ኣስመራ፡ ስምምዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፡ ሶማልያን ኤርትራን

ብረቡዕ ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ደገፍ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምርካብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ምክያድ'ዩ ተጸሚዱ ጸኒሑ።

እቲ ስሉሳዊ ዋዕላ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ዝምድና ኣብ ዝሓርፈፈሉ ይካየድ ብምህላዉ ኣቓልቦ ብዙሓት ወገናት ስሒቡ'ሎ

ኣብ ስሉሳዊ ዋዕላ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ

ሚኒስተራት ወጻኢ ኤርትራ፡ ግብጺን ሶማልያን

ምንጪ ስእሊ,@hawelti

ሰለስቲኦም መራሕቲ ንጉዳያት ቅልውላው ሱዳን፡ ሶማልያን ጸጥታዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕርን ባብ-ኤልመንደብን "ዓሚቚ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሖም" ይብል ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ።

"ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ ተሰማሚዖም" ከምዘለዉ'ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

"ሶማልያ ንውሽጣዊን ካብ ደገ ዝመጽእን ብድሆታት ንምግጣም ምእንቲ ክትክእል መንግስታዊ ትካላታ ንምሕያል" ሰለስቲአን ሃገራት ክተሓጋገዛ እየን።

"ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ፡ ንኩሉ ዓይነት ሽበራ ክብድህ ንምኽኣል" ሰለስቲአን ሃገራት ብሓባር ከምዝሰርሓ'ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

"ዓለምለኻዊ መትከላትን ኣዕኑድ፡ ብፍላይ ዘየወላውል ምኽባር ልኡላውነት፡ ናጽነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገራት እቲ ዞባ" መሰረታዊ ምዃኑ'ውን ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።

ነዚ ንምግባር ሓደ ብሚኒስተራት ዝምራሕ ኣካል ክቐውም'ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።

"ስሉሳዊ ኮሚቲ ሚኒስተራት ወጻኢ ኤርትራ፡ ግብጺን ሶማልያን ነቲ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝግበር ስትራተጂካዊ ምትሕግጋዝ" ከወሃህዱ ተመዚዞም ከምዘለዉ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ'ሎ።

ኣል-ሲሲ፡ ንሚኒስተር ሃገራዊ ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀነራል ዓባስ ካምል፡ ሓለቓ ፕረዚደንታዊ ካቢነ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዓሊ፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ኣሕመድ ዓብዱልዓጢ ኣኸቲሉ ኣብቲ ኣዋዕላ ተሳቲፉ ኣጋ ምሸት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብ 2020 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስቲ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ተመሳሳሊ ስሉሳዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።

ኢትዮጵያ ንሓያለ ዓመታት ቀንዲ ደጋፊት ናይቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ምንባራን ንሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ንምድጋፍ ሰራዊታ ከይተረፈ ኣዋፊራ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ወጥሪ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ፡ 10 ጥቀምቲ 2024

ምንጪ ስእሊ,@VillaSomalia

ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊን ወተሃደራውን ወጥሪ ኣብ ስግኣት ኣብ ዘለወሉ እዋን'ዮም ነቲ ዋዕላ ዘካይድዎ ዘለዉ።

ኢትዮጵያ ምስታ ሶማልያ ኣካል ልኡላውነታ ምዃና እትገልጻ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ ስምምዕ ምፍራማ ንሞቓድሾ ኣቖጢዕዋ ይርከብ። እቲ ዝተፈረመ ምርድዳእ ኢትዮጵያ ነታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀት ዞባ ከም ሃገር ክትፈልጣን፡ ኣምሳያኡ ድማ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊን ቁጠባውን ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእል'ዩ።

ግብጽን ኤርትራን ንልኡላውነት ዓባይ ሶማልያ ዘለወን ደገፍ ብምግላጽ፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክገብራላ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ብዛዕባ ምብጻሕ ኣል-ሲሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ምርግጋእን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ንምድልዳል" ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካይሮ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ናብ ሞቓድሾ ከተጓርት ምርኣያ ኢትዮጵያ ብትሪ ተቓዊማቶ'ያ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብመርከብ ናብ ወደብ ሞቃድሾ ዝኣተወ ኣጽዋር ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላት፡ መዳፍዕን ካልእ ንኣሽቱ ኣጽዋርን ዘጠቓልል ምዃኑ ይግለጽ።

ግብጽን ኢትዮጵያን ምስ ምህናጽ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ካብ ነዊሕ እዋን ክሰሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኤርትራ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ከተሰልጥን ጸኒሓ'ያ።

ፕረዚደንት ግብጺ ወተሃደራዊ ምርኢት ሰራዊቱ እናተዓዘበ፡ ግብጺ 8 ጥቀምቲ 2024

ምንጪ ስእሊ,Egypt President Office

መግለጺ ስእሊ,ግብጺ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ከምዘለዋ ይንገር

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክልቲኦም መራሕቲ ሶማልያን ግብጽን ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምብጽሖም ኣብ ወተሃደራዊ ምርኢታት ሰራዊቶም ክሳተፉ ተራእዮም ነይሮም።

ሞቓድሾ ብዘይካ'ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወጥሪ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ፈጢሮም ዘለዉ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ንምስዓር'ውን ኣብ ዘየቋርጽ ውግእ ትርከብ።

መራሕቲ ሶማልያን ኤርትራን ትማሊ ምሸት ኣብ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ርክብ፡ "ንልኡላውነት፡ መሬታዊ ሓድነትን [ፖለቲካዊ] ሓድነትን ሶማልያ ንምዕቃብ ኣብ ዝግበር ኪበድ ዕማም" ንምሕያል ከምዝተረዳድኡ ብወገን ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ ይጠቅስ።

"ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ ንምስልጣን እተካይዶ ምቕሉል ኣበርክቶ" ንሃገራዊ ትካላት ጸጥታ ሞቓድሾ ንምምዕባል ዝዓለመ ምዃኑ'ውን እቲ ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ፕረዚደንት ሓሰን፡ ድሕሪ'ቲ ስሉሳዊ ዋዕላ፡ ምስቶም ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንዝስልጥኑ ዘለዉ ወተሃደራቱ ድሕሪ ምርኻቡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ'ሎ።