መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኽበር ድዩ?

መዓልቲ ኣቦታት ኣብ መንጎ ኣቦታትን ደቆምን ዘሎ ምትእስሳር ዝኽበረላ ፍልይቲ ዕለት እያ።

ኣቦ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ብጽምብል ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝግለጽ’ኳ እንተዘይኰነ፡ እዛ መዓልቲ ግን ፍቕርን ተወፋይነትን ኣቦታት ከምኡ’ውን ኣቦታት ኣብ ህይወትና ዝጻወትዎ መተካእታ ዘይብሉ ተራ እተዘኻኽረና እያ።

ብተወሳኺ ኣባሓጎታት፡ ኣያታት፡ ኣኮታትን ካልኦት ናብዮት ዝህቡ ደቂ ተባዕትዮን'ውን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ይምስገኑ እዮም።

እዛ ንኣቦታትና ምስጋናን ፍቕርን ክንገልጽ ዕድል እትህበና መዓልቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም፡ ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሰነ ትኽበር።

በዚ ከኣ ሎምዘበን ሎሚ ሰንበት 16 ሰነ መዓልቲ ኣቦታት ተባሂላ ትበዓል ኣላ።

ብኸመይ እያ ተጀሚራ?

መዓልቲ ኣደታት ንኣማኢት ዓመታት ክትኽበር እኳ እንተጸንሐት፡ መዓልቲ ኣቦታት ግና ክንድኡ ታሪኽ ዘለዋ ኣይኰነትን።

ምኽባር እዛ መዓልቲ ኣብ ኣመሪካ ከምዝጀመረ ክግመት እንከሎ፡ ብኸመይ ከምዝተጀመረ ዝጸውዩ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት ኣለው።

ሓደ ካብዚኦም፡ ድሕሪ’ቲ ብ5 ሓምለ 1908 ኣብ ኣብ ፌርሞንት ምዕራብ ቨርጂንያ ዘጋጠመ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝኸፍአ ሓደጋ ዕደና ከምዝተጀመረ ይገልጽ።

ብሰንኪ እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ልዕሊ 360 ሰብኡትን ኣወዳትን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 1000 ቆልዑ ድማ ብዘይ ኣቦ ተሪፎም።

ግሬስ ጎልደን ክለይተን ዝተበሃለት ሓንቲ ሰበይቲ ድማ፡ ነቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ ብዙሓት ኣቦታት ኣብ ፌርሞንት ብናይ ሰንበት ኣገልግሎት ከተኽብሮም ሓሲባ።

ውፉይን ዝኽበርን ዝነበረ ኣቦኣ ኣብ 1896 ስለ ዝሞተ፡ ኣቦ ምስኣን ማለት እንታይ ከምዝዀነ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ።

ይዅን’ምበር እቲ ኣብ ፌርሞንት ዝተኻየደ ዝኽሪ ኣቦታት፡ ናብ ዓመታዊ ፍጻመ ኣይተቐየረን።

ካልእ ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ዛንታ ድማ እቲ ብሓንቲ ሶኖራ ሎዊስ ስማርት ዝተባሃለት ሰበይቲ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝተጀመረ ዝገልጽ’ዩ።

ኣዲኣ ሻድሻይ ቆልዓ ክትሓርስ እንከላ ምስ ሞተት፡ ምሉእ ሓላፍነት እታ ስድራ ኣብ ኣቦ ሶኖራ ሎዊስ ስማርት ወዲቑ።

ኣብ 1909 ሳኖራ ኣብ ቤተክርስትያን ንመዓልቲ ኣደታት ብዝምልከት ሓደ ስብከት ድሕሪ ምስምዓ ኣቦታት’ውን ክኽበሩ ከምዝግባእ ሓሲባ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ብዙሓት ካህናት ነቲ ሓሳብ ምስተቐበልዎ ከኣ ብ19 ሰነ 1910 ፈላመይቲ ዘይወግዓዊ መዓልቲ ኣቦታት ከምዝተኸበረት ይግመት።

ብድሕሪኡ ዋላ’ኳ ሰፊሕ ደገፍ እንተነበረ፡ መዓልቲ ኣቦታት ንነዊሕ ዓመታት ቀዋሚ ሃገራዊ በዓል ኣይነበረን።

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ኣብ 1966፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሊነደን ቢ ጆንሰን ሳልሰይቲ ሰንበት ወርሒ ሰነ መዓልቲ ኣቦታት ክትከውን ወሲኑ።

ኣብ 1972 ከኣ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ኣብ ሕጊ ክትሰፍር ክታሙ ኣንቢሩሉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ወግዓዊ፡ ቀዋሚት ሃገራዊ ብዓል ኰይና ትኽበር ኣላ።

መዓልቲ ኣቦታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ትኽበር
መግለጺ ስእሊ,መዓልቲ ኣቦታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ትኽበር

ብኸመይ’ያ ትኽበር?

መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ኣመሪካ ጥራይ እትጽንበል ብዓል ኣይኰነትን፤ ኣብ መላእ ዓለም ግን ድማ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ትኽበር’ያ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ሜክሲኮን ብሪጣንያን እታ መዓልቲ ኣብ ሳልሳሰይቲ ሰንበት ወርሒ ሰነ ትውዕል።

ከም ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ወርሒ መስከረም የኽብራ።

ኖርወይ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ኣብ ካልአይቲ ሰንበት ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ኢጣልያ፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን ድማ 19 መጋቢት መዓልቲ ኣቦታት ተባሂለን ይኽበር።

ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ኣቦታት ብዙሕ ዝተለምደ ኣይኰነን
መግለጺ ስእሊ,ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ኣቦታት ብዙሕ ዝተለምደ ኣይኰነን

ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ኣቦታት ምጽንባል ክንዲ መዓልቲ ኣደታት ብዙሕ ልሙድ ኣይኰነን።

ካብቶም ዘኽብሩ መብዛሕቶም ድማ ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት ወርሒ ሰነ እዮም ንኣቦታቶም ዘለዎም ምስጋና ዝገልጹ።

ይኹን’ምበር መዓልቲ ኣቦታት ኢትዮጵያ ዝተበሃለ ማሕበር ግብረ ሰናይ፡ እታ መዓልቲ ብሃገራዊ ልምዲ፡ ክብርታትን ባህሊን ንኽትክበር ጻዕሪ ኣብ ምግባር ይርከብ።

ካብ 2011 (2003 ኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሩ መዓልቲ ኣቦታት ኣብታ ሃገር ኣብ 23 ግንቦት (15 ግንቦት ብኣቆጻጽራ’ታ ሃገር) ክኽበር ከምዝጸንሐ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።

15 ግንቦት፡ ኣብ ዓድዋ ንወራር ሓይሊ ኢጣልያ ዝመከቱ ኣቦታት ብዓወት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመልሱላ መዓልቲ ከምዝዀነት ብምጥቃስ፡ መዓልቲ ኣቦታት ብሃገራዊ ልምዲ፡ ክብርታትን ባህሊን ንምኽባር እዛ ዕለት ከምዝተመርጸት’ውን ይጠቅስ።

ኤርትራ

ልክዕ ከም ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ’ውን መዓልቲ ኣቦታት ክንዲ መዓልቲ ኣደታት ኣይጽንበልን።

እንተዀነ እዛ መዓልቲ ንኣቦታቶም ዘለዎም ምስጋናን ፍቕርን ንምግላጽ ዝጥቀሙላ ኤርትራውያን ሒደት ኣይኰኑን።

ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተለምደ ድማ ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት ወርሒ ሰነ መዓልቲ ኣቦታት የኽብሩ።

ኣብዛ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ህያባት ንኣቦታቶም ዘለዎም ፍቕሪን ናዕዳን ይገልጹ።