ርግጽ'ዩ፡ መንግስቲ፡ ንህዝባዊ ሕቶ መሰልን ተቓውሞን ከም ካብ ሕጊ ዝወጽአ በጨቕታ ገይሩ ስለ ዝርእዮ ንዝዀነ ይዅን ተቓውሞ ብማእሰርትን ግፍዕን'ዩ ዝሰሃሎ። ተቓውሞኦም ንዘስምዑ ዜጋታት ከኣ፡ ዝነበሮም ጽፍሕን ሓለፍነትን ማዕርግን ብዘየገድስ፡ ብኣባለት ጸጥታ ብቓጻ ለቒሙ ኣሲሩ ይስውሮም፤ እዚ ተግባር'ዚ ኣብ ኤርትራ ልሙድ እዩ።
ኣብ ወጻኢ፡ ኣብቲ መሰል ሓሳባትካ ምግላጽ ፍቝድ ዝዀነሉ ሃገራት ምዕራብ ግን፡ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ይዅን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣንጻር እቲ ኣብ ሃገር ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓያል ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት የካይዳ እየን።
ብፍላይ ካብ 2018 ኣትሒዙ ፡ ከም "ይኣክል"፡ "ብርጌድ ንሓመዱ" ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ስደት ብውዳበታት ህግደፍን መንግስትን ዝካየድ በዓላትን ፌስቲቫላትን ተቓውሞታት ክካየዱ ተራእዮም እዮም።
ይኹን እምበር እዚ ዓንቀጽ'ዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደ ተቓውሞታት እዩ ክድህስስ።
ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ግንቦት 1993
ብ20 ግንቦት 1993፡ ረፈረንደም ተዛዚሙስ፡ ናጽነት ብዕሊ ቅድሚ ምእዋጁ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ኣቦ መንበር ህዝባዊ ግንባር ነበር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተጋደልቲ፡ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ብዘይ ደሞዝ ክሰርሑ ንዝሃቦ እማመ ዝቃወም ሓያል ሰልፊ ኣካይዶም።
እቲ ብፍኑው ኣገባብ ዝተላዕለ ተቓውሞ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምዕጻው፡ ባንክታትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲን ከምዘይሰርሑ ብምግባር፡ ንኣስመራ ብኡ-ንብኡ ኣልመሳ።
ሽዑ፡ ሃገር ኣብ ምድላው ታሪኻዊ ጽምብል ናጽነት እያ ነይራ። ኣብ ስደት ዝጸንሑ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ኣብ ጽንብል ናጽነት ክሳተፉ ንኤርትራ ይገሹ ስለዝነበሩ፡ ኣጋይሽ ንድሕሪት ከይምለሱ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ እቲ ዕለት፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ (ሽዑ ፕረዚደንት ኣይነበረን - ብ24 ግንበት'ዩ ብግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ከም ፕረዚደንት ዝተሰምየ) ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር - ተጋደልቲ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ንህንጸት ሃገር ብዘይ ደሞዝ ከገልግሉ ኣለዎም ምስ በለ'ዩ እቲ ተቓውሞ ዝተወልዐ።
እቶም ዝኣደሙ ተጋደልቲ፡ ንብዙሓት ኣብ ክቱር ድኽነት ዝነበሩ ስድራ ቤቶም ክሕግዙ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ውግእ ንዘልመሶ ኵነታት ክፍውሱን ከበርክትዎን ዝኽእልሉ መዳያት ስለዝሓረሞም ብምሒር ብስጭት ነዲሮም እዮም ተላዒሎም። ንነዊሕ እዋን ኣብ በረኻ ከርተት ስለ ዝበሉ - እኳ ድኣ ገሊኦም ንልዕሊ ዕስራ ዓመት - እቲ ድጉል ብስጭቶም ገንፊሉ ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ ተደፍአ።
ታሪኽ ኤርትራን ተቓውሞን ዝሰነደ ዳን ኮነል ዝተባህለ ተመራማሪ ከም ዝበሎ፡ እቲ ተቓውሞ ብንግሆኡ ኣብ መዕርፎ-ነፈርቲ'ዩ ጀሚሩ። ነፈርቲ ንከይዓልባን ንከይበራን ምስ ተኣገዳ እቲ ወረ ብራድዮ ብፍጥነት ናብ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ተዘርግሐ።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ከኣ፡ ዕጡቓት ተጋደልቲ ኣብ ዉሽጢ ከተማ ዝርከቡ ባንክታትን ህንጻታት መንግስትን ተቛጻጸርዎ፤ ንትራፊክ ኣስመራ ኸኣ ሓኒቘም ደው ኣበልዎ። ኣባላት ኣሃዱታት መዳፍዕን ታንክታትን ከኣ ተጸንበሩዎም።
ገሊኦም ሓለፍቲ ሰራዊት ይዅኑ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ነቲ ናዕቢ ንምህዳእ ዝከኣሎም ፈተነታት'ኳ እንተገበሩ፡ እቶም ሰልፈኛታት ኢሳይያስ ባዕሉ መጺኡ ከዘራርበና ኣለዎ ስለዝበሉ፡ ድሕሪ ቀትሪ ኩሎም ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ተራኸቡ።
ኣብ ስታድዩም ምስተኣከቡ ከኣ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ገንዘብ ስለዘይጸንሐ ነቲ "ንኣርባዕተ ዓመት ብዘይ ደሞዝ" ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ዳግመ ግምት ከምዝግበሮ ቃል ስለዝኣተወ፡ እቲ ናዕቢ ሃዲኡ ሰራዊት ነናብ መዓስከራቱ ተመልሰ።
እንተዀነ ኢሳይያስ ንምሸቱ፡ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ቀሪቡ፡ ነቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ "ዘይሕጋዊ"፡ ነቶም ተቓወምቲ ኸኣ "ዕሸላውያን" ክብል ዘለፎም። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከኣ እቶም ኣለዓዓልቲ ተቓውሞ ዝተባህሉ ብውሽጢ ውሽጢ ተለቒሞም ተኣስሩ። ኣብ ዝዀነ መጋባእያ ከይቀረቡ ከኣ፡ ብወተሃደራዊት ኰሚተ ብዝተዋህበ ውሳነ ካብ ሓደ ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈርዱ፤ ውሑዳት ከኣ ዝተረፈቱ ነይሮም።
ተመራማሪ ታሪኽ ዳን ኮነል፡ " ዳሕራይ፡ ገለ ካብኣቶም ፍርዶም ተቐኒሱሎም ነናብ ኣሃዱታቶም ዝተመልሱ ነይሮም። ይዅን'ምበር እቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ሒደት ናይ ጁባ ገንዘብን ዓመታዊ ዕረፍትን ንከይወሃቦም ከኣ ትእዛዝ ተመሓላለፈ" ክብል ነቲ ኵነታት ይገልጾ።
ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ
እቲ ናይ ግንቦት 1993፡ ተቓውሞ ዝፈጠሮ ስምዒት ከይተረሰዐ፡ ኣብ ሓምለ 1994 ናይ ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ ሰዓበ። ኣብቲ ክራማት ኣብ ውግእ 30 ዓመት ስንክልና ዘጋጠሞም ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት እቲ ግምባር ዝነበሩ ተጋደልቲ ብሓልዮት መንግስቲ ንክእለዩ ናብ ማይ ሓባር ክወርዱ ተነግሮም።
ማይ ሓባር ብምብራቕ ኣስመራ 25 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ቦታ'ያ።
እንተዀነ ኣብ ማይ ሓባር ንዅሎም ስንኩላን ዝሓቁፍ ምድላው ስለዘይነበረ እቶም ተጋደልቲ ኵነታት መነባብሮኦም ዳግመ ግምት ክግበረሉ ጠለባቶም ኣቕረቡ።
ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት ከኣ፡ ሓላፊ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ምጥያስ ተጋደልቲ ነበር ተጋዳላይ ኣማኑኤል ምሕረትኣብ መጺኡ ኣዘራረቦም።
ሽዑ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ዳሕራይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝኽርታቱ ዘካፈለ ፊሻለ ዝተበሃል ተጋደላይ፡ ዳይረክተር ምጥያስ ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ "ክጣየስ ዝደለየ 10 ሽሕ ተዋሂቡዎ ክፋኖ፣ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክእለ ዝደለየ ከኣ ንወርሒ 90 ብር እናተዋህቦ ክጸንሕ" ዝብል ምርጫታት ከምዘቕረበሎም የዘንቱ።
እንተዀነ እቶም ስንኩላን፡ ኢሳይያስ መጺኡ ከዛርበና ኣለዎ ብምባል ንኣማኑኤል ጅሆ ሓዝዎ። ፍታሕ ስለዘይረኸቡ ከኣ ንጽባሒቱ ተቓውሞኦም ከስምዑ ናብ ኣስመራ ምስተበገሱ፡ ኣብ ጽርግያ ነፋሲት ኣስመራ ብዕጡቓት ኣሃዱታት ደው ክብሉ ተኣዘዙ። ነቶም ዝኸልከሉዎም ዕጡቓት ከኣ ጸገሞም ንላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ንክገልጹሎም ንኣስመራ ክኸዱ ከምዝደልዩ ሓበሩዎም።
ብእኡ ዝተላዕለ ክርክር እቶም ዕጡቓት ኮማንዶ ነቶም ስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ከባቢ ነፋሲት ብጥይት ስለዝሃረሙዎም እቲ ተቓውሞ ተበቲኑ።
ኣብቲ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ በቲ ሓደጋ ክብል ዝገለጾ ናይ ስንኩላን ተቓውሞ 3 ሰባት ከምዝሞቱ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ፍጻመ ነይረ ዝብል ምስቶም መነዓዓብቲ ዝተባህሉ ስንኩላን ንዓመትን መንፍቕን ኣብ ኳዜን ከምዝተኣስረ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገለጸ ስንኩል ተጋዳላይ ኣባል ማሕበር ስንኩላን ኲናት ግን 12 ስንኩላን ከምእተቐትሉ እዩ ዝሕብር።
እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ፍጻመን ጭካነን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝነብሩ ኤርትራውያን ዓገብ ተባህለ፤ እቲ ፍጻመ'ቲ ከኣ ኣብ ሚድያ ዓለም ተቓልሐ።
ተቓውሞ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ
ተቓውሞ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብጉዳይ ክረምታዊ ማእቶትን ክወሃብ ዝግበኦ ኣበልን ኣብ ክራማት 2001፡ ዝተበገሰ ምትፍናን እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ምንቅስቓስ ጕጅለ 15 ኣብ ጥርዙ በጺሑ ስለዝነበረ፡ እቲ ፖለቲካዊ ሃዋህው እታ ሃገር ተሃዋሲ እዩ ዝነበረ።
ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ማሕበር ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበረ ሰመረ ከሰተ ተኣሲሩ ናብ ቤት ፍርዲ ስለዝቐረበ፡ ኣስታት 400 ዝኣኽሉ ተምሃሮ ኣብ ኣፍደገ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከይዶም ብጻዮም ንክፍታሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካየዱ።
እንተዀነ ሓይልታት መንግስቲ ነቶም ተምሃሮ በተኑዎም። ተቓውሞ ስለዝቐጸሉ ከኣ ንዅሎም ጠርኒፎም ዊዓ ናብ ዝተባህለ ኣዝዩ ውዑይ ቦታ ወሰዱዎም። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ የማነ ተኪኤን ይርጋ ዮሴፍን ዝተባህሉ ክልተ ተምሃሮ ብወቕዒ ጸሓይ ሞቱ፤ ሞት ናይቶም መንእሰያት ከኣ ሓያል ቁጠዐ ኣለዓዓለ።
እቶም ተምሃሮ ንዓመቱ - ኣብ ክራማት 2002 ምስ ተመረቝ'ውን ብኣልማማ ንሳዋ ወረዱ። ዳርጋ ንመብዛሕትኦም ምክታታል እናተግበረሎም ኣብ ሰራዊት ጸንሑ። በብቕሩብ ድማ ዳርጋ መብዛሕትኦም በብመንገዶም ካብ ሃገር እናወጹ ተበታተኑ።
ድሕሪ ቅሩብ እውን ኣቦ መንበሮም ሰመረ ከሰተ ብሓገዝ ሓላዊኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ ኣብ ስደት ፖለቲካዊ ዑቝባ ሓቲቱ ኣንጻር እቲ ስርዓት ክቃወም ጀመረ።
ምንቅስቓስ ጕጅለ-15
ድሕሪ ምዝዛም ኵናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ፡ (1998-2000)፡ ዳሕራይ ብጕጅለ-15 ዝተሰምየ፡ ዝሓለፈ ጕዕዞ ተገምጊሙ ለውጢ ክግበር ዝጠልብ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምንቅስቓስ ተላዕለ። እቶም ምኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ግንባርን፡ ኢሳይያስ ኣኼባ ክጽውዕ ብተደጋጋሚ ሓቲቶም፡ "ትጋገዩ ኣለኹም!" ዝብል መልሲ ምስተዋህቦም ናብ ህዝብን ሰራዊትን 'ቅሉዕ መልእኽቲ' ከምዝጸሓፉ ሰነዳት ይሕብሩ።
ኣብ መስከረም 2001፡ ከኣ እቶም ሕቶ ዘልዓሉን ተደናገጽቶምን ጋዜጠኛታትን ተኣሲሮም ምስተሰወሩ፡ ንሃለዋቶም ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ብመንግስቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን።
እቶም ሕቶ ዘልዓሉ፡ ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ኰይኖም፡ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝኸደ ደማዊ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ክግምገም፤ ብሰንኪ ኲናት ተወንዚፉ ዝነበረ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ስልጣን ክጅመር፣ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ክትግበር ዝብሉን ካልኦት ኣገደስቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዘልዓሉ እዮም ነይሮም። ክሳብ ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ ሃለዋቶምን ኵነታቶምን ዝገልጽ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ምንቅስቓስ ፎርቶ - 21 ጥሪ
እቲ ዝዓበየ ተቓውሞ እቲ ኣብ ጥሪ 2013 ዝተኻየደ - ብ 'ስርሒት ፎርቶ' ዝፍለጥ ብኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ - 'ወዲ ዓሊ'ን ብጾቱን ዝተመርሐ ኰይኑ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሰ ሕቶ ቅዋምን ምፍታሕ እሱራትን ዝምልከት ሕቶ ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ።
እቲ ብፈተነ ዕልዋ ዝግለጽ ተቓውሞ፡ ብገለ ወገናት ናይ "ስምዓና ሕቶ!" ምንባሩ እውን ይግለጽ እዩ። ኰሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ፡ እቲ ፈተነ ምስ ፈሸለን ኣብቲ ተቓውሞ ክጽንበሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ዝነበሩ ኣሃዱታት ምስ በዀሩን፡ 'ወዲ ዓሊ' ነብሱ ከውጽእ ፈቲኑ፤ ብወተሃደራት መንግስቲ ምስ ተኸበ ነብሱ ከም ዝቐተለ ይንገር።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣስታት ክልተ ሰሙን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ተሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት እቲ ፍጻመ ስግኣት ከምዘይፈጠረ ብምግላጽ፡ መንግስቲ "ጸሓፍቲ ጽሩይ ሓሶት!" ንዝበሎም ወገናት ምኽንያት ከይህብ ስቕ ክብል ከም ዝመረጸ ሓቢሩ።
መንግስቲ ዋላ'ኳ ብወግዒ እንተዘይሓበረ ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ከም ሜጀር ጀነራል ዑመር ሓሰን ጠዊል፡ ኮሎኔል ተስፋማርያም ሃይለ ( ወዲ ኣመሪካ)፡ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብር፡ ምኒስተር ጸዓትን ማዕድንን አሕመድ ሓጂ ዓሊ፡ ሌተናል ኮሎኔል፡ ኣብርሃም ገብረሚካኤል (ገላዋ)፡ ሌተናል ኮሎኔል በርሀ ዑቕባሚካኤል (ዕንሹ)፡ሌተናል ኮሎኔል በርሀ ዑቕባሚካኤል (ዕንሹ) ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ሙስጠፋ ኑር ሑሴን፡ ኣሮን ታደሰ ኣባል ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ነበር ገዲም ኢብራሂም ቶቲል ካልኦት ብዙሓት ከምእተኣስሩ ጸብጻባት የረድኡ።
ተቓውሞ ሓጂ ሙሳን ተምሃሮ ዲያእ ኣልኢስላሚያን
ድሕሪ ሒደት ዓመታት ፍጻመ 21 ጥሪ 2013፡ መንግሰቲ ኤርትራ፡ ብ20 ጥቅምቲ 2017፡ ኣልድያእ ኣል ኢስላምያ ንኽትዕጾ ትእዛዝ ምስሃበ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዘገልገሉ ሓጂ ሙሳ ነቲ መንግስቲ ዘመሓላለፎ መምርሒ ከምዝተቓወምዎ ንተምሃሮን ወለድን ኣብ ዘረድእሉ ዝነበሩ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዶም።
ሓጂ ሙሳ ኣብ ሕብረተሰብ ኣስላም ኤርትራ ብኣበርክቶኦም ዝኽበሩ ኣቦ እዮም ነይሮም። እቲ ብሓልዮቶም ዝምራሕ ዝነበረ ኣብ ኣኽርያ ዝርከብ ቤት-ትምህርት ኣስላም ንኽዕጾ ብመንግስቲ ትእዛዝ ምስ ተመሓላለፈ ከኣ "ኣይግባእን እዩ!" ክብሉ ተቓውምኦም ምስ ኣስምዑ፡ ኣብ 93 ዕድመኦም ተኣስሩ።
ድሕሪ ማእሰርቶም ብዙሓት ደገፍትን ሰዓብትን ርእይቶ ሓጂ ሙሳ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ሰላማዊ ሰልፊ ስለዝገበሩ፡ ብኣባላት ጸጥታ ንሰማይ ብዝትኰስ ጠያይትን ናይ ኣባትር ማህረምትን ተበተኑ። ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ከኣ ብ 1 መጋቢት 2018 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሞት ተፈልዩ።
ኣብ ኣስመራ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተሳተፉ፡ ከምኡ'ውን ቅድመኡ ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2017 ብጉዳይ ቤት ትምህርቲ ኣድያእ ኣልእስላምያ ኣስመራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ ዝተሳተፉ፡ መንእሰያትን ሰብኡትን ከምኡ'ውን ትሕቲ ዕድመ ተምሃሮ ቈልዑ፡ ንዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ዓዲኣበይቶ፡ ማይስርዋ፡ ዓላን ሓሽፈራይን ንዓመታት ከምእተኣስሩ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድኡ።
ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ኣባል ምንቅስቓስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኰይኖም ከምዝተቓለሱ መረዳእታታት ይሕብሩ። ኣባል ኮምሽን ረፈረንዱምን ኮምሽን ቅዋም ኤርትራን ነበር ሓዎም፡ ገዲም ተጋዳላይ ዶ/ር ጣሃ መሓመድኑር እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞተ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ጥራይ ዘይኰነ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን እውን ብመንካዕን የሚንን ፋሉልን ዝፍለጥ ብጐነጽን ቅትለትን እተዛዘመ ሓያሎ ተቓውሞታት ከምዝነበረ ጽሑፋት ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኣስፊሮምዎ ኣለዉ።