጽዎ። ኣብ ምዕባለ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ኣብ ምሕያልን ምስጓምን ዘመናዊ ደርፍታት ትግርኛ ድማ ብፍላይ፡ ደርማስ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ድማ ብዙሓት ይሰማምዑሉ።

ዑስማን ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ,Social Media

ኣብ ኣስመራ፡ ካብ መዓስከር ቃኘው ዝወጽእ ዝነበረ ደርፊታት እንግሊዝኛ፡ ምስ ናይ ኣምሓርኛ ተደሚሩ ዘመተ ንመንእሰያት ኣብ ዝፍተነሉ ዝነበረ እዋናት፡ “ደርፊታት ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ምስ ናይ ካልኦት ከም በዓል በረኸት መንግስትኣብ ተወልደ ረዳን ካልኦት ከዋኽብትን፡ ‘ንሕና’ውን ናትና ኣለና’ ብዘስምዕ ጽባቐን ቅዲን፡ ደርፍታት ትግርኛ ከውሕዙ ምስ ጀመሩ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብባህሉን ቋንቋኡን ክሳዱ ከቕንዕ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ሓደ ባእታ ሃገራውነት እዩ፡” ብምባል ዓንደ ይገልጾ።

እቲ ሃገራዊ መልእኽቲ ሓዘል ዝዀነ ደርፍታቱ፡ ብውዕዉዕ ስምዒት እቲ ናይቲ እዋን መንእሰይ ብፍላይ የስተማቕሮ ከምዝነበረ፡ ዝገልጽ ኣቶ ማሕሙድ እውን፡ ብሰንኩ ብዙሕ መርመራታትን ማእሰርትን ከምዝወረዶ ይጠቅስ።

“ነዊሕ እዋን ዝቕጽል ማእሰርቲ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ብቐጻሊ ብፖሊስ ኢትዮጵያ እናተጸውዐ ብደርፍታቱ መርመራታት ይግበረሉ ነይሩ፡” ይብል እሞ፡ ነታ “ኣብ ገዛና ዘለኹም ተቐማጦ ሰብ ክራይ፡ ሕጅስ ይኣኽለኩም ውጹ - ይመጽኡ’ለው ስድራይ...” እናበለ ዘዚማ ደርፉ፡ ንመግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያን ተጋደልቲ- ናጽነት ኤርትራን ብንጹር ስለትእውክል፡ ካብተን ዝተመርመረለን ስርሓቱ ምዃና፡ ኣቶ ማሕሙድ ሰፈር የዘንቱ።

ሽዑ ግን፡ ኣቦኡ ሓያለ ዝካረ ገዛውቲ ስለዝነበሮም፡ “ብዙሓት ተኻረይቲ ስለዘለዉዎምን ዘጸገሩዎምን እዩ ናይ ገዝኦም ኵነታት ደሪፉ፡ ተባሂሉ ለማሚንካን ኣፍቲኻን ከምዝፍታሕ ተገይሩ።”

ዑስማን ከም ሰብ

ዑስማን ብዙሓት ዝምስክሩሉ ኣመና ጥዑም ጠባይ ዝነበሮ ፍቱው ስነጥበባዊ እዩ። ፍሽኽታ ዘይፍለዮ፡ ገርሂ፡ ለጋስ፡ ምቕሉል ሕዉስን ለዋህን፡ ምስ ሰባት ብቐሊሉ ዝረዳዳእን ዝወሃሃድን ምንባሩ ቀረብቱን ፈተውትን ይምስክሩሉ። ዑስማን፡ ካብ ርኹባት ስድራቤት ዝተወልደ’ኳ እንተዀነ፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ “ናይ ጥበብ እምበር ናይ ገንዘብ ኣይነበረን” ብምባል ዓንደ ይዝክሮ።

ንዑስማን፡ እቲ ንዅለንትና ህይወቱ ዝሰዓረ፡ ሙዚቃኡ፡ መልእኽቱን ኣብ ሰማዕቱ ዝፍጠር ዕግበትን ሙዚቃኡን ጥራይ እዩ ነይሩ ተባሂሉ ይግለጽ።

ስነስርዓት ቀብሩ፡ ዓርቢ ዕለት 13 መስከረም 2024 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ስድራቤቱን መቕርብ ስነጥበበኛታትን ፈተውቱን  ብብዝሒ ኣብ ዝተረኽቡሉ ተፈጺሙ።

ምንጪ ስእሊ,Hamzawi

መግለጺ ስእሊ,ስነስርዓት ቀብሩ፡ ዓርቢ ዕለት 13 መስከረም 2024 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ስድራቤቱን መቕርብ ስነጥበበኛታትን ፈተውቱን ብብዝሒ ኣብ ዝተረኽቡሉ ተፈጺሙ።

ሃብትን ትሕዝቶን ኣቦኡ ተኣማሚኑ፡ ወይ ብእኡ ሰዲዑ ካብ ስነጥበባዊ ዕላማኡ ዘልሓጥ ከምዘይበለን፡ መላእ ህይወቱ በቲ ድርኺት ከምዝተጓዕዘን፡ ምስ ቢቢሲ ዝኽሪታቶምን ጦብላሕታኦምን ዘካፈሉ፡ ኣቶ ማሕሙድ መሓመድብርሃን፡ ኣቶ ዓንደ ብኢደማርያን፡ ካብ ኣዳለውቲ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወቱ፡ ካልኦት ፈለጥቱን መተዓብይቱን ብሓደ ቃና ይገልጽዎ።

በሃር ስነጥበባዊ ዑስማን፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ውሉዳትን እዩ። ኰይኑ፡ “ሙዚቃ ጥራይ ዘይኰነስ ክልተ [ካብ ደቁ] ሙዚቀኛታት እውን ገዲፉልና እዩ” ተባሂሉ ይዝከር።

ብዕለት 7 መስከረም 2024: ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኡ ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉ። ኣብታ ተሰዲዱ ዝነብረላ ዝነበረ ሃገረ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም፡ ብ ዓርቢ 13 መስከረም 2024 ተቐቢሩ።

ኣብቲ ዕለት፡ ስድራ-ቤቱ መቕርቡን ፈተውቱን ኣፍቀርቲ ሙዚቃኡ፣ ስነ-ጥበበኛታትን ካልኦትን ብብዝሒ ዝተሳተፍዎ ልዕሊ 4 ሰዓታት ዝኸደ፣ መደብ ዝኽሪ (memorial) ተኻዪዱሉ። እቲ መደብ ብጸሎትን ዝኽርን ተኸፊቱ ጽማቝ ታሪኽ ህይወቱ ተነቢቡን።

ከም ፍሉጥ ስነጥበበኛ ሑሴን መሓመድ ዓሊን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ስነጥበበኛታት፡ ከምኡ’ውን ገዳይም ተቓለስትን ፈተውቱን ኣድነቕቱን ብዛዕባ ዑስማን ዝኽሪታቶምን ጦብላሕታታቶምን፣ ንሓይልን ሰፊሕን ነባርን ኣበርክቶኡ ዘርዚሮምን ምስክርነቶም ኣቕሪቦም።